ቑጠባ፡ ስለምንታይ ቐጻሊ ምዕራፍ ካፒታሊዝም ይመጽእ ኣሎ?

'ዘ ዌልዝ ኦፍ ኔሽንስ'፡ ቅድሚ 250 ዓመታት ብክኢላ ስነ ቑጠባን ፈላስፋን ኣዳም ስሚዝ ዝተጽሓፈ መጽሓፍ'ዩ።

ኣብዚ መጽሓፍ፡ ልደት ሓድሽ ዓይነት ምንቅስቓስ ወዲ ሰብ ዝኾነ ኢንዳስትሪያላዊ ካፒታሊዝም [ርእሰ ማልነት] ብሰፊሑ ይትንተን።

ካፒታሊዝም፡ ነቲ ኢንዳስትሪያላዊ፣ ቴክኖሎጂካውን ሓምለዋይን ወያነታት ኣዐሽዩን መልክዕ ዓለም ቐይሩን መንግስቲ ማሕበራዊ ጠለባት ኣብ ምምላእ ዝህልዎ ግደ ክልወጥ ገይሩ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ክፍለ ዘመናት ብዙሓት ሰባት ካብ ድኽነት ብምውጻእ ደረጃ መነባብሮ ኣመሓይሹን ኣብ ጥዕና ወዲ ሰብ መሰረታዊ ለውጢ ዘምጽኡ ምህዞታት ክመጽኡን'ውን ኣኽኢሉ።

ብተወሳኺ ናብ ወርሒ ምኻድ ኮነ እዚ ጽሑፍ ንርእሱ ኣብ ኢንተርነት ምንባብ ክከኣል ዝገበረ ካፒታሊዝም'ዩ።

ይኹን'ምበር፡ እዚ ንኹሉ ማዕረ ኣይኾነን። ኣብ ቀረባ ዓመታት ካፒታሊዝም ዝወለዶ ሕመቕ ዓለም ሓፍ ከፍ ክትብል ገይሩ።

ርእሰ ማልነት፡ ውልቀሰባት ኣብ ሓጺር ግዜ ከስቢ ክረኽቡ ቐዳምነትብምምሃብ፡ ሓሓሊፉ ኣብ ነዊሕ እዋን ዝመጽእ ማሕበረሰባዊ ዕረያን ስነ ከባብን ክዝንጋዕ ምኽንያት ኮይኑ'ዩ።

እዚ ንምርዳእ ብቀሊሉ ለበዳ ኮሮና ቫይረስን ክሌማዊ ለውጥን ካብቶም ዓለም ክትጻወሮም ካብ ዘይተኽኣለ ጸገማት ምጥቃስ ይከኣል።

ብኻልእ ወገን ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ዓለም ዝርኣይ ፖለቲካዊ ርግኣት ምስኣንን ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዘሎ ቑጠባዊ ኣፈላላይን ካልእ መርኣያ ኣሉታውነት እዚ ስርዓት እዮም።

ብ2020 ኣብ ዝተኻየደ ዳህሳስ ርኢይቶኦም ዝሃቡ 57 ሚኢታዊት ህዝቢ ዓለም "ሕጂ'ውን ካፒታሊዝም ምህላው ኣብ ዓለም ካብ ጽቡቕ ዚያዳ ጉድኣት እዩ ዘለዎ" ዝብል ርኢይቶ ኣለዎም።

ዘይምዓርነትን ከባቢያዊ ጉድኣትን "ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣፈጻጽማ ምዕራባዊ ካፒታሊዝም ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ ዘርኢ እዩ" ክብል ክኢላታት ስነ ቁጠባ ሚካኤል ጃኮብን ማሪያና ማዙካቶን 'ሪቲንኪንግ ካፒታሊዝም' ኣብ ዝሰመዩዎ መጽሓፍ ኣስፊሮም።

እንተኾነ፡ መፍትሒ የብሉን ማለት ኣይኮነን። "ብዘይጠቅም ኩነታት ኣይሳኻዕን ኢልካ ምሕሳብ ኣይክኣልን፤ ዳግም ግን ምርኣይ/ ዕረያ የድልዮ እዩ" ኢሎም ይካትዑ።

ስለዚ ርእሰ ማልነት ሕጂ'ውን ቐጻሊ ክሰርሕ'ዩ ማለት ድዩ?

ርእሰ ማልነት [ካፒታሊዝም] ኣብ ዓለም ኣሽሓት መጽሓፍቲ ዝተጽሓፈሉ፣ ብዙሓት ቃላት ዝተቓነዮ ስለ ዝኾነ ብቐሊሉ ኩሎም ገጻቱ ምፍላጥ ኣይክኣልን።

ኣበይ'ዩ ጀሚሩ ዝብል ብምጽናዕ ናበይ ክኸይድ ከም ዝኽእል ምፍላጥ ግን ይከኣል።

እዚ፡ ካፒታሊዝም ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ክንድ'ቲ ሎሚ ዝሰርሐሉ ዘሎ ሰሪሑ ኣይፈልጥን ዝብል የርእየና።

ካብ 9ይ ክፍለ ዘመን ክሳብ 15 ክፍለ ዘመን ምልካዊ ንግስነትን ቀሻዊ ምምሕዳራትን ነቲ ምዕራባዊ ማሕበረሰብ ተቖጻጺሮምዎ ነይሮም።

ሰባት መሰል ውልቃዊ ናጽነቶም እናረጋገጹ ምስ ከዱ ግን እዞም ስርዓታት ክወድቁ ጀሚሮም።

እዚ፡ እቲ ትኹረት ብደረጃ ውልቀሰብ ዝሓስብ ካፒታሊዝም ክዕምብብ ዝገብር ቁጠባዊ ስርዓት ክጭብጭብ ገይሩ።

ዓጻጻፊ ባህሪ እቲ ስርዓት ከኣ መሰል ናይ ብሕቲ ንብረት፣ ውልቃዊ ምርጫ፣ ምህዞ ስራሕን ፈጠራን ክዓቢ ኣኽኢሉ'ዩ።

ብተወሳኺ ዴሞክራሲ ክሰርጽ ክጉስጉስ እንከሎ፡ ትኹረቱ ውልቃዊ ፖለቲካዊ ናጽነት ዝኾነ ምምሕዳራዊ ስርዓት ክኸውን ገይሩ።

እቲ ናብ ውልቃዊ ናጽነት ዝተገብረ ስግግር ነቲ ማሕበራዊ ውዕል ቀይሩዎ።

ቅድም ኢሉ ብርክት ዝበለ ሃፍቲ በቶም ኣብ ስልጣን ዝነበሩ እዩ ዝቐርብ ነይሩ፤ ከም መሬት፣ መግብን ድሕነትን ዜጋታት ብዝህልዎም ወሳኒ ኣበርክቶ ተገሚቱ [ንኣብነት ካብ ባርያ ሰራሕተኛ ክሳብ ጠንካራ ሰራሕተኛ ውሑድ ክፍሊት፣ ልዑል ግብርን ዘየማትእ ተኣማንነትን] ዳርጋ ብላውጣ ካብ መንግስቲ ይቐርቡ።

ካፒታሊዝም ምስ መጽአ ሰባት ካብ መንግስቲ ውሑድ'ዮም ዝጽበዩ፤ ብቐንዱ ናጽነት [ውልቃዊ፣ ፖለቲካውን ቑጠባውን ናጽነት] እዮም ካብ ሰብ መዚ ዝጠልቡ።

ኣብ ካልኣይ መፋርቕ መበል 20 ክፍለ ዘመን ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ሞንት ፕለሪን ዝተባህለ ኣማኻሪ ጉጅለ ፖሊሲ ቑጠባ፡ ኣብ ምዕራብ ሃገራት ዘጋጥም ዘሎ ማሕለኻታት ንምፍታሕ ተጣይሱ።

ቀንዲ ትኹረት እዚ ጉጅለ ናይ ሓደ ማሕበረሰብ ፖለቲካዊ ክብርታቱ ምዕቃብ፣ ሕግን ስርዓትን ምኽባር፣ ሓሳብ ናይ ምግላጽ ናጽነትን ፖሊሲታት ናጻ ዕዳጋን ነይሩ።

እዚ፡ ትሑት ቐረጽን ውሑድ ቁጽጽር ናጻ ዕዳጋን ዝሓሸ ቑጠባዊ ዕብየት ከምጽእ ይኽእል'ዩ፤ እዚ ድማ ኩሉ ዝሓሸ ህይወት ክህልዎ ይገብር ዝብል ኣተሓሳስባ ዝሰነቐ 'supply-side economics' ክምዕብል ገይሩ።

ኣብ 1980ታት ምስ ዝተቐልቀለ ፖለቲካዊ ኒዮሊራሊዝም ተኣሳሲሩ፡ እዚ ኣመሪካን መብዛኣሕትኦም መንግስታት ኤውሮጳን ቐዳምነት ዝሃቡዎ ጽንሰ ሓሳብ ኮይኑ።

እዚ ሓድሽ ዓይነት ካፒታሊዝም ኣብ ዓለም ቁጠባዊ ዕብየት ክመጽእ ክገብር እንከሎ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ካብ ሕሱም ድኽነት ክወጽኡ'ውን ሓጊዙ።

ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ቐረጽ ምውሓድን ንግዲ ዘይምቁጽጻርን ኣብ ከም ህዝባዊ ትሕተ ቕርጺ፣ ምምሕያሽ ትምህርቲ፣ ምቅላስ ሓደጋታት ጥዕና ውሑድ ፖለቲካዊ ተወፋይነት ክህሉ ገይሩ ክብሉ ተንተንቲ ይነቕፉዎ።

ድሓር ኣብ መወዳእታ 20 ክፍለ ዘመን ኣብ ብዙሓት ዝማዕላ ሃገራት ካፖታሊዝም ኣብ ሞንጎ ሃፍታምን ድኻን ሰፊሕ ኣፈላላይ ክህሉ ኣብ ምግባር ዓብዪ ተራ ነይሩዎ።

ኣብ ገለ ሃገራት ከኣ እቲ ኣፈላላይ ይሰፍሕ። ኣብ ኣመሪካ ድኻታት ካብ 1980 ጀሚሩ ትኽክኛ/ ርኡይ ቑጠባዊ ለውጢ ኣየምጽኡን።

እቶም ኣዝዮም ሃፋትም ዝኾኑ ከኣ ዓመታዊ 6 ሚኢታዊት ቑጠባዊ ዕብየት የርእዩ። እዞም ኣብ ዓለም ዘለው ኣዝዮም ሃፋትም ሰባት ዳርጋ ኩሎም ኣብ ኣመሪካ'ዮም ዘለው።

ካፒታሊዝም ኣብ ዓለም ብዙሓት ካብ ጽፍሒ ድኽነት ክወጽኡ እኳ እንተሓገዘ፡ ሰፊሕ ቑጠባዊ ኣፈላላይ ግን ማሕበረሰብ ይብርዝ'ዩ ክትብል ኣብ ካሊፎርኒያ ዩኒቨርሲቲ ፉልረቶን ፕሮፌሰር ስነ ቑጠባ ዴኒስ ስታንሊ ትካታዕ።

"ሕሱም ድኽነት ዝብሃል ሰባት መዓልቲ ኣታዊኦም ኣርባዕተ ዶላር ጥራሕ እንተኾይኑ'ዩ። እዚ ድርኺት ዓቐን እኳ እንተኾነ ተነጻጻሪ ድኽነት'ውን ግን ኣብ ነዊሕ እዋን ኣብ ውሽጢ ሕብረሰተብ ዘይምዕሩይ ሚዛን ይፈጥር። ዋላ'ውን እቲ ቑጠባ እንተዓበየ/ ዕብየት እንተርኣየ ናይ እቶት ኣፈላላይ ምህላዩን ኣታዊኻ ለውጢ እንተዘይኣርእዩን ሰባት ውሕስና ክስእኑ ምኽንያት'ዩ ዝኸውን" ትብል።

ወሲኻ፡ ክኢላታት ባህሪያዊ ስነ ቑጠባ [Behavioural economists] "ደረጃና ምስ ካልኦት ሰባት'ዩ ዝወዳደር፣ ሓጎስና ካብ ተዛማዲ ዓቐናት ዝምንጪ እንተኾይኑ ክፍፍል ሃፍቲ ብፍጹም ዓቐን'ዩ ዝውሰን ይብሉ። ከምኡ እንተኾይኑ ካፒታሊዝም ብሓቂ ጸገም ኣለዎ" ኢላ።

እቲ ዘይምዕሩይነት እናዓበየ ምስ ዝኸይድ "ሰባት ኣብ ትካላት ዝህልዎም እምነት ይንክን ፍትሒ ተዛቢዑ ዝብል ስምዒት ይሓድሮምን" ይብል ኤደልማን ዝተባህለ ኩባኒያ ዘካየዶ መጽናዕቲ።

ኣብ ልዕቲ ሰባት ከሕድሮ ዝኽእል ጽልዋ ከኣ ካብዚ ዝኸፍአ ክኸውን ከም ዝኽእል ይሕብር።

ካፒታሊዝም፡ ሐዚ ብዘለዎ ቕርጺ ህይወት ብዙሓት ብትሑት እቶት ዝመሓደሩ ሰባት የጥፍእ'ዩ ዘሎ ክብሉ ክኢላታት ስነ ቑጠባ ኣኔ ኬዝን ኣንገስ ዲያቶን 'Deaths of Despair and the Future of Capitalism' ኣብ ዝሰመዩዎ መጽሓፎም ኣስፊሮም።

ኣብ ዝሓለፉ "ክልተ ዓሰርታት ዓመታት፡ ብዓርሰ ቕትለት፣ ልዕሊ ዓቐን መድሃኒት ብምውሳድን ብኣልኮላዊ መስተ ዝስዕብ ሞት ብዝተዓጻጸፈ ቑጽሪ ወሲኹ'ዩ፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ ዓመታዊ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ይምንዝዕ ኣሎ" ክብሉ ጽሒፎም።

እቲ ኣብ 2007 ክሳብ 2008 ኣጋጢሙ ዝነበረ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ነዞም ጸገማት ኣጋዲዱዎም'ዩ።

እቲ ቅልውላው ግቡእ ቑጽጽር ካብ ዘይምግባር ዝነቐለ ኮይኑ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ንዝነበሩ ሸቃሎ ከቢድ ሃሰያ ኣውሪዱሎም።

ዓበይቲ ባንክታት ንዝኸሰሩ ትካላት ንምሕጋዝ ዝህብኦ ዝነበራ ገንዘብ መረረት እንከስዕብ "ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ዝርኣናዮ ጸግዒ ዝሓዘ ፖለቲካ ክጥጥዕ" ገይሩ ይብል ፈላማይ ዳይሬክተር ቢሮ ፋይናንሳዊ ድሕነት ተጠቀምቲ ኣመሪካ (CFPB) ሪቻርድ ኮርድራይ።

ዜጋታት ሊበራል ዴሞክራሲ ዝኽተላ ሃገራት ኣብዚ ሕጂ እዋን ንክብርታት ካፒታሊዝም ምስ ዓብዪ ፖለቲካዊ ምትእስሳር ዓለም የተሓሕዙዎ።

ፕሮፌሰር ፖለቲካል ሳይንስ ዩኒቨርሲቲ ሎንግ ኣይላንድ ጄ ፓትሪክ ማክሼሪ ነዚ ኣብ ቺለ ተዓዚባ'ያ።

"ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ብምኽንያት ወሰኽ ዋጋ መጓዓዝያ ልዕሊ ሓደ ሚሊየን ሰባት ዝተሳተፍሉ ሰልፊ ተቓውሞ ክለዓል እንከሎ፡ ሓያል ህዝባዊ ምልዕዓል ፈጢሩ'ዩ። እዚ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ከኣ ምንጪ እቲ ኣብ ቺለ ዝነበረ ዝተዓቖረ ዘይዕግበት ኣቃሊዑ። እዚ እናገፍሐ ዝመጽአ ዘይምዕሩይነት፣ ምኽባር ዋጋ መነባብሮን ብዘይገደብ ትካላት ናብ ዋንነት ብሕቲ ምስግጋርን እዮም ነይሮም" ትብል።

ከምዚኦም ዝበሉ ተቓውሞታት ናብ ድሕሪት መበል 20 ክፍለ ዘመን ክወስዱና ይኽእሉ።

መንግስቲ ቺለ ሕገ መንግስታዊ ጽገና ክግብር እንከሎ "ምልካዊ ስርዓት እታ ሃገር ተቖጻጺሩዎ ዝነበረ ቑጠባን ፖለቲካን ትካላዊ መልክዕ ኣትሂዙዎ፤ እቲ ኒዮሊበራላዊ ኣሰራርሓ ከኣ ኣብ ማሕበረ ቑጠባዊ ጉዳያት ክህሉ ዝግብኦ ተራ መንግስቲ ኣጥፊኡዎ። ፖለቲካዊ ተሳትፎ ገዲቡ ትኽክለኛ ዘይኮነ ዘይተመጣጠነ ፖለቲካዊ ስልጣን ብምሃብ ዕጡቓት ሓይልታት ናይ ሕድሪ ሓላፍነት ክፍጽሙ ገይሩን" ክትብል ፕሮፌሰር ሎንግ ጽሒፋ።

ብተመሳሳሊ ብ2018 ኣብ ፈረንሳ ዝተበገሰ "የለው ቨስት" ዝተባህለ ምንቅስቓስ መበገሲኡ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ'ኳ እንተነበረ፡ ብዙሕ እንከይጸንሐ ግን ምስ ኣብ ቺለ ዝተራእየ ዘይዕግበት ዝመሳሰሉ ሕርቃናት ምኽባር ዋጋ መነባብሮ፣ ዘይምዕሩይነት እቶት፣ መንግስቲ ጠለብ ተራ ዜጋታት ዕሽሽ ምባል ደው ከብል ናብ ዝሓትት ምንቅስቓስ ዓብዩ።

ኣብ ኣመሪካ'ውን "ትራምፒዝም" ዝብል ምንቅስቓስ ዘልዓለ ቑጠባዊ ዘይምዕሩይነት እዩ።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ ንዓለምለኻዊ ንግዲ ብዝነበሮ ዕጹው ኣተኣላልያ፡ ካብ ምትሕብባር ትራንስ ፓስፊክ ምውጻእ ጀሚርካ ክሳብ ኣብ ልዕሊ ካብ ሃገራት ቻይና፣ ህንዲ፣ ብራዚልን ኣርጀንቲናን ዝመጽኡ ኣቑሑት ቐረጽ ክውስኽ ብምግባር ዝወሰዶም ስጉምታት ሰፊሕ ፖለቲካዊ ደገፍ ክረክብ ኣኽኢሎምዎ'ዮም።

ኣብዚ ዋላ'ውን እተን መላፍንታ ዝኾና ሃገራት ኤውሮጳ፣ ካናዳን ሜክሲኮን በዚ መስርሕ ግዳያት ኮይነን እየን።

ይኹን'እምበር፡ ሃገራት ዓርሰን ንምድሓን ናይ ወጻኢ ርክባተን ክጎድል ብምግባር ሳዕቤናት ካፒታሊዝም ክከላኸላ ምፍታን "ብዙሕ ዘሳግር ኣይኮነን" እትብል ኣብ ጀርመን ሓላፊት ዓለምለኻዊ ንግዲ ባከር ማክኬንዚ ኣናሂታ ቶማስ እያ።

"እዚ ግዝያዊ ጥቕምታት ከምጽእ ይኽእል፤ ኣብ ነዊሕ እዋን ግን ንዓሰርታት ዓመታት ተሰሪሕሉ ዝመጽአ ቑጠባዊ ለውጢ ክጎድእ ዝኽእል ሓፈሻዊ ዓለማዊ ቑጠባ ዝሃሲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ናጻ ዕዳጋ ገይርካ ምሕዝነታዊ ኢንቨስትመንት ምቕጻል እዩ እቲ ዘገድስ" ትብል።

ቁጠባ ከም ዕድል ስራሕ፣ መንበሪ ኣባይቲ፣ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ውሑስ ከባቢ ዝበሉ ዴሞክራሲያዊ ሕቶታት ወጻእ ክኸውን ኣይኽእልን።

ከምቲ ናይ ቺሊያውያን፣ የለው ፈስትን ትራምፒዝምን ዝበሉ ምንቅስቓሳት፡ ብዙሓት ሰባት ድሌታቶም ንምምላእ ኣብቲ ዘሎ ስርዓት ለውጢ ከም ዝደልዩ ዘመላኽቱ'ዮም።

ስለዚ ሓቛፍን ልዕሊ ውልቀ መሰላትን ናጽነትን ንክኸውን ንካፒታሊዝም ዘሎ ማሕበራዊ ኮንትራት ዳግመ ግምት ክግበረሉ ይግባእ። እዚ ዘይክኣል ኣይኮነን።

ካፒታሊዝም ኣቐዲሙ ዝመጽአ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ቐጻልነት ዝህልዎ እንተኾነ ዳግም ክመጽእ ይኽእል እዩ።

ዕጫ ካፒታሊዝም ከኣ ካብቲ ሕጂ ዘለዎ ብዝሓሸ መልክዑ ክቕረጽ ምግባር እንተተኻኢሉ ዳእም ክምዕብል ይኽእል'ዩ።