ቅልውላው ኢትዮጵያ-ትግራይ ፡ ኣብ ማይካድራ ልዕሊ 600 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊጹ

ኣብ ማይካድራ ልዕሊ 600 ሰላማውያን ሰባት ብዘጋጠሞም መጥቃዕቲ ከምዝሞቱ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊጹ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ማይካድራን ከባቢኣን ኣፈናዊ መርመራ ድሕሪ ምክያዱ ኣብ ዘውጽኦ ፈላሚ ሪፖርት እዩ ከምኡ ኢሉ።

እቲ ቅድሚ ክልተ ሳምንታት፡ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እቲ ክልል ኣብ እትርከብ ከተማ ማይካድራ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝነበረ ምምሕዳር ትካላት ጸጥታን 'ሳምሪ' ብዝተባህለ ናይ መንእሰያት ጉጅለ ከምዝተፈጸመን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዘቕረቦ ሪፖርት ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ ኮሚሽን፡ እቲ ብምምሕዳር እቲ ካባብን እቲ 'ሳምሪ' ብዝተባህለ ጉጅለ ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ዘጋጠመ ቅትለትን ዕንወትን ብሓፈሽኡ እቲ ፍጻሜ " ግፍዕን ጭካኔን ዝተመልኦ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈጸመ ናይ ህልቂት ወንጀል እዩ" ክብል እቲ ኮሚሽን ገሊጹ።

እቲ ኮሚሽን፡ እዚ ዝለዓለ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ፡ " ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝተፈጸመ ናይ ኩናት ገበን ኪኸውን ከምዝኽእል" ኣመልኪቱ። ብዛዕብኡ ከኣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝርዝር ሓበሬታን ነቲ ገበን ዝገልጹ ናይ ሕግን ፍረ ነገር ትንተናን ኣብቲ ምሉእ ሪፖርት ኣጻርዩ ከምዘቕርብ ኣፍሊጡ።

እቲ ፍጻሜ፡ ኣብ ማይካድራ ዝነበረ ምሊሻን ፖሊስን ብመጥቃዕቲ ሰራዊት ፈደራል ተደፊኡ ቅድሚ ምውጽኡ "ሳምሪ ምስ ዝተባህለ ጉጅለ መንእሰያት ትግራይ ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን "ኣምሓሩን ወልቀቶትን" መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ የመልክት።

እቲ ጉጅለ " ገዛ ገዛ እናኸዱን ኣብቲ ጎደናታት ንዝረኸቡዎ ሰብ ብጭካነ ብምቕታል ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዶም" ክብል እቲ ኮሚሽን ገሊጹ።

ብተወሳኺ እቲ ኮሚሽን ዋላኳ "ሳምሪ" ዝተባህለ ጉጅለ መንእሰያት ትግራይ ኣብቲ ከቢድ ወንጀል እንተተሳተፈ፡ ብኣንጻሩ ተወለድቲ ብሄረሰብ ትግራይ እቲ ከባቢ ነቶም ዝህደኑ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ገዛውቶም፡ ቤተክርስትያንን ሕርሻታቶምን ብምሕባእ ከምዘድሓኑዎም" ንመሰኻኽር ብምጥቃስ ኣብ ሪፖርት ኣስፊሩዎ ኣሎ።

ድሕሪ እቲ ፍጻሜ ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጼን ገብረሚካኤል፡ መንግስቲ ትግራይ ነቲ ናይ ማይካድራ ተግባር ፈጺሙ ከምዘይወዓሎ ብምግላጽ፡ እቲ ተግባር ብናጻ ኣካል ክጻረን ገበነኛታት ኣብ ሕጊ ክቐርቡ ከምዝድግፍን ገሊጹ ነይሩ።

ብተወሳኺ ዋና ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶር ዳንኤል በቀለ " ኣብ ማይካድራ ብንኡስ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣብ ዓሌት ዝተመስረተ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ልቢ ዝትንክፍ አሕዛኒ ይኹን እምበር፡ ብኣንጻሩ ኢትዮጵያውያን ብብሄር ከይተፈላለዩ ነንሓድሕዶም ዘርኣዩዎ ሓልዮት ልቢ ዝፍውስ እዩ" ብምባል እቲ ተግባር ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ገሊጹዎ።

ይኹእ እምበር እቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምወል ትካል እዩ።

እቲ ኮሚሽነር በቲ መጥቃዕቲ ዝተጎድኡ ሰባትን ንብረትን ዳግም ከምዝጣየሱን " ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብቲ ከቢድ ወንጀል ዝተሳተፉ ሰባት በብደረጀኦም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱ ይግባእ" ኢሉ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብ30 ጥቅምቲ 2013 ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ማይካድራ ንዘጋጠመ መጥቃዕቲ መርመራ ብምክያድ ዘውጽኦ በዓል ሽዱሽተ ገጽ ፈላሚ መረዳእታ ሪፖርት እዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸምዎ ናይ ህወሓት ዕጡቓት እዮም እኳ እንተበሉ፡ ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ግን፡ እቲ ክሲ መሰረት የብሉን።

ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረ ሚካኤል፡ ''ኢድና ንጹህ እዩ'' ብምባል እቲ ጉዳይ ብናጻ ኣካል ተጻርዩ ገበነኛ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርብ ኣለዎ ክብል ንክሲ ኣቢይ ኣሕመድ ነጺጉዎ።

ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት አምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ቅድሚ ሳምንቲ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማይ ካድራ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ንነበርቲ ብምዝርራብ ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት "ኣብቲ ከተማ ብዲጂታል ክረጋገጽ ዝኸኣለ ሬሳታት ተደርብዩን፡ ብቃሬዛ ክውሰድን ዘርእዩ ዘስካሕክሕ ስእልታትን ቪድዮታትን" ከም ዝተዓዘበ፡ መሰኻኽር ዓይኒ "ብበላሕቲ ነገራት ናይ ካራን ጎዞሞን " ህራም ዘለዎም ሬሳታት ከም ዝተዓዘቡ ጸብጺቡ።

ገለ ካብቶም መሰኻኽር፡ እቲ መጥቃዕቲ ብሰራዊት ምክልኻል ዝተሳዕሩ ሓይልታት ህወሓት ከም ዝተፈጸመ እኳ እንተገለጹ ኣምኒስት ግን እቲ ጃምላዊ ቅትለት መን ከምዝፈጸሞ ከጻርዮ ከምዘይከኣለ ምሕባሩ ይዝከር።

ዳይረክተር ምብራቕን ደቡባውን ኣፍሪቃ እቲ ትካል ደፕሮስ ሙቸና፡ ነቲ ፍጻሜ "ዘስካሕክሕ ትራጂ" ክብል ድሕሪ ምግላጽ፡ መንግስቲ መስመር ቴለፎን ናብ ንቡር ክመልሶን፡ ተቖጻጸርቲ ክኣትዉ ከፍቅድን ተማሕጺኑ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ሚሼል ባችሌት ብወገና ኣብ ከተማ ማይካድራ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብኣሰቃቒ ኩነታት ተቐቲሎም ዝብል ሪፖርት ክጻረን " እቲ ቅትለት እንተተረጋጊጹ ከኣ ከም ናይ ኩናት ገበን ክረአ እዩ" ክትብል ኣጠንቂቓ።

ማሕበረ ሰብ ዓለም እቲ ቅትለት ብናጻ ኣካል ክጻረ ይግባእ እኳ እንተበሉ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ባዕላ ከተጻርዮ ዓቕሚ ኣለዋ ክብል መሊሱ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፌደራልን ሓይልታት ክልል ትግራይን ወተሃደራዊ ግጭት ድሕሪ ምግጣሙ እዩ ኣብ ምዕራብ ትግራይ፡ ከተማ ማይ ካድራ ዘጋጠመ ኣሰቃቒ ቅትለት ዘርኢ ቪድዮን ፎቶን ክዝርጋሕ ጀሚሩ።

አምነስቲ ኢንተርናሽናል ንነበርቲ ብምዝርራብ ብዛዕባ ሓቅነት እቲ ስእልታት ከምዘረጋገጸ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ። እንተኾነ፡ እቲ ቅትለት ብመን ከምዝተፈጸመ ከረጋግጽ ከምዘይከኣለ እውን ሓቢሩ ነይሩ።

ድሕሪ እቲ ፍጻሜ፡ ሕጂ ካብ መሰኻኽር ዓይኒ ጸኒሑ ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ ከምዘረጋግጾ ኣብ ማይ ካድራ ንነዊሕ ዓመታት ሓቢሮም ክነብሩ ዝጸንሑ ተጋሩን ኣምሓሩን ከምዝተቐትሉን፡ ብሕልና ዝግዝኡ ሰብኣውነት ዘለዎም ተወለድቲ ክልቲኡ ብሄራት ነንሓድሕዶም ከምዝተደጋገፉን ዘረድኡ ጸብጻባት ኣለው።