እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ኣታሓሕዛ እሱራት ዘተሓሳስብ’ዩ' ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ [ኢሰመኮ] ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ኣተሓሕዛ መሰል እሱራት ከም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ።
እቲ ኮምሽን ክትትል ኣብ ዝገበረሎም መደብራት ፖሊስ፡ ዕድሚኦም ካብ 9 ክሳዕ 18 ዓመት ዝኸውን ህጻናት ምስ በጽሕታት ተኣሲሮም ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።
ኣብቶም መደብራት ፖሊስ ብዙሓት ሰባት ብዘይ ትእዛዝ ቤትፍርዲ “ብህልው ኩነታት” ዝተጠርጠሩ እዮም ብዝብል ከም ዝተኣስሩ፤ ካብኣቶም እቶም ዝበዝሑ መርመራ ከይተጀመረሎምን ቤት ፍርዲ ከይቐረቡን ልዕሊ እቲ ብሕጊ ዝፍቀድ እዋን ተኣሲሮም ከም ዝጸንሑ ዘመክቱ መርትዖታት ከም ዝቐረቡ’ውን እቲ መግለጺ ሓቢሩ።
ብዘይካ’ዚ ኣብ ብርክት ዝበሉ መደብራት ፖሊስ፡ ኣኽባር ሕጊ እኹል መርትዖ ብዘይምርካቡ ናይ “ኣየኽስስን ውሳነ” ዝተዋህቦም ወይ’ውን ብመሰረት ትእዛዝ ቤትፍርዲ ክፍትሑ ዝነበሮም ጥርጡራት፡ ዋና ተሳተፍቲ እዮም ወይ’ውን ብኻልእ ገበን ይድለዩ እዮም ብዝብል ብዘይ ኣግባብ ተኣሲሮም ከምዝጸንሑ ይግበር ምህላው ከም ዝተገንዘበ ኣፍሊጡ።
እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምወል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብቲ ክልል ንዘሎ ኣተሓሕዛ እሱራት ንምርኣይ ካብ 20 ሕዳር 2020 ክሳዕ ጥሪ 11 2021 ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ 21 መደብራት ፖሊስ ክትትል ከም ዝገበረ እዩ ሓቢሩ።
ብፍላይ ድሕሪ ቕተለት ስነ-ጥበበኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ጥርጡራትን “ብህልው ኩነታት” ከም ዝተታሕዙ ዝንግረሎም ብርክት ዝበሉ እሱራት ዝርከቡሉን ተደጋጋሚ ቅረታታት ካብ ዝቐርቡሎምን መደብራት ፖሊስ ንገለ ክትትል ከም ዝገበረ እቲ ኮምሽን ኣመልኪቱ።
እቲ ኮሚሽን ነቲ ዝረኸቦ ውጽኢት መርመራ ንዝምልከቶም ኣካላት ከም ዝሓበረን ምላሽ ክህቡሉ ከም ዝሓተተን’ውን ኣፍሊጡ።
ዋና ዓቃቢ ሕጊ ክልል ኦሮሚያ ነቶም ዝተገለጹ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልክት ምስ ኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሚያ ኮይኑ ጉጅለ ምርመራ ብምጥያሽ ናይ ምጽራይ ስራሕቲ ከምዘካየደ ገሊጹ።
ነቶም ዝተሓበሩ ጸገማት ብዘይምቕባል ድማ ዝርዝር ምላሽ ምሃቡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ ኣዘኻኺሩ’ሎ።
ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ
ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ምስ ዝተልዓለ ናዕብታት ብዝተኣሳሰር፡ ፖለቲካዊ መራሕቲ ሓዊሱ ኣስታት 10 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ኣብ’ቲ እዋን ተኣሲሮም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።
ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 22 ሰነ 2012 ድሕሪ ምቕታሉ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ናይ ኦሮሚያ ቦታታትን ብዘጋጠመ ናዕቢ፡ ህይወት ብዙሓት ጠፊኡን፡ ብዙሕ ንብረት ዓንዩን ተዘሚቱን እዩ።
ድሕሪ’ዚ ናዕብታት ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ንሰሙናት ተቛሪጹ ነይሩ።
ብሙዚቃ ኦሮሞ ልዑል ተፈታውነት ዝረኸበ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ብፍላይ ኣብ ተዛረብቲ ቋንቋ ኦሮሞ ልዑል ቦታ ዝወሃቦ እዩ።
እቲ ስነጥበባዊ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገላን ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ መኪንኡ እንከሎ እዩ ተቐቲሉ።
ብቕትለቱ ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ዝተገለጸ ኾይኑ፡ ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ይረኣይ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ።