እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓቓቢ ሕጊ ፈዴራል ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ኣብ ኣክሱም ዝተፈጸመ ቅትለት እንታይ ኢሉ?
ዓቃቢ ሕጊ ፈዴራል ኣብ ከተማ ኣክሱም ን95 ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምውካስ ረኺበዮ ብዝበሎ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣክሱም ተፈጺሙ ዝተብሃለ ቅትለት ጸብጻብ ኣውጺኡ።
ኣብ ከተማ ኣክሱም ጥራይ 1500 መንእሰያት ካብ 10 ክሳብ 18 ሕዳር 2020 ከመይ ጌርካ ብረት ከምእትትኩስ ናይ ሓደ መዓልቲ ወተሃደራዊ ተዕሊም ወሲዶም ተዳልዮም ነይሮም ኢሉ።
ብመሰረት እቶም መሰኻኽር ዓይኒ፡ "ኣብቲ ዕለት 93 ሰባት ተቐቲሎም፤ እቶም ዝተቐተሉ ዋላ'ኳ ወተሃደራዊ ክዳን ዘይለበሱ ይንበሩ፡ ኣብዝሓ [ኣንጻር ሰራዊት ኤርትራን ሰራዊት ፈድራልን] ዝዋግኡ ምንባሮም ግን ክረጋገጽ ክኢሉ እዩ" ይብል፡ እቲ ዓቃቢ ሕጊ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ወርሒ ለካቲት አብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ግን፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ዝተሳተፉ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ሕዳር ኣብ ጥንታዊት ከተማ ኣክሱም ብምእታው ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ከም ዝሓበርዎ ገሊጹ ነይሩ።
ኤርትራ ነቲ ጸብጻብ ብትሪ ክትነጽጎ እንከላ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ዝተፈጸመ ግህሰት እንተ ሃልዩ ውሽጣዊ መርመራ ከካይድ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ሕብረት ኣውሮጳ'ውን ነቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈጸሙ ኩሎም ገበናት ብምኹናን "ፈጸምቲ ብቕልጡፍ ናብ ሕጊ ክቐርቡ'' ጠሊቡ ነይሩ።
ዓቓቢ ሕጊ ፈዴራል ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጾታዊ ዓመጻት'ውን "ካብ ፖሊስ እቲ ክልል ዝተረኸበ ሓበሬታ 116 ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ኣጋጢሙና ኢለን ሓበሬታ ከም ዝሃባን" ኣብቲ ገበን ተሳቲፎም'ዮም ተባሂሎም ዘተጠርጠሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ፈዴራልን ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉን ገሊጹ።
እቶም ሰራዊት ነቲ ተጠርጢሮምሉ ዘለዉ ገበን ኣብ እዋን ኵናት ስለ ዝፈጸምዎ ጉዳዮም ብወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ይረአ ምህላዉ ምክትል ላዕለዋይ ዓቓቢ ሕጊ ፍቃዱ ጸጋ ጠቒሱ።
ብዛዕባ እቲ ሰራዊት ኤርትራ ፈጺምዎ ዝተብሃለ ቅትለት'ከ?
ዓቓቢ ሕጊ ፌደራል ነቲ ረኺበዮ ዝብሎ መርትዖታት ምርኩስ ብምግባር "ህወሓት ኣብ ዝበዝሓ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ከተማታት ልዕሊ 2500 ሓጺር ታዕሊም ዝወሰዱ ሲቪል ኣዋፊሩ" ክብል ከሲሱ።
ኣብ ኣኽሱም ጥራይ ድማ "1500 መንእሰያት ካብ 10 ክሳብ 18 ሕዳር 2020 ከመይ ጌርካ ብረት ከምእትትኩስ ናይ ሓደ መዓልቲ ወተሃደራዊ ተዓሊም ወሲዶም" ተዳልዮም ምንባሮም ሓቢሩ።
27 ሕዳር ሰራዊት ፈደራል ናብ ካልእ ዕማም ንምኻድ ካብ ከተማ ኣክሱም ምስ ወጽአ ብኽልተ መኪና ዝመጽኡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ከባቢ ኣኽሱም ዝርከብ ጎቦታት ዓሪዶም ይብል እቲ ጸብጻብ።
ኣብ ተመሳሳሊ ድማ ካድረታት ህወሓት ሰራዊት ኤርትራ ናብ ከተማ ኣክሱም ኣትዩ ብምባል ነቶም ኣቀዲሞም ዓሊመሞም ዝነበሩ 1500 መንእሰያት ንሰራዊት ኤርትራ ክሕዝዎም ከም ዘዋፈሩዎም እቲ ዓቓቢ ሕጊ ረኺበዩ ኣብ ዝበሎ መርትዖ ገሊጹ።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ፍሉይ ሓይሊ ህወሓትን ምልሻን ካብ ዓዴት ናብ ኣኽሱም ኣትዮም ይብል።
"ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ጎቦታት ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ ኵናት ብምኽፋት ካብ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ንግሆ ክሳብ ሰዓት 2 ድሕሪ ቐትሪ ከቢድ ኵናት ተኻይዱ። ሰራዊት ፌድራል ምስ መጽአ ግን ሰራዊት ህወሓት ናብ ከተማ ኣኽሱም ኣንሳሒቡ" ይብል እቲ ጸበጻብ።
እንተኾነ፡ ኣምነስቲ ኢንተርንሽናል፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብታ ከተማ ብምእታው ልዕሊ 200 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐትሉን 'ኣብ ልዕሊ ሰብኣውን ዝተፈጸመ ገበን' ክኸውን ከምዝኽእል ጸብጺቡ ነይሩ።
ወተሃደራት ኤርትራ፡ ኣብ ምዕናውን ምቕታልን ሰላማውያን ሰባት፡ ሰብኡትን ኣወዳትን ዝርከብዎም ኣብ ጎደናትታት ክሳብ ምሸት ከም ዝተቐንጸሉ'ውን ሓቢሩ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች ወሲኹ፡ ብ19 ሕዳር ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብኣልማማ ደብዳብ ብምፍጻሞም ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሞቱን ከም ዝተጎድኡን ገሊጹ ነይሩ።
መንግስታዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ'ውን እቲ ጅምላዊ ቅትለት ከምዝተፈጸመ ዘረጋግጽ ጸብጻብ ሒዙ ምውጽኡ ዝዝከር እዩ።
ብዛዕባ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጾታዊ ዓመጽከ?
ዓቓቢ ሕጊ ፈዴራል ብዛዕባ ተፈጺሙ ዝተባህለ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ኣመልኪቱ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ገበን ተሳቲፎም'ዮም ተባሂሎም ዘተጠርጠሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ፈዴራልን ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ገሊጹ።
ምክትል ላዕለዋይ ዓቓቢ ሕጊ ፍቃዱ ጸጋ ንጾታ መሰረት ገይሩ ዝፍጸም ገበናት ናይ ምምርማር ሓላፍነት ዘለዎ ክልል ከም ዝኾነ ብምጥቃስ፡ ነቲ ገበን ዝምርምርዎ ዘለዎ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ ምዃኖም ሓቢሩ።
ካብ ፖሊስ እቲ ክልል ዝተረኸበ ሓበሬታ 116 ደቂ ኣንስትየ ጾታዊ ዓመጽ በጺሑና ኢለን ሓበሬታ ከም ዝሃባ ብምግላጽ ምስዚ ጾታዊ ዓመጽ ብዝተሓሓዝ ዝተጠርጠሩ ኣባላት ፖሊስን ፌዴራልን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎም ሓቢሩ።
እቶም ሰራዊት ነቲ ተጠርጢሮምሉ ዘለዉ ገበን ኣብ እዋን ኵናት ስለ ዝፈጸምዎ ጉዳዮም ብወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ይርአ ምህላዉ ኣቶ ፍቓዱ ጠቂሱ።
ዓቓቢ ሕጊ ፈዴራል "ኣብ እዋን እቲ ኵናት ኣሽሓት እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ብምውጻእ ናይ ኤርትራን ሰራዊት ፌደራልን ዝመስል ወተሃደራዊ ክዳን ስለ ዝተዓደሎም እቲ ጾታዊ ዓመጽ ብንጹር ብመን'ዩ ተፈጺሙ ንምፍላጥ ነቲ መርመራ ዘካየደ ጉጅለ ኣዝዩ ከቢድ ነይሩ" ብምባል ነቶም ፈጸምቲ ገበን ናብ ሕጊ ንምቅራቦም ዝተጀመረ መስርሕ ከም ዝቅጽል ሓቢሩ።
እቲ ናይ መርመራ ጉጅለ ካብ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ፈጸምቲ ስነ ስርዓት ቀብርን ሆስፒታላትን ተወሳኺ መርትዖታት ይእክብ ምህላዉ'ውን ሓቢሩ።
እቲ ኩናት ብኸመይ ተጀሚሩ?
ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።
ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ሒዙዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።
ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለዘይተቐበሎ ከምዝወጽእ ኣነጺሩ። ኣብ ክፍላ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ።
ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።
ብኡ መሰረት ስልጣኖም ዝተናወሐ፡ ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከምዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።
ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ብምቛም፡ ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ መንግስትን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ግን እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ፡ "ዘይሕጋዊን ትርጉም ኣልቦን" ምዃኑ ብምግላጽ ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ ኣፍሊጦም።
ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።
'ክራይስስ ግሩፕ' ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ እቲ ምትፍናን ናብ ጎነጽ ከየምረሐ እንከሎ ብልዝብ ክፍታሕ ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ብውገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ።
ብ3 ሕዳር 2020 ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ግን "ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት" ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ።
ህወሓት ድማ፡ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተቖጻጸሩዎ፡ ሓይልታት ፌደራል ናብ ትግራይ ከይኣትዉ 'ቀዲሞም ንምክልኻል' ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።