ግድብ ህዳሰ: ኣብ ዝመጽእ ክራማት ፈተነ ምምንጫው ጸዓት ክጅምር ምዃኑ ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ

ኢትዮጵያ ህንጸት ግድብ ሕዳሰ 'ዘዐንቅፍ ሓይሊ የለን' ኢላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽል ናይ ክረምቲ ኣዋርሕ ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣባይ ፈተነ ምምንጫው ጸዓት ክትጅምር እያ።

ኣብ ተመሳሳሊ ወቕቲ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ ከም ዝካየድን ፈተነ ምምንጫው ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዝጅመርን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "እቲ ግድብ ማይ ንምምላእ ዝግበር ጻዕሪ ከምኡ'ውን መስርሕ ምምላእን ናብ ስራሕ ክኣቱ ምግባርን ዘተዓናቕፍ ዝኾነ ሓይሊ የለን" ክብል ገሊጹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን 80 ሚኢታዊት ህንጸት ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ከም ዝተዛዘመ ክግለጽ እንከሎ፡ ምሉእ ብምሉእ ናብ ስራሕ እንትሰጋገር ልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕ ሜጋ ዋት ጸዓት ከም ዘመንጩን ንጎረባብቲ ሃገራት ከም ዝረብሕን ኢትዮጵያ ትገልጽ።

ትማሊ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳሜህ ሽኩሪ ንቴሌቪዥን ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ "ኣብ ሃገራዊ ረብሓና ሕድሮ ጽልዋ የለን" ኢሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ግድብ ኣስዋን እኹል ማይ ሒዙ ስለ ዘሎ፡ ምምላእ ማይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድር ከም ዘይኽእል ከረጋግጽ እንከሎ "ግብጺ ናይ ማይ ሃብትታታ ብግቡእ ብምምሕዳር ንኻልኣይ ዙርያ ምምላእ እቲ ግድብ ክተአንግዶ ትኽእል'ያ" ክብል ተዛሪቡ።

ቅድም ኢሉ ፕረዚደንት: ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ "ግብጺ ካብ ሩባ ኣባይ እትረኽቦ ብጽሒት ማይ እንተነክዩ ኣይክትዕገስን እያ" ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ክሳብ እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘካየድኦ ዝርርብ ብዘይ ፍረ ክብተን እንከሎ፡ ሱዳን 'ብምኽንያት ዓንቀጽ መርገጺ ኢትዮጵያ' ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕ ኣይክኣልናን ክትብል እንከላ በዚ ምኽንያት ድሕነታን ህዝባን ንምሕላው ካልእ ኣማራጺ ክትደሊ ዝገብራ'ዩ ኢላ ነይራ።

ግብጺ ብወገና፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ክበጽሓሉ ዝኽእላ ስጉምቲ ብዘይምህላዩ እቲ ዘተ ውጽኢታዊ ክኸውን ከም ዘይኽእል ገሊጻ።

ይኹን'ምበር ኢትዮጵያ እቲ ግድብ ኣብ ምምላእ፣ ኣተሓሕዛ ማይን መጠን ፍሰትን ንምስምማዕ ድልውቲ ከም ዝኾነትን "ክልቲአን ሃገራት ግን ብጽሒት ማይ ኢትዮጵያ ዝግድብን ኣለና ዝብልኦ ክፍፍል ማይ ንክጽናዕን ኣብ ዘገድድ ስምምዕ እንተዘይተበጺሑ ዝብል መርገጺ ብምሓዘን" ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕ ኣይክኣልናን ኢላ ነይራ።

ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ ዝቕጽል ኣዋርሕ ክረምቲ ዝሓዘቶ መደብ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ከም ዘይትስርዞ ኣፍሊጣ።

ኣብ ዙርያ ህንጸት እቲ ግድብን ምምላእ ማይን ሕቶ ከልዕላ ዝጸንሓ ግብጽን ሱዳንን፡ መነባብሮአን ካብ ሩባ ናይል ኣብ ዝረኽብኦ ማይ ዝድረኽ ስለዝኾነ፡ ኣብ ምሉእ ስምምዕ ክብጻሕ ጠለብ የቕርባ።

ብ10 ግንቦት 2021 ምስ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ዝተዘራረበ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጄፈሪ ፌልትማን፡ ሃገሩ ነቲ ሰለስቲአን ብጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝሰሓሓባ ሃገራት ብመሪሕት ሕብረት ኣፍሪቃ ዘካየደኦ ዘተ ንምሕጋዝ ድሉውቲ ምዃና ምግላጹ ይዝከር።

ህንጸት እቲ ግድብ ጠሚቶም ዝካየዱ ዝርርባት ኣብ2011 (ኤውሮጳ) እንተጀመሩ'ውን ክሳብ ሕጂ ግን ብተደጋጋሚ ብዘይስምምዕ እናተበነ ዞባዊ ስግኣት ጸጥታ ከይፈጥር ክስጋእ ጸኒሑ።