እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ማእሰርቲ ንዘለዉ በዓል እስክንድር ነጋ ብሕጹይነት ምምዝጋብ ከጸግመኒ'ዩ - ቦርድ መረጻ
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ እስክንድር ነጋ ዝርከቦም ፖለቲከኛታት ኣብ መረጻ ኢትዮጵያ ብሕጹይነት ተመዝጊቦም ንክወዳደሩ ዝወሰኖ ውሳነ ንምፍጻም ከም ዝጽገም ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣፍሊጡ።
እቲ ቤት ፍርዲ ብ16 ግንቦት 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ፡ ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ ፕረዚደንት ፖለቲካዊ ውድብ ባልደራስ ንሓቀኛ ዴሞክራሲ ኣይተ እስክንድር ነጋ ዝርከቦም መሪሕነት እቲ ስልፊ ብሕጹይነት ተመዝጊቦም ኣብ መረጻ ንክወዳደሩ ውሳነ ከም ዘሕለፈ ይዝከር።
ክሳብ 19 ግንቦት 2013 ኣብ ዘሎ እዋን ከኣ ናብ ናይ መረጻ ወረዳታት መምርሒ ብምውራድ ነቲ ውሳነ ከፈጽም ብቤት ፍርዲ ትእዛዝ ከም ዝተዋህቦ እቲ ቦርድ ሓቢሩ’ሎ።
እቲ ቦርድ ትማሊ ናብ ሰልፊ ባልደራስ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ንውሳነ ቤት ፍርዲ ከፈጽም ከም ዝጽገም’ዩ ገሊጹ።
ምዝገባ ሕጹያት ተወዳደርቲ ኣብ 30 ለካቲት 2013 ከም ዝተዛዘመ፣ ሕትመቱ ዝተወገነ ድምጺ መውሃቢ ወረቓቕቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ጣብያታት መረጻ ከም ዝለኣኽን ካልኦት ምኽንያታትን ድማ ሂቡ።
ውድብ ባልደራስ ንሓቀኛ ዴሞክራሲ ቅድም ክብል ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ መሪሕነቱ ሕጹያት ተወዳደርቲ ኮይኖም ክምዝገቡሉ ሕቶ ኣቕሪቡ ስለ ዝተኸልከለ፤ እቲ ውሳነ “ዘይሕጋዊ እዩ” ብዝብል ከሲሱ ነይሩ።
“ዝኾነ ይኹን ሰብ ናይ መራጽነት ወይ ተመራጽነት መሰሉ ብውሳነ ቤት ፍርዲ እንተዘይተላዒሉ ብሕጹይነት ተመዝጊቡ ዝወዳደረሉ ዕድል ክኽልከል የብሉን” ክብል ይካታዕ።
እዚ ከኣ ኣብ ኣዋጅ መረጻ፣ ምዝገባ ፖለቲካዊ ውድባትን ስነምግባር መረጻን ዝሰፈረ ምዃኑ ከም መከራኸሪ የቕርብ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል በዓል እስክንድር ብሕጹይነት ተመዝጊቦም ክወዳደሩ ከም ዝኽእሉ ውሳነ ምስ ኣሕለፈ፤ እቶም መሪሕነት ኣብ ዘለዉሉ ማእሰርቲ ኮይኖም ጓስጓስ መረጻ ንከካይዱ ናብ ቤት ፍርዲ ሕቶ ኣቕሪቦም ነይሮም።
ቦርድ መረጻ ግን ነዚ ውሳነ ከፈጽም ከም ዘይክእል ወግዓዊ ገይሩ’ዩ።
በዚ ምኽንያት ባልደራስ ኣብ ማሕበራዊ መራኽቢ “ቦርድ መረጻ ንውሳነ ቤት ፍርዲ ኣየኽበረን” ዝብል መልእኽቲ ብምሕላው ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ’ሎ።