ዛምቢያ፡ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ንዝተፈረዶም ናይ ክልተ ሰሙን ዕረፍቲ ክረክቡ'ዮም

ካቴና

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ዛምቢያ ዕድመ ልክዖም ንክእሰሩ ዝተፈረደሎም እሱራት ጽቡቕ ስነ ምግባር እንተድኣ ኣርእዮም ስድርኦም ንኽርእዩ ናይ ክልተ ሰሙን ዕረፍቲ ክረኽቡ እዮም።

ፕረዚደንት ዛምቢያ ኤድጋር ሉንጉ ዝፈረሞ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ሓደጋ ኣይፈጥሩን ተባሂሎም ዝተኣመነሎም እሱራት ፍቓድ ክወሃቦም ምዃኖም ይሕብር።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም ብናይ ቅድሚ ሕጂ ገበኖም ዝተጣዕሱ ምዃኖምን ካብ ገበን ዝርሓቑን እሱራት በቲ ሓድሽ ሕጊ ተጠቀምቲ ከም ዝኾኑ ኮምሽነር ጀነራል ዛምቢያ ቺሴላ ቼሌሼ ገሊጹ።

እቶም ፍርዲ ተዋሂብዎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ እሱራት ነዞም ዕድላት ክጥቀሙ ዝኽእሉ ኣገልግሎት ቤት ህንጸት ዛምቢያ ኣቐዲሙ ንፕሬዝደንት እታ ሃገር ሉንጉ ብጽሑፍ እንተፍሊጥዎም ጥራይ ከም ዝኾነ ተሓቢሩ።

“ገበን እንተድኣፈጺሞም ግን ፍቓዶም ክስረዝ’ዩ” ዝበለ እቲ ኮምሽነር ጀነራል “እቲ ኮምሽን እሱራት ውልቃዊ ይኹን ቤተሰባዊ ጉዳያት እንትህልዎም ፍቓድ ናይ ምሃብ መሰል ዘለዎ ኮይኑ ንውሒ ግዜ ግን ብቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ጀነራል ዝውሰንን ዝውሃብን’ዩ” ክብል ገሊጹ።

ገለ ዜጋታት ዛምቢያ ኣብ ትዊተር ነቲ ሓድሽ ሕጊ “ናይ ታሕጓስ መዓልቲ” ዝብል ስያመ ክህብዎ ተራእዮም።