እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሎራዶ፡ ሓደ ውልቀሰብ ኣብ በዓል ልደት 'ዘይተዓደምኩ' ብዝብል ሽዱሽተ ሰባት ቀቲሉ
ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ድግስ ልደት ዘይተዓደምኩ ኢሉ ዝሓረቐ ውልቀሰብ ሽዱሽተ ሰባት ከም ዝቐተለ ሰብ መዚ ኮሎራዶ ኣፍሊጦም።
ቴዶሮ ሚኪያስ ዝተባህለ ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ፡ እቲ ዝሓዞ ሽጉጥ ናብ ባዕሉ ቅድሚ ምዛሩ፡ ንኣፍቃሪቱ ሳንድራ ኢባራ-ፔሬዝ ከምኡ'ውን ሓሙሽተ ኣዝማዳ ብተደጋጋሚ ተኲሱሎም ክብል ፖሊስ ገሊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ ብሰንበት ኣብ ኮሎራዶ ስፕሪንግ ኣብ ዝርከብ መዘናግዒ ማእከል'ዩ ተፈጺሙ።
እቲ ናይ ልደት በዓል ንሰለስተ ኣባላት እቲ ቤተሰብ ተባሂሉ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ እቶም ክልተ በቲ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም።
ፖሊስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ምስቲ ስድራቤት "ጎንጺ" ከም ዝነበሮን ብፍቕሪ እታ ዘፍቅራ ጓል ከም ዝቐንአን ገሊጹ።
"እዚ ዘሰክፍ ተግባር ዘቤታዊ መጥቃዕቲ'ዩ። ሚኪያስ ናብቲ ምድላው ከይተዓደመ ምስተረፈ ከኣ ተኵሲ ከፊቱ" ብምባል ኣዛዚ ፖሊስ ኮሎራዶ ስፕሪንግ ቪንስ ኒስኪ ከሲሱ።
እቲ ውልቀሰብ፡ ምስታ ኣፍቃሪቱ ንሓደ ዓመት ኣብ ምሕዝነት ከም ዝጸንሐን ቅድሚ ሕጂ ዝኾነ ዓይነት ናይ ገበን ተግባራት ከም ዘይነበሮን'ውን ሓቢሩ።
ደቂ ክልተ፣ ሓሙሽተን 11ን ዓመት ዝኾኑ ሰለስተ ቖልዑት፡ እቲ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከምዝረኣዩን ዝኾነ ዓይነት ጉድኣት ከም ዘይበጽሖም ዝሓበረ እቲ ፖሊስ፡ ኣብቲ ቦታ 17 ዓረር ጥይት ተረኺቡ ኢሉ።
ብሰሉስ፡ ፖሊስ ኮሎራዶ ስፕሪንግ ግዳያት በዓል መን ምዃኖም ከነጽር እንከሎ፡ ወዲ 30 ዓመት ሜልቪዝ ፔሬዝ፣ ኣዲኡ፣ ሓው፣ በዓልቲ ቤቱ ማሪያ ፔሬዝን ሓፍታን እዮም።
ሓፍቱ ንማልቪን ፔሬዝ ኑቢያ ማርኬዝ ንፖሊስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል እቲ መጥቃዕቲ ዘብጽሐ ውልቀሰብ "ስቕታ" ዘዘውትርን "ርጉእ"ን ኮይኑ ኩሉ ግዜ ሽጉጥ ዝሕዝ'ዩ ኢላ።
ቅድሚ ኣስታት ክልተ ወርሒ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፍል ኮሎራዶ ከተማ ቦልደር ኣብ ሓደ ግሮሰሪ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 11 ሰባት ከም ዝሞቱ ይዝከር።