ኢትዮጵያዊት ኣደ ምስ ጓል 2 ዓመት ውላዳ ኣብ ጀርመን ከምዝተቐትለት ማዕከናት ዜና ሓቢረን

ምንጪ ስእሊ, WONDWESEN FANTAHUN
ኣብ ጀርመን ከተማ ባየርን ክሮናህ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት፡ ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ምስ ጓል ክልተ ዓመት ውላዳ ከምዝተቐተለት ተገሊጹ፡፡
ናይታ ሃይማኖት ገብረእግዚኣብሄር ዝተባህለት ግዳይ ናይ ቀረባ መሓዙት ንቢቢሲ ከምዝገልጽዎ፡ እተን ኣደን ጓልን ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ከባቢ 11፡00 ሰዓት ኣጋግዘ እየን ተቐቲለን፡፡
ነተን ኣደን ጓልን ብበሊሕ ነገር ብምውጋእን ኣብ ዝባነን ሓዊ ብምውላዕን ዝተጠርጠረ ኣብ ክሊ ዕድመ 30ታት ዝርከብ ሞሮካዊ፡ ናይታ ግዳይ ናይ ቀደም ኣፍቃሪ ከምዝነበረ፡ መሓዙታ ትህትና ጸጋውን ወንድወሰን ፋንታሁንን ተዛሪቦም፡፡
እቲ ውልቀ ሰብ ነቲ ተግባር ምስፈጸመ፡ ኣብ ዝባኑ ቤንዚን ብምፍሳስ ኣብ ነብሱ እውን ጉድኣት ከምዘብጸሐን: ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ውዒሉ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰደን መሓዙት ሃይማኖት ንቢቢሲ ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ክሊ ዕድመ 30ታት ዝነበረት መዋቲት ሃይማኖት፡ ንዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት እያ ጸኒሓ፡፡
ኣብ ጀርመን እትሕተም ዕለታዊት ጋዜጣ ፍራንክንፖስት ኣብ ናይ ቅድሚ ትማሊ ሕታማ፡ ፖሊስ ምርመራ ገበንን ዓቃቢ ሕግን ኮበርግ፡ ብቕትለት እተን ኣደን ጓልን ኣብ ልዕሊ እቲ ወዲ 34 ዓመት ሞሮካዊ ምርመራ የካይዱ ከምዘለዉ ጸብጺባ፡፡
ዋላኳ እቲ ጥርጡር ኣብ ዘስግእ ኩነታት ጥዕና እንተሃለወ፡ ናይ መእሰሪ ትእዛዝ ግን ከምዝወጸሉ እታ ጋዜጣ ሓቢራ፡፡
እታ ጓል 31 ዓመት ኣደን ጓል 2 ዓመት ውላዳን፡ ሰንበት ምሸት ከባቢ 11፡45 ኣብ መንበሪ ገዝአን ከምዝሞታ ኣብታ ጋዜጣ ዝወጸ መረዳእታ የመልክት፡፡
ፍራንክንፖስት ንጉጅለ ምርመራ ገበንን ዓቃቢ ሕግን ጠቒሳ ከምዝጸብጸበቶ፡ እቲ ውልቀ ሰብ ናብቲ ኣደን ጓልን ዝነብራሉ ህንጻ ብምኻድ ብካራ ወጊኡ ከምዝቐተለን ይጥርጠር፡፡
ኣብቲ እዋን: ኣብቲ ህንጻ ዝነበራ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ጎየን ብምውጻእ ናብ ፖሊስ ከምዝደወላ እታ ጋዜጣ ጠቒሳ፡፡
ብድሕሪ'ዚ ኣብቲ ኣደን ጓልን ዝነብራሉ ገዛ ባርዕ ሓዊ ዝተልዓለ፡፡ ፖሊስ፡ እቲ ውልቀ ሰብ ኮነ ኢሉ ነታ ኣዶን ጓላን ኣቃጺሉወን፡ ዝብል ጥርጣረ ከምዘለዎ ትሕዝቶ እታ ጋዜጣ የመልክት፡፡

ምንጪ ስእሊ, Thitna Tsegaw
ሬሳ እተን ግዳያት ብሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ ዝተረኸበ ኮይኑ፡ እቲ ተጠርጣሪ በቲ ባርዕ ሓውን ካብቲ በረንዳ ዘሊሉ ክሃድም ብምፍታኑን፡ ንህይወቱ ዘስግእ ሓደጋ በጺሕዎ እዩ ኢላ ጋዜጣ ፍራንክንፖስት፡፡
ውጽኢት ምርመራ ኣስከሬን ከምዘመልክቶ፡ እታ ህጻን ብካራ ምስተወገአት ህይወታ ዝሓለፈ ኮይኑ፡ እታ ብካራ ጉድኣት ዝበጸሓ ኣዶ ግን እቲ ባርዕ ሓዊ ምስተልዓለ ህይወታ ከምዝሓለፈ፡ እታ ጋዜጣ ጸብጺባ፡፡
እቲ ህንጻ በቲ ባርዕ ሓዊ ዝበጸሖ ጉድኣት ድማ፡ ልዕሊ 50 ሽሕ ዩሮ ( ልዕሊ 2 ሚልዮንን 600 ሽሕን ብር) ከምዝግመት እታ ጋዜጣ ወሲኻ ሓቢራ፡፡
ናይ ቀረባ መሓዙታ እንታይ ይብሉ?
ትህትና ጸጋው፡ ናይ ሃይማኖት ናይ ቀረባ መሓዛ እያ፤ ነባርነታ ኣብ ጀርመን ከተማ ባየርን ክሮናህ ኮይኑ፡ ገዝኣ ካብቲ መዓስከር ስደተኛታት ካብ 5 ደቒቓ ኣይርሕቅን፡፡
ቅድሚ እቲ ሃይማትኖን ጓላን ተቐቲለን ዝተብሃለሉ፡ 5 ሰዓታት ኣቐዲመን ከባቢ ተደዋዊለን ነይረን፡፡
ሽዑ፡ ጓላ ሒዛ ክትወጽእ ኣብ ዝፈተነትሉ፡ ‘‘ክቐትለኪ እየ’’ ኢሉ ከምዝፈከረላ ነጊራታ ነይራ፡፡
ኮይኑ ግና እትፈልጠሉ ናይ ኣእምሮ ጸገም ስለዘይነበራ፡ ከምኡ ክገብር እዩ ኢላ ኣይሓሰበትን፡፡
‘‘ከምዚ ዝኸፈአ ነገር ክመጽእ እዩ ኢለ ስለዘይሓሰብኩን ብፖሊስ ዝተትሓዘ ጉዳይ ስለዝኾነን ‘‘ኣይትፍርሒ! ኣጆኺ!’’ኢለ ኣጸናኒዐያ’’ ትብል፡፡
ድሕሪ ሰዓታት ናይ ሄሊኮፕተርን ናይ ሓደጋ ባርዕ መጥፍኢ መኪና ድምጽን ሰሚዓ፤ ቅልቅል ኢላ ተመልኪታ፡፡ ዋለኳ እቲ ኩነታት ኣደናጊርዋ እንተነበረ፡ ብኮቪድ ዝተትሓዘ ሰብ ንምውሳድ እዩ ዝመሰላ፡፡
ናብ ገዝኣ ተመሊሳ እንትትኣቱ ግና ‘‘ኣብ ውሽጢ መዓስከር ስደተኛታት ባርዕ ሓዊ ተላዒሉ’’ ዝብል ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ በጺሕዋ፡፡ ናብ እትፈልጦም ሰባት ምስደወለት ድማ ‘‘ጉድ ገይሩና!’’ ዝብል መልሲ ረኺባ፡፡ ብቐጥታ ናብቲ ከባቢ ከይዳ፡፡ ኣብቲ ከባቢ ምስ በጽሑት ፖሊስ ናይ ኣዶን ጓልን ሬሳ እናውጽኡ ረኺባቶም፡፡
‘‘እቲ ውልቀ ሰብ ናብ ገዝአን ሰይሩ ብምእታው ነተን ኣዶን ጓልን ኣብ ደረተን ብኲናት ወጊኡ ቀቲሉወን፡፡ ብድሕሪኡ ሓዊ ኣቃጺሉ፤ ኮይኑ ግና ቁሩብ እየን ተለብሊበን፡፡ ናብ ዝባኑ ቤንዚን ዛዕዚዑ ንባዕሉ እውን ኣቃጺሉ፡፡’’ ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡
ትህትና ከምዝሓበረቶ፡ እቲ ውልቀ ሰብ ናይ ሃይማት ኣፍቃሪ እዩ ነይሩ፤ ንኣዋርሕ ዝዘለቐ ርክብ ነይሩዎም፡፡
ክልቲኦም ኣብቲ መዓስከር በበይኖም እዮም ዝነብሩ ነይሮም፡፡ ንሳ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንሱ ድማ ኣብ ናይ ተባዕትዮ፤ ግን ከኣ ጎረባብቲ፡፡
ኮይኑ ግና ናይ ባህልን ባህርን ፍልልያት ዝፈጠሮ፡ ክረዳድኡ ስለዘይከኣሉ ተፈላልዮም፡፡
ንሱ ግን ካብኣ ክፍለ ኣይደለየን፡፡
እቲ ኩነታት ዘስጋኣ ሃይማኖት ንህይወታ ከምእትሰግእ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት እናበኸየት ንፖሊስ ኣፍሊጣ እያ፡፡
ሓደ እዋን ‘‘እናበኸኹ ከረደኦም እንትፍትን፡ ናይ ኣእምሮ ሕክምና የድልየኪ እዩ፡ ናብኡ ኪዲ ኢሎምኒ’’ ኢላ ከምዝተናገረታ መሓዛኣ ትህትና ትዝክር፡፡
ትህትና ከምዝሓበረቶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰሉስ፡ እቲ ጣብያ ፖሊስ ኣምሓርኛ ዝዛረብ ተርጓሚ ቆጺሩ፡ ኣብቲ ጉዳይ ክልተ ሰዓታት ዝወሰደ ቃለ መሕተት ገይሮምላ ነይሮም፡፡
ኮይኑ ግና መንግስቲ ባዕሉ እንተዘይቀይሩካ ባዕልኻ ናብ ዝደለኻዮ ክትከይድ ስለዘይትኽእል፡ ኣብቲ መዓስከር ክትጸንሕ ከምዝተገደደት ትዛረብ፡፡
ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት፡ ዝተፈላለየ ጸገም ኣእምሮ ወይ ናይ ባህሊ ኣፈላላይ ዘለዎም ሰባት ኣብ ሓደ ስለዝነብሩ ተመሳሳሊ ሓደጋታት ከምዘጋጥሙ እትገልጽ ትህትና፡ ቅድሚ ሕዚ እውን ሓደ ኣፍጋኒስታናዊ ከምዝተቐተለ ትዝክር፡፡
‘‘ግቡእ ዘይኮነ ናይ ፖሊስ ሸለልትነት ንዓኣን ንጓላን ኣስኢኑና’’
ካሊእ መሓዛ ሃይማኖት፡ ወንድወሰን እዩ፡፡ ንሱ ንዓመታት ኣብ መዓስከር እዩ ዝነብር ነይሩ፡፡
ናብቲ መዓስከር ቀዲምዋ ዝኣተወ ኮይኑ፡ ጽቡቕ ምሕዝነት ነይሩዎም፡፡
ካብቲ ተቐቲላ ዝተባህለሉ ሰዓት፡ 20 ደቒቕ ኣቐዲማ ደዊላትሉ ነይራ፤ ኮይኑ ግና ኣብ መገዲ ስለዝነበረ ስልካ ንምልዓል ኣይጠዓሞን፡፡
ንመወዳእታ እዋን ብቐዳም እዮም ኣውጊዖም ነይሮም፡፡ ካብቲ ዘላቶ መዓስከር ክትቅየር፡ ደብዳበ ክተእቱ ከምዘለዋ ተመኻኺሮም ነይሮም፡፡
ሃይማት ናይ ድሕነት ስግኣት ከምዘለዋ ንዕኡን ንመሓዙታን ትገልጸሎም ከምዝነበረት ዝሕብር ወንድወሰን፡ ቦታ ንምቕያር ናብ ፖሊስ ደብዳበ ኣእትያ ኣብ ከይዲ እናሃለወት ከምዝተቐተለት ተዛሪቡ፡፡
ብሃይማኖት ኣቢሉ ምስቲ ሞሮካዊ ኣፍልጦ ከምዝነበሮ ዝገልጽ መሓዛ እታ ግዳይ፡ ናይ ባህሊ ፍልልያት ኣብ መንጎኦም ዘይምርድዳእ ስለዝፈጠረ፡ ተዘራሪቦም ከምዝተፈላለዩ ይዝክር፡፡
ኮይኑ ግና ክልተ ሰለስተ እዋን ከምዝሃረማ ይዛረብ፡፡
‘‘መጀመርታ ንፖለስ ምስ ኣመልከተት፡ ናብ ጥቓኣ ከይቀርብ ወይ ካልእ መፍትሒ ክደልዩ ይኽእሉ ነይሮም፤ ግቡእ ዘይኮነ ናይ ፖሊስ ሸለልትነት ንዓኣን ጓላን ኣስኢኑና’’ ኢሉ፡፡
ኣብዚ እዋን መሓዙታ ናይ ሃይማኖትን ጓላ ሃናንን ኣስከሬን ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምልኣኽ ገንዘብ የተኣኻኽቡ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ገሊጾም፡፡
‘‘ክሮናህ ንእሽቶ ከተማ እያ፤ እቲ መዓስከር እውን ንፖሊስ ጣብያ ቀረባ እዩ፡፡ ብእግርኻ እውን ቀልጢፍካ ዝብጻሕ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ፖሊስ ድሕሪ 20 ደቒቓ ከምዝበጽሑ ኢና ሰሚዕና’’ ዝብል ወንድወሰን፡ ቀጻሊ ስረሖም፡ እቶም ፖሊስ ሓላፍነቶም ስለዘይተዋጽኡ፡ ብሕጊ ክሕተቱ ምግባር ከምዝኾነ ገሊጹ፡፡
ኣብቲ ጉዳይ ኣብ ጀርመን ንዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ንምሕታት ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን፡፡





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







