እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ‘ንህወሓት ክረኽቡ ናብ ሆስፒታል ኣትዮም ሰባት ኣጋፊዖም’
ወተሃደራት ኢትዮጵያ ንኣባላት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ [ህወሓት] ክእልሹ ኣብ’ታ ታሪኻዊት ከተማ ኣክሱም ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ጥሒሶም ከምዝኣተዉ ኤኤፍፒ ንዶኳትር ጠቒሱ ጸብጺቡ።
እቶም ወተሃደራት፡ ኣብቲ ኣባላት ህወሓት ደሊና ኢሎም ዝኣተውሉ ሆስፒታል ውሽጢ ዝረኸብዎም [ስሞም ዘይገልጹ] ዶኳትርን ሓካይምን ብረት ዓሚሮም ናይቶም ሕሙማት መንነት ክዛረቡ ኣፈራሪሖምና ኢሎም።
ከምኡ’ውን፡ እቶም ወተሃደራት ነቶም ባንዴጅ ተገይሩሎም ዝነበሩ ሕሙማት ኣልጊሶም ግሉኮስ ዝተገበረሎም ድማ መሺቶምዎ።
ነቲ ሆስፒታል ዝድግፍ ዘሎ ፡ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ፍጻመ ዘረጋገጸ ኾይኑ፡ “ካብ ክፍሊ ናብ ክፍሊ እናተንቀሳቐሱ ነቶም ንሕሙማት ዝሕብሕቡን ነቶም ሰራሕተኛተት እቲ ሆስፒታልን ኣፈራሪሖሞም” ክብል ሓቢሩ።
እቲ መግለጺ፡ “ናይቲ ሕክምናዊ ልኡኽ ዘይሻራዊነት ኣብ ሕቶ ብዘእቱ መልክዕ ኣብ ልዕሊኡ ብዝፍጸም ዘሎ ቐጻሊ ጥሕሰት ኣዚና ንሓዝን” ይብል።
ዶብ ኣልቦ ሓካይም፡ ኣብቲ ክልል ምስቲ ጎንጺ ተኣሳሲሩ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ማእኸላት ሕክምና ዝተፈጸመ ዕንወትን ጥፍኣትን ኣጻርዩ ዕላዊ ምግባሩ ዝዝከር እዩ።
እቲ ትካል ከምዝብሎ፡ ልዕሊ 70 ሚኢታዊት ማእኸላት ሕክምና እቲ ክልል ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝኾነ እንትኸውን፡ ሰራሕተኛታቱ ድማ ኣብ ቦቶኦም የለውን።
ቀደማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ፌዴራል ሓይልታት ጥቐዓት ፈጺሙ ኢሉ ምስ ከሰሰ፡ ኣብ ትግራይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ምእዋጁ ዝዝከር እዩ።
እቲ ሻውዓይ ወርሑ ዘቕጸረ ጎንጺ፡ ብኣሸሓት ንሞት ዝተዳረጉ ኾይኖም፤ ብኣማኢቲ ኣሸሓት ድማ ክማዘበሉ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዓለም፡ ኩሎም ኣብቲ ተጻብኦታት ዘለዉ ሓይልታትን ወተሃደራት ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት ገበናት ይፍጽሙ ከምዘለዉ ጸብጺቦም እዮም።