እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ወተሃደራታ 'ኣብ ክልል ኦሮሚያ ግህሰታት ፈጺሞም' ንዝብል ክሲ ብትሪ ነጺጋ
ኤርትራ ወተሃደራታ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ጉሙዙን ተዋፊሮም ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዓመጽ ይፍጽሙ ኣለው ንዝብል ክሲ ነጺጋቶ።
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ "ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ኦሮምያን ካልእ ክፋላት ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዓመጽ ይፍጽሙ ኣለው" ንዝብል ኣብ 'ቱዴይኒውስኣፍሪካ' ዝወጸ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ጸብጻብ "ብትሪ ከም ዝነጽጎ" ኣፍሊጡ።
እቲ ጸብጻብ "ዝኾነ ጭብጢ ዘይብሉ፡ ሕሉፍ ሓሶትን ዘይሓላፍነታዊ ጠቐነ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ" እዩ ክብል'ውን ገሊጽዎ።
ኣብ'ቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይን ዝተወልዐ ኲናት ኣንጻር ህወሓት ዝወፈረ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ብዙሕ ጾታዊ ዓመጽ፡ ቅትለት ሲቪላውያንን ራስያን ዝርከቦም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሙ ተባሂሉ ክኽሰስ ጸኒሑ እዩ።
ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ሚሳይል መጥቃዕትታት ድሕሪ ምክያዱ፡ "ኤርትራ፡ ኪንዮ ንልኡላውነት ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ እናኣኽበረት ርእሳ ምክልኻልን ዶባታ ምውሓስን ካልእ ኣማራጺ ኣይነበራን" ዝበለ መግለጺ እቲ ኤምባሲ፡ "ተጻባእቲ፡ ንኤርትራ ንምስይጣን ብዛዕባ 'ግፍዕታት ትግራይ' ከካይድዎ ዝጸንሑ ጎስጓስ ስለዘየዕገቦም እቲ ሓሶቶም ናብ ኦሮምያን ካልእ ክልላት ኢትዮጵያን ኣስፊሖምዎ ኣለው" ይብል።
ሰብ መዚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተዋፊሩ ምህላው ንዝገልጽ ንኣዋርሕ ክነጽግዎ ድሕሪ ምጽናሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ናብ ኣስመራ ድሕሪ ዝገበሮ መገሻ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ኣብ ስምምዕ ከም እተበጽሐ ምግላጹ ይዝከር።
እንተኾነ ግና ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ምስሓባ ዘረጋግጽ ምልክታት ከም ዘየሎ ዝገልጻ ኣመሪካ እትርከበን ሃገራት ምዕራብ፡ ኤርትራ ወተሃደራታ ብቕልጡፍ ክተውጽእ ክጽውዓ ጸኒሐን ኣለዋ።
መግለጺ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)
ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ክልላት ኦሮምያን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ተዋፊሮም ምህላዎም ዝኸሰሰ ብሰኑይ ዝወጸ መግለጺ ግንባር ሓርነት ኦሮም (ኦነግ) "እቲ ኣብ ስርሒት ትግራይ ምፍጻሙ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝተረጋገጸ ግፍዕታት ብተመሳሳሊ መገዲ ኣብ ኦሮምያ ይርአ ኣሎ" ኢሉ።
"ብዙሓት ቦጦሎኒታት ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ሚያዝያ 2021 ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዝርከቡ ዞባታት ሆሮ ጉድሩ፡ ቄለም ወለጋ፡ ምዕራብ ወለጋ፡ ጉጂን ቦረናን ከምኡውን ኣብ ዞባ መተከል ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ተዋፊሮም ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ማህረምቲ፡ ቅትለት፡ ስርቂ፡ ጾታዊ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከምኡ'ውን ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ" ምፍጻሞም እቲ መግለጺ ይጠቅስ።
ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣፈኛ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ኣቶ ጌታቸው ባልቻ ግና ኣብ ክልል ኦሮምያ ድሕነት ንምሕላው፡ ብዘይካ ፖሊስ ክልል ኦሮምያን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ዝተዋፈረ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ከም ዘየለ ገሊጹ።
"ናይ ኢትዮጵያ ድሕነትን ምስ ኤርትራ ዘሎና ጽቡቕ ርክብን ዘየሕጉሶም ሓይልታት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምግጫው ይፍትኑ ከም ዝነበሩ ንፈልጥ ኢና። ወተሃደራት ኤርትራ ኣብዚ ሃገር ከም ዘለው ዝገልጹ ከም ዘለው'ውን ንፈልጥ። ኣብ ክልልና ሰላም ንመሕላው ዝወፈረ ወላ ሓደ ወተሃደር ናይ ኤርትራ የሎን። ክልል ኦሮምያ ናይ ባዕሉ ሓይሊ ተጠቒሙ ሰላም ኣብ ምኽባር እዩ ዝርከብ" ኢሉ።
ወተሃደራት ኤርትራ ኣብቲ ከባቢምህላዎም ዝገልጹ ነበርቲ
ቢቢሲ ዘዘራቦም ስሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ነበርቲ ሆሮ ጉድሩ ወለጋ: ወረዳ ኣባይ ጮመን፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘሎ ወታሃደራዊ ምንቅስቓስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጎኒ ሰራዊትኢትዮጵያ ከምዝተዓዘቡ ይዛረቡ። ግና ሰራዊት ኤርትራ ምዃኖም ብኸመይ ፈሊጥኩም ዝብል ሕቶ ዝቐረበሎም እቶም ነበርቲ ከምዚ ኢሎም።
"ኣብ ዝሓደሩሉ ከባቢ መንነት ገዲፎም ዝኸዱ ኣለው። እቲ መለለዪ መንነት ድማ ናይ ኤርትራ ወተሃደር እዩ ዝብል" ኢሉ እንተኾነ ግና እቲ ምስክር ነቲ ወረቐት መንነት ብዓይኑ ከም ዘይረኣየ ተዛሪቡ።
ካልእ ምስክር ድማ ቋንቋ ኣምሓርኛ ከም ዘይመልኩ ይነግር።
"ዝዛረብዎ ቋንቋ ትግርኛ እዩ። ዝወስድዎ ስጉምቲ ከም ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊትን ዝተለመደን ዓይነት ኣይኮነን። እቲ ዝወስድዎ ስጉምቲ ጭካነ ዝተመልኦ መጥቃዕትን መቕተልትን እዩ። መለለዪ መንነት'ውን ኣይሓቱኻን። መን ኢኻ ካበይ መጺኻ? ኢሎም ንምሕታት'ውን ቋንቋ ኣይኽእሉን" ኢሉ።
ኣብ ክልል ኣምሓራከም እተቐትለ ዝተነግረሉ 'ኤርትራዊ ወተሃደር'
ኣብ ወርሒ መጋቢት'ውን ብተመሳሳሊ ናይ ሓደ መሓሪ ተስፋይ ዝተባህለ ኤርትራዊ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት መለለዪ ወረቐት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ከም እተረኽበ ብምግላጽ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብቲ ክልላት ከም ዝተዋፈሩ ተገሊጹ ነይሩ።
ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ምጽራይ ግና መሓሪ ኣብ ሽወደን ከም ዝነብርን እቲ ስእሊ ናይ መለለዪ ወረቐት ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተወሰደ ምዃኑን'ዩ ኣረጋጊጹ።
ንመሓሪ ተስፋይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዛዕብኡ ተዘርጊሑ ዘሎ ዜና ዝፈለጦ ነገር እንተሃልዩ ኣብ ዝተወከስናሉ፡ እቲ ስእሊ ካብ ናቱ ፌስ ቡክ ከምዝተወሰደ ብምሕባር ብዙሕ ክዛረብ ከምዘይደሊ'ዩ ነጊሩና።
ሓፍቱ ወይዘሮ መኣዛ ተስፋይ ግና "ጸገም ንዘጋጠሞ ሰብ ክትነግረሉ፡ ግፍዒ እንተተፈጺሙ ክትሕብር ሰናይ ነገር እዩ እዚ ግን ሓቂ ሒዝካ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ኣብ ባይታ ዘየለ ነገራት ኣምጺኻ ክንድዚ ምድኻር ግን ኣይግድን" ብምባል ነቲ ተግባር ኮኒናቶ።
ወይዘሮ መኣዛ "እቲ ስእሊ ካብ ፌስቡክ ናይ መሓሪ ሓወይ እዮም ወሲደሞ፡ ነቲ ዝተዘርገሐ ጽሑፍ ዘንበበ ፈላጢና ኸኣ ደደዊሉ ይሓተና ኣሎ፡ ሓንካስ ዘውረዮስ ፈረሰኛ ዘይመልሶ ኮይኑ ንዝደወሉልና ኣብዚ ኣሎ ኢልና ክንነግር ንውዕል ኣለና" ኢላ ነይራ።