ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ምንዋሕ መዓልቲ ምርጫ ፈጢርዎ ዘሎ ስግኣት

ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ክካየድ ዝተሓሰበ ሃገራዊ ምርጫ ምንውሑ ኣብታ ሃገር ተወሳኺ ፖሎቲካዊ ምጉህሃር ከይፈጥር ኣስጊኡ ኣሎ።

ኣካቢት ቦርድ ኮምሽን ምርጫ ኢትዮጵያ ብርቱኳን ሚደቅሳ ብቀዳም ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ብምርኻብ ኣብ ምምዝጋብ መርጽቲ፡ ምልመላ ኣፈጸምቲ እቲ ምርጫን ምሕታም መድመጺ ወረቐትን ኣጋጢምዎም ዘሎ ብድሆታት ገሊጻ።

ንሳ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ምርጫ ከምቲ ዝተወጠኖ ኣብ 5 ሰነ ክጅምር ከምዘይክእልን ምናልባት ንኽልተ ክሳብ ሰለስተ ሰምንታት ክናዋሕ ከምዝኽእልን እያ ገሊጻ።

እቲ ምርጫ ከምቲ ግቡእ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ክካየድ እኳ እንተነበሮ ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዩ ንኣስታት ሓደ ዓመት ተናዊሑ ጸኒሑ።

እቲ ምርጫ ንምንታይ እዩ ንኻልኣይ ግዜ ዝናዋሕ ዘሎ?

ኣብቲ ብቦርድ ምርጫ እታ ሃገር ዝተጸወዐ ኣኼባ፡ እቶም ሰብ መዚ እቲ ቦርድ ምርጫ፡ ኣብ ምምዝጋብ መረጽትን ምክፋፍል ናውቲ ምርጫን ሎጂስቲካዊ ጸገማት የጋጥሞም ከምዘሎ እዮም ንወከልቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ገሊጸምሎም።

ገለ ካብቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ወከልቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት'ውን መንግስቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ረጽምታት ተወጢሩ ስለዘሎ ነቲ ጸጥታ እቲ ምርጫ ኣብ ምርግጋጽ ከጸግሞ ከምዝኽእል ሓሳቦም ኣካፊሎም።

ኣብ መላእ ኣታ ሃገር ዘሎ ግጭታት'ውን ናውቲ መርጫ ካብን ናብን ኣብ ምንቅስቃስ ኣጸጋሚ ገይርዎ ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ኢትዮጵያ ክረምቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ብምጅማር ክሳብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ስለዝቅጽል ኣብ መስርሕ ድምጺ ምሃብ ዓቢ ዕንቅፋት ክፈጥር ክምዝክል ብምጥቃስ እቲ ምርጫ እንተተናዊሑ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ድምጺ ምሃብ ኣዝዩ ከሸግር ከምዝክእል'ውን ርእይቶ ዝሃቡ ነይሮም'ዮም።

እቲ ምርጫ ናብ ወርሒ መስከረም ይናዋሕ ዝበሉ'ውን ነይሮም እዮም። እንተኾነ ኣብ ወርሒ መስከረም እቲ ሓዲሽ ዝምረጽ መንግስቲ ቤት ጽሕፈት ክርከብ ስለዘለዎ ናብ ወርሒ መስከረም ምንውሑ ኣብ እትዮጵያ ተወሳኺ ፖለቲካዊ ነውጺ ክፈጥር ከምዝክእል ከይተሓለመ ፍቱሕ እዩ ዝበሉ ነይሮም።

ንምንዋሕ ምርጫ ዝተውሃበ ግብረመልሲ እንታይ ይመስል?

እቲ ቦርድ ምርጫ ንክልተ ክሳብ ሰለስተ ሳምንታት እቲ ምርጫ ክናዋሕ ከምዝኽእል ምስ ገለጸ ብዙሕ ግብረ መልስታት እዩ ዝውሃብ ዘሎ፡ ገለ ኸኣ እቲ ቦርድ ምርጫ ኣብ ውሽጡ ክልተ ሰለስተ ሳምንታት እንታይ 'ተኣምር' ክፈጥር ስለዝክእል እዩ ዘናውሖ ዘሎ ዝበሉ'ውን ኣይተሳኣኑን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብትዊተር ኣብ ዝጽሓፈ መልእክቲ ነቲ ዘሎ ስግኣታት ኣቅሊሉ ብምርኣይ፡ እንተኾነ እቲ ምንዋሕ ናይ መዓልቲ ምርጫ ከምዝድግፎ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ እቲ ኮምሽን ምርጫ ነጻ ኮይኑ ነቲ ምርጫ ከምዘካየዱ ኸኣ ኣትሪሩ ገሊጹ።

"ንኹሎም ኢትዮጵያውን ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተኻየዱ ምርጫታት ኣዝዩ ነጻን ቅኑዑን ምርጫ ከምእነካይድ ከረጋግጸልኩም እፈቱ" ድሕሪ ምባል "እቲ ምርጫ ኣብ ቀረባ ሳምንታት ክካየድ እዩ፡ ዘይከምቲ ዝብሃሎ ዘሎ ምዝገባ ኣድመጽቲ'ውን ጽቡቕ'ዩ ተኻይዱ" ኢሉ።

ገለ ኣብ ደገ ዝርከቡ ጉጅለታት ግን መንግስቲ ክንዲ ንምርጫ ነዘተን ሃገራዊ ዕርቅን ቀዳምነት ክህብ ከምዘለዎ ብምጽዋዕ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ግጭትን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይምርግጋእን ንኽፍታሕ ቀዳምነት ክውሃቦ ከምዘለዎ ይገልጹ።

እቲም ጉጅለ፡ መንግስቲ ተኣሲሮም ዘለዉ ፖሎቲካውያን መራሕቲ ክፈትሕን ንስኒት እታ ኣተኵሮ ክህቦን ይጽውዑ።

እቲ ምርጫ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ግጭት ብምንታይ ይተኣሳሰር?

እቲ ምርጫ ካብቲ ክካየዶ ዝነበሮ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ምስ ተናወሐ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ጠንቂ ነቲ ሕጂ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ግጭት እዩ ኮይኑ።

ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ዝመጽእ ቀዳማይ ሚኒስተረ ኣብይ ኣሕመድ፡ እቲ ምርጫ ምንውሑ ምስቲ ዝተኸሰተ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተተሓሒዙ ቅኑዕ ስጉምቲ ምዃኑ እዩ ገሊጹ።

እቲ ምርጫ ምስ ተናወሐ፡ እቶም ኣብ እዋን መሪሕነት ኢህወደግ ዓብላሊ ስልጣን ዝነበሮም መራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ኣብይ ኣሕመድ ስልጣኑ ብዘይሕጋዊ መንግዲ የናውሕ ኣሎ ብምባል 'ሕጋዊ ስልጣን ዘይብሉ መራሒ እዩ" ኢለሞ።

ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ወርሒ መስከረም እኳ በይንኣዊ መርጫ እንተኣካየዱ መንግስቲ ፈደራል ግን ነቲ ምርጫ ኣፍልጦ ኣይሃቦን።

ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ኸኣ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር፡ መንግስቲ ኢትዩጵያ ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰሜናዊ እዚ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ብምባል ወተሃደራዊ ስርሒት ጀሚሩ።

እቲ ሻውዓይ ወርሒ ሒዙ ዘሎ ኵናት ጠንቂ ሞት ኣሻሓት ሰባት ኮይኑ ይርከብ።

ብዘይካ እዚ ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ክኾኑ እንከለዉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኸኣ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣለዉ።

ትካላት ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት 'ዘባህርር' ክፍዕታት ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ ብኽልቲኦም ወገናት ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ተፈጺሙ ይብላ፡ እቲ ንመንግስቲ ፌደራል ብምድጋፍ ኣብቲ ኵናት ከምዝተሳተፈ ዝግለጽ ሰራዊት ኤርትራ'ውን ኣብቲ ገበናት ኢድ ከምዘለዎ እተን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጻ።

ኣብቲ ክልል ኣብ ብዙሕ ቦታታት ነቶም ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ረድኤት ንኽበጽሖም ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ምህላዉ እዩ ዝሕበር።

ክንደይ ዝኾኑ ሰባት ንኽመርጹ ተመዝጊቦም ኣለዉ?

ምዝገባ መረጽቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እዩ ተወዲኡ፡ ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን ኸኣ ኣብታ ኣስታት 110 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ብውሕዱ 36 ሚልዮን ሰባት ንኸድምጹ ከምዝተመዝገቡ ተገሊጹ።

ኣብ 2015 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ'ውን ብተመሳሳሊ 36 ሚልዮን እዮም ድምጾም ንኽህቡ ተመዝጊቦም ነይሮም ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ግን እቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ሰብ ካብቲ ሰብ መዚ ኣቐዲሞም ገሚተሞ ዝነበሩ ብ10 ሚልዮን ጎዲሉ ምህላዉ እዩ ዝፍለጥ።

በብኽልሉ ከድምጺ ዝተመዝገቡ ብዝሒ ሰባት ምስ ተሓበረ ገለ ሰባት ኣብቲ ዝተውሃበ ኣሃዝ ምጥርጣራት ፈጢሮም ይርከቡ።

ኣብታ ከም ብዓል ጀዋር መሓመፍ ዝኣመሰሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ተኣሲሮማ ዘለዉ ክልል ኦሮምያ እተን ቀንዲ ጸለውቲ ሰልፍታት እቲ ክልል ካብቲ ምርጫ ኣብ ዘግለላሉ ኣብታ ክልል 15 ሚልዮን ሰብ ንኸድምጽ ተመዝጊቡ ዝብል መግለጺ ብዙሓት ሰባት ምኽንያታት ብምዝርዛር ነቲ ኣሃዝ ብዓይኒ ጥርጣር ይርእይዎ ኣለዉ።

እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ነቲ ምርጫ እኹል ምድላዋት ኣይገበረን ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ነቀፌታታት ይነጽጎ እዩ።