እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማዕቐብ ኣሜሪካ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ እንታይ ስትራቴጂካዊ ለውጢ ከኸትል ይኽእል?
ኣሜሪካ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ብዝተሓሓዝ ብተደጋጋሚ ሻቕሎታ ክትገልጽ ጸኒሓ’ያ። ኣብ ቀረባ መዓልታት ድማ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን እገዳ መገሻ ከምዝተነበረ ኣፍሊጡ።
እቲ ማዕቐብ ቪዛ ኣብ ልዕሊ ሕዚ ዘለዉን ነበራትን ሰበስልጣን፣ ወተሃደራውን ናይ ጸጥታን ሓለፍቲ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ስሩዕን ዘይስሩዕን ሓይልታት ከምኡ’ውን ገለ መሪሕነት ህወሓት የጠቓልል።
ኣብቲ ኲናት ተሳትፎ ንዘለዎም ወይ ተሓባበርቲ ንዝኾኑ ዝምልከት እቲ እገዳ መገሻ ንቤተሰቦም እውን ከምዘሓውስ እቲ መግለጺ ኣነጺሩ’ሎ።
ብዘይካ’ዚ እገዳ ቪዛ: ኣብ ቁጠባን ጸጥታን እትገብሮ ሓገዝ ክቋረጹ፤ ኣብቲ ጎንጺ ምምሕያሽ እንተዘይሃልዩ ድማ ተወሰኽቲ ስጉምቲታት ከምእትወስድ ኣጠንቂቓ’ላ። ካልኦት ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን’ውን ተመሳሰልቲ ስጉምቲታት ክወስዱ ጸዊዓ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ማዕቐብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ክትገብሮ ናይ ዝጸንሐት ጸቕጢ ኣካል ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ዓቃቢ ሕጊ ፌደራልን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ኢትዮጵያ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ነቶም ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ንምምርማር ይሰርሑ ምህላዎም ድማ መግለጺ እታ ሃገር ኣመልኪቱ።
ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ መጸዋዕታ ዝቐረበሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ’ውን ምጽራይ ይገብር ምህላዉ ብምዝኽኻር ኢትዮጵያ ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጡ።
እቲ ማዕቐብ ንርክብ ክልቲኤን ሃገራት ከምዝጸልዎ ዝሓበረ መግለጺ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፤ ኣሜሪካ በዚ ትቕጽል እንተኾይና ድማ ኢትዮጵያ ንርክብ ክልቲኤን ሃገራት መሊሳ ክትፍትሾ ከምእትግደድ ኣጠንቂቑ።
ትርጉም እቲ ማዕቐብ ስትራቴጂካዊ ለውጢ’ዶ ይኸውን?
ስግኣት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝኾነ: ኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ ንምጥፋእ ኣብ ዝግበር ወፍሪ ኢትዮጵያ ንኣሜሪካ የማነይቲ ኢድ ኮይና ከምዘገልገለታ ይእመን። ሎሚ ግን ብጉዳይ ቅልውላው ትግራይ ርክበን ኣብ ሕቶ ወዲቑ’ሎ።
ዲፕሎማት ኣሜሪካ ነበርን ሓላፊ ድሕነት ኣትላንቲክ ካውንስልን: ካሜሩን ሃድሰን ከምዝብሎ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ምስ ኣሜሪካ መሻርኽቲ ጉዳያት ድሕነት ኮይና ጸኒሓ’ያ።
ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ንፖለቲካዊ ልዝባትን ሽምግልናን ብምምራሕ፤ ወፍሪ ዕቀባ ሰላም ከምኡ’ውን ቅልውላው ኣብ ዘለወን ሃገራት ምርግጋእ ክፍጠር ኣብ ምኽኣል ዝለዓለ እጃም ከምዝነበራ ወሲኹ ይገልጽ።
ኣብዚ እዋን ግን ኢትዮጵያ ንነብሳ ምርግጋእ ዘይብላ ሃገር ከምዝኾነት ዝሕብር ካሜሩን ኣሜሪካ ነዚ ንምቁጽጻር እጃማ ክትፍጽም ከምዘለዋ ይዛረብ።
“እቲ ሕዚ ዝተነበረ ማዕቐብ ከኣ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ዝነበረ ርክብ ሓድሽ መልክዕ ይሕዝ ከምዘሎ መረኣዩ እዩ” ዝብል እቲ ዲፕሎማት ነበር: ኣሜሪካ ስትራቴጂካዊ ለውጢ ከምዝገበረት ዘመልክት ምዃኑ ወሲኹ ኣረዲኡ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዳይሬክተር ትካል መጽናዕቲ ሰላምን ድሕነትን ዶክተር ዮናስ ኣዳዬ ግን ብርእይቶ እቲ ዲፕሎማት ኣይሰማማዕን። ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት መሰረታዊ ዝበሃል ናይ ስነ-ሓሳብ ፍልልይ ስለዘየለ እቲ ማዕቐብ “ጊዚያዊ እዩ” ይብል።
ኢትዮጵያ ብመንጽር ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጥኣ ስትራቴጂካዊት ብምዃና፤ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኮነ ኣብቲ ዞባ ካብ ዘለዋ ሃገራት ንኣሜሪካ ካብኣ ዝሓሸት ፈታዊት ምርካብ ኣጸጋሚ’ዩ ኢሉ ከምዝኣምን ይዛረብ ዶክተር ዮናስ።
ነዚ ብኣብነት ከረድእ ከሎ፡ ሶማሊያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣልሻባብ ምውዳቓ፣ ሶማሊላንድን ፑንትላንድን ሃገር ናይ ምዃን ኣፍልጦ ዘይምርካበን፤ ኣብ ሞንጎ ኬንያን ሶማሊያን ዘሎ ዝሓርፈፈ ርክብ፤ ኣብ ሱዳን ዘሎ ናይ ስግግር መንግስቲ ኣብ ቅልውላው ብምህላዉ፤ ኢትዮጵያ ሕዚ’ውን ንኣሜሪካ እታ ተመራጺት መሻርኽታ ከምዝኾነት ይገልጽ።
ኣሜሪካ ኣብ ቁጠባዊ ሓገዝ ማዕቐብ ክተንብር ምውሳና ነቲ ‘ግብረ ሽበራ ብሓባር ክንቃለስ ኢና’ ዝብል ውጥናታ ዝጸልዎ’ዶ ኣይኸውንን? ዝብል ሕቶ ዘልዕሉ ብዙሓት ኣካላት ኣለዉ።
ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወሃቢ ቓሉ ዲና ሙፍቲ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ’ውን ስጉምቲ ኣሜሪካ ነቲ ዞባ ናብ ጸገም ዘእትው ከምኡ’ውን ኢትዮጵያ ኣንጻር ኣልሻባብን ዕቀባ ሰላምን ንዘለዋ ዝለዓለ እጃም ዝጸልዎ ምዃኑ ኣምልኪቱ’ዩ።
ሙሁር ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ዮናስ ብወገኑ “ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮነ ኣፍሪቃ ኣንጻር ሽበራ ኣብ ምቅላስ ንኣሜሪካ የማነይቲ ኢዳ ነይራ ሕዚ’ውን እያ” ይብል።
ርእይቶ ካሜሩን ሃድሰን ግን ካብ መግለጺ ሚንስትር ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያን እቲ ሙሁርን ዝተፈለየ እዩ። “እታ ሃገር ኣብ ውሽጣዊ ቅልውላው ስለዘላ ከምቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝነበራ እጃም ኣብዚ እዋን ክትፍጽም ኣይትኽእልን” ይብል።
“ብተወሳኺ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝባ ንእተካይዶ ኲናት ካብ ከም ሩስያ፣ ቻይናን ሃገራት ወሽመጥን ዝበላ ሓገዝ ንምርካብ እናፈተነት’ያ። እዚ ብኸምዚ ዝቕጽል እንተኾይኑ ከምዚኦም ዝበሉ ናይ ድሕነት ርክባት ኣብቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ድልየት ምዕራባውያን ብዝለዓለ ኩነታት ስትራቴጂያዊ ለውጢ ዘኸትል’ዩ” ክብል ወሲኹ የረድእ።
ኣሜሪካ ቅድሚ ሎሚ ምስ ጸረ-ሽበራ ብዝተሓሓዝ ንኢትዮጵያ ስልጠናታት ብምሃብን መረዳእታታት ድሕነት ብምልውዋጥን ሓቢራታ ትሰርሕ ምንባራ ዘዘኻኽር ኣባል ሲኣይኤ ዝነበረ ሓላፊ ድሕነት ኣትላንቲክ ካውንስል ካሜሩን ሃድሰን ዝለዓለ ኣጽዋር’ውን ትህባ ምንባራ ይገልጽ።
ኣሜሪካ ካብ ዘውጽኣቶ እገዳ መገሻ ብተወሳኺ ንፖሊሲ ቁጽጽር ንግዲ ምክልኻል ['ዲፈንስ ትሬድ ኮንትሮል ፖሊሲ'] ግብራዊ ከምእትገብር’ውን ኣፍሊጣ’ያ። እዚ ፖሊስ እንታይ ዘጠቓልል’ዩ? ዝብል ሕቶ ነቲ ዲፕሎማት ነበር ኣቕሪብናሉ።
እቲ ፖሊሲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጥፍኣት ንዝፍጸመሎም ቴክኖሎጂታት ምስ ዝግበር ቁጽጽር ዝተሓሓዝ ምዃኑ ድማ ሓቢሩ።
“ሰፊሕ ትሕዝቶ ዘለዎ እዚ ፖሊሲ ንቴክኖሎጂ ኮምፒተር ሓዊሱ፤ ሶፍትዌራት፣ ክትትልን ቁጽጽርን ዝግበረሎም ናውትን ኣዝዮም ዘመናውያን ወተሃደራዊ ቴክኖሎጂታትን ዘጠቓልል” ክብል ኣረዲኡ።
ብተወሳኺ ድማ ቅድሚ ሕዚ ብልገሳ ዝተወሃቡ ስርሓት ኣሜሪካ ዝኾኑ ወተሃደራዊ ናውቲ ምጽጋን ኣብ ዘድልየሉ እዋን ብሰንኪ እቲ ተነበሩ ዘሎ ማዕቐብ ነዚ ምግባር ኣይከኣልን።
ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት?
ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ልዕሊ 100 ዓመታት ዘቑጸረ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ዘለወን ሃገራት’የን። ኣብ ምስረታ ሊግ ኦፍ ኔሽንስ ኮነ ሕቡራት ሃገራት’ውን ዝለዓለ ብጽሒት ከምዝፈጸማ ዝሕብር ዶክተር ዮናስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኢንዳስትሪታትን ትካላትን ምስ ኣሜሪካ ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ይዛረብ።
ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ጽቡቕ ናብ ዘይኮነ ደረጃ ኣትዩ ምንባሩ ይዝረብ። ብድሕሪኡ ኢህወዴግ ናብ ስልጣን ምስመጽአ ግን እቲ ርክብ ድልዱል ናብ ዝበሃል ደረጃ በጺሑ።
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ከምዚ ናይ ሎሚ ዝበለ ስጉምቲ ወሲዳ ከምዘይትፈልጥ ዝገልጽ ካሜሩን ሃድሰን ኣብ እዋን ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ግን ኣሜሪካ ብዘበገሰቶ ሓሳብ ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ማዕቐብ ኣጽዋር ተነቢሩ ነይሩ።
ኣሜሪካ ብዝኾነ ይኹም ኩነታት ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ምሕዝነት ኣየቋረጸትን ዝብል ዶክተር ዮናስ ብወገኑ “እዚ ናይ ሕዚ ማዕቐብ ከደንግጸና የብሉን” ይብል። ነዚ ብኣብነት ከደግፍ ከሎ ድማ ኢህወዴግ ኣብ መረጻ 2002 ኣ.ኢ 100 ሚኢታዊት ተዓዊተ ክብል ከሎ ባራክ ኦባማ “ዴሞክራሲያዊ መረጻ እዩ” ኢሉ ንዝተቐበለሉ ኣጋጣሚ ይዝክር።
“እቲ ኩነታት ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዘሕዘነ ነይሩ” ዝብል እቲ ሙሁር፡ ኢትዮጵያ መዲና ፖለቲካ ኣፍሪቃ ከምዝኾነት ይገልጽ። ስለዚ “ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝድንገጉ ማዕቐባት ንኢትዮጵያ ኮነ ንኣሜሪካ ዝጎድእ እዩ” ኢሉ።
ዲፕሎማት ካሜሩን ብወገኑ እቲ ማዕቐብ ኢትዮጵያ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ዝነበራ ርክብ ለውጢ ከምዘምጽእ ብምሕባር ኣሜሪካ ኣብቲ ዞባ ንዘለዋ ስትራቴጂካዊ ድልየት እውን ከምዝጸልዎ ተዛሪቡ።
ብፍላይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ሰላም እንተዘይሃልይዋን ምሕዝነት እንተዘይሃልይዋን ኣሜሪካ ኣብ ዙርያ ቀይሕ ባሕሪ ድሕነት ምሕላው፣ ምርግጋእ ንምምጻእ ኮነ ጽዕንቶ ንምፍጣር ክትፍተን’ያ ይብል።
ስግኣት ኣሜሪካ እንታይ እዩ?
ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፤ ኣብ ትግራይ ካብ ዘሎ ዝለዓለ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ጥቅዓትን ጸገም ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛትን ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ከምኡ’ውን ኣብታ ሃገር ዘንጸላለዉ ሕቶታት ሉእላውነት፣ ብሄራዊ ሓድነትን ግዝኣትን ብዝለዓለ ደረጃ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ’ሎ።
ወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ ካልኦት ዕጡቓት ረድኤት ንኸይበጽሕ ምዕጋቶም፣ ኣብቲ ክልል ዝፍጸሙ ቕትለታት፣ ምፍንቓል ሰላማውያን ሰባት፣ ጾታዊ ግህሰታት፣ ዕንወት ሆስፒታላትን ትካላት ሕክምናን ከምዘሻቐላ’ያ ኣሜሪካ ትሕብር።
ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝቐጸሉ እተመልክት እታ ሃገር “ብተደጋጋሚ ሕቶ እንተቕረብኩ’ውን ፖለቲካውን ሰላማውን ፍታሕ ምምጻእ ኣይተኽኣለን” ትብል። በዚ ምኽንያት ከኣ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ትኽክለኛ ምዃኑ ትሕብር።
እዚ ስጉምቲ ንክልቲኤን ሃገራት ከምዝጎድእ ዝገልጽ ዶክተር ዮናስ፡ ብዝተጋገየን ኣዕርዩ ብዘይተጸንዐን መረዳእታ ተመስሪቱ ከምዝተወሰነ ይዛረብ።
ኣብ 2010 ኣሜሪካ ንኢራቕ ዝወረረትሉ ኣጋጣሚ ከምኣብነት ዘልዕል እቲ ሙሁር፤ ሽዑ ኣሜሪካ ‘ኢራቕ ጃምላዊ ህልቂት ከኸትል ዝኽእል መሳርሒ ኣለዋ’ ብዝብል ነታ ሃገር ከምዝወረረታ የዘኻኽር። ኢራቕ እቲ ዝተበሃለ ኣጽዋር ከምዘይብላ ዝተፈለጠ ግን እታ ሃገር ምስ ዓነወት ከምዝኾነ የረድእ።
“ብስምዒት ዝግበሩ ነገራት ፍጻሜኦም ዘሕዝን’ዩ። ኣብዚ እዋን ንኢትዮጵያ ብሓይሊ ከምበርክኻ እየ ኢልካ ምሕሳብ ትጽቢት ዝግበሮ ኣይኮነን። ርክብ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ብምዃኑ ድማ ነዚ ውሳነ ዳግም ከምዝርእይዎ እሓስብ” ይብል።
ኣሜሪካ ናብዚ ውሳነ ማዕቐብ ዝበጽሐት ምስ ጉዳይ ትግራይ ብዝተሓሓዝ ጥራሕ ዘይኮነስ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ እውን ካልእ ምኽንያት’ዩ ዝብሉ ኣለዉ።
ዲፕሎማት ኣሜሪካ ነበርን ሓላፊ ድሕነት ኣትላንቲክ ካውንስልን ካሜሩን ግን “ቀንዲ ሻቕሎት ኣሜሪካ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ከምኡ’ውን ውሽጣዊ ዘይምርግጋእ ነታ ሃገር ከይበታትና ዝብል ስክፍታ’ዩ” ይብል።
ዶክተር ዮናስ ኣብ ጉዳይ ሃገራት እሞ ብሓይሊ ኣቲኻ ነገራት ንምፍታሕ ምፍታን “እዋኑ ዝሓለፎ ፖለቲካ” ከምዝኾነ ብምግላጽ “ኣብዚ መበል 21 ክፍለዘመን ጸገማት ተሓባቢርካ ዝፍትሑሉ እምበር ሓደ ነቲ ካልእ ብምፍርራሕ ምፍታሕ ኣይከኣልን” ይብል።
ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ “ናጽነትን ሉእላውነትን ኢትዮጵያ ብገንዘብ ዘይትካእ ቀይሕ መስመር’ዩ” ክብል ንማዕቐብ ኣሜሪካ ዘለዎ ተቓውሞ ምግላጹ ይዝከር።
ብፍላይ ኣብቲ ጎንጺ ተሳተፍቲ ምስ ዝኾኑ ሓይልታት ክደራደሩ ዝቐረበ ጻውዒት ኣሜሪካ ብወገን መንግስቲ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ’ሎ። “ሽብርተኛ ተባሂሉ ምስዝተሰየመ ህወሓት ምድርዳር ከምዘይከኣል ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ” ይብል እቲ መግለጺ።