ኣብ ጀርመን ንሓደ ቖልዓ ናብ ባቡር ዝደፍኣ ኤርትራዊ ናብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቡ

እቲ ቖልዓ ዝመተሉ መገዲ ባቡር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ፍራንክፈርት ጀርመን፡ ንሓደ ወዲ ሸሞንተ ዓመት፡ ናብ እስቴሺን ትኣቱ ናብ ዝነበረት ባቡር ደፊኡ ሞት ዘስዓበ ኤርትራዊ ኣብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቡ።

እቲ ሃብተ ኣርኣያ ዝተባህለ ወዲ 41 ዓመት፡ ነቲ ቖልዓን ኣዲኡን ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ኣብ ዝርከብ መደበር ባቡር ሰብ ደፊኡ ብምቕታል እዩ ተኸሲሱ ዘሎ።

ኣብቲ እዋን ኣቶ ሃብተ ኣርኣያ፡ ተግባራቱ ንምቁጽጻር "ውሑድ ዓቕሚ" ከም ዝነበሮ እቲ ኣኽባር ሕጊ ሓቢሩ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ ንሱ ቅትለት ፈጺሙ ተባሂሉ'ውን ክኽሰስ ይኽእል'ዩ።

እዚ ኣቦ ሰለስተ ቖልዑት ሰብኣይ ብፈተነ ቅትለት ተኸሲሱ'ሎ። ኣኽበቲ ሕጊ ግን ናብ ትካል ስነ-ስነ-ኣእምሮ ሕክምና ክኸይድ ጥርዓን ኣቕሪቡ።

ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ እንታይ ንፈልጥ?

ኣቶ ሃብተ ኣርኣያ፡ ዝሓለፈ ዓመት 29 ነሓሰ ንሓደ ቖልዓን ኣዲኡን ናብ ሓዲድ ባቡር ደፊኡዎም።

እቲ ቖልዓ ሽዑ ንሽዑ ህይወቱ ክሓልፍ እንከሎ፡ ኣዲኡ ከቢድ ጉድኣት ኣጋጢሙዋ ካብ ሞት ድሒና።

ንሱ፡ ንካልእ ጓል 78 ዓመት ሰበይቲ ክደፍእ ከም ዝፈተነ'ውን ተኸሲሱ'ሎ።

ድሕሪ እቲ ፍጻሜ ክሃድም ከም ዝፈተነን ሓለፍቲ መገዲ ኣርኪቦም ከም ዝሓዝዎን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይገልጹ።

ሃብተ ምስቶም ዝተጎድኡ ሰባት ዝኾነ ዝምድና ከም ዘይብሉን፡ ኣብ ኣካላቱ ከኣ ሓሽሽ ይኹን ኣልኮል ከምዘይጸንሖን ፖሊስ እታ ከተማ ሓቢሩ።

እቲ ጉዳይ፡ ኣብ መላእ ጀርመን ብማዕከናት ዜና ምስተቓለሐ ነቶም ስድራቤት ንምሕጋዝ 120 ሽሕ ዶላር ገንዘብ ከም ዝተኣከበ ተገሊጹ።

እዚ ፍጻሜ፡ ኣብ ጀርመን፡ ብዛዕባ ስደትን ገበንን ብዙሕ ኣዛሪቡ እዩ።

ሃብተ፡ ኣብ 2009 ኣብ ዙሪክ ስዊዘርላንድ ዑቑባ ተዋሂብዎ ከም ዝነበረን፡ ቅድሚኡ እውን ገበን ፈጺሙ ካብ ፖሊስ ይሃድም ከም ዝነበረን ፖሊስ ይገልጹ።

ሓደ ሕሉፍ-የማናውያን ውድብ ጀርመን፡ እቲ ፍጻሜ፡ ልዕሊ ዓቐን ስደተኛታት ምስ ምቕባል ከም ዘዛመዶን ሓያል ዶባዊ ምክትታል ክግበር ምጽውዖምን ይዝከር።

ገሊኦም ድማ፡ ፖሊስ ኣብ መደበር ባቡር ንሓለዋን ድሕነትን ንክዋፈሩ ጸዊዖም።