ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ሰብኣዊ ገበናት ተፈጺሞም ኢሉ

ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኦሮሚያ ብዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት፡ ሰብኣዊ ገበናት ከምዝተፈጸመ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ነቲ ፍጻመ ብዝምልከት ንኣዋርሕ ምጽራይ ከምዝገበረ እዩ ገሊጹ።

እቲ ጸብጻብ፡ ብውሕዱ ኣብ 40 ዝተፈላለዩ ቦታታት፡ ብጉጅለ ዝተወደቡ ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተንቀሳቐሱ ንሰላማውያን ብዘስካሕክሕ ኩነታት ከምዝቐተሉ፡ ኣካላውን ስኣእምሮኣውን ሃስያ ከምዘብጽሑ፣ ንብረት ከምዘዕነውን ነበርቲ ከምዘፈናቐሉን ይጠቅስ።

እቲ መጥቃዕትታት ድማ፡ ብክፋል ብሄርን ሃይማኖትን ዝፈለየ ምንባሩ ገሊጹ።

ኣቦ ሰለስተ ቆልዑ ዝነበረ ውሩይ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 22 ሰነ 2012 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገላን ኣብ ዝበሃል ከባቢ ከምዝተቐተለ ዝዝከር እዩ።

እቲ ኮሚሽን ከምዝብሎ፡ ኣብ’ቲ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት ስልታውን ዝተዋደደን መጥቃዕቲ እዮም ዝፍጽሙ ነይሮም፡ እቶም መጥቃዕትታት ድማ ‘ኣብ ሰብኣውነት ዝተፈጸመ ናይ ግፍዕን ጭካነን ገበን እዩ’ ይብል እቲ ጸብጻብ።

እቲ መንግስታዊ ኮሚሽን ወሲኹ ከምዝበሎ፡ ድሕሪ ሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ዝነበሩ ሰለስተ መዓልታት፡ ህይወት 123 ሰባት ክሓልፍ እንተሎ ብውሕዱ 500 ሰባት ድማ ኣካላዊ ጉድኣት በጺሕዎም።

ካብቶም ዝተቐተሉ እቶም 53 ብውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ዝተቐተሉ ኮይኖም፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ኣብ ልዕሊ 306 ሰባት'ውን ኣካላዊ ጉድኣት ኣብጺሖም ኢሉ እቲ ኮሚሽን።

76 ሰባት ድማ ብሓይልታት ጸጥታ ክቕተል እንተለዉ፡ ኣብ ልዕሊ 190 ሰባት ድማ ኣካላዊ ጉድኣት ኣብጺሖም።

ካብ’ዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ እዋን እቲ ናዕብታት፡ ብዘጋጠመ ምፍንጃር፣ ባርዕን ካልእ ሓደጋታትን፡ 12 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ካብ ምጥፋእ ህይወትን ምጉዳል ኣካልን ብተወሳኺ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም፡ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ፣ ትካላት ንግድን መንግስታዊ ንብረትን ድማ ዕንወትን ዘመተን ኣጋጢሙ ኢሉ እቲ ኮሚሽን።

ዘስካሕክሕ ፍጻመታት

እቶም ፈጸምቲ ጥቕዓት፡ ንሰባት ከምዝቐጥቀጡን ኣካላዊ ጥቕዓት ከምዘብጽሑን ዝገልጽ እቲ ጸብጻብ “ብፍጹም ጭካነ ዝተመልኦ ኣገባብ ብምስቓይን ብምሕራድን ሰባት ቀቲሎም” ክብል እቲ ተግባራት ኣብ መንበሪ ናይቶም ግዳያትን ኣብ ግዳምን ዝተፈጸመ ምንባሩ ኣብሪሁ።

ብተወሳኺ ድማ ነቶም ንግዳያትን ስድራ ግዳያትን “ብሄር መሰረት ዝገበሩ ጸርፍታት ይጻረፉ፣ የዋርዱን የፈራርሑን ነይሮም” ኢሉ። ባህርታት ናይቲ መጥቃዕቲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ ከምዝነበረ እቲ ጸብጻብ የረድእ።

ነዚ መጥቃዕትታት ቀዲምካ ኣብ ምክልኻልን ምስ ኣጋጠመ ድማ ደው ኣብ ምባልን፡ ተራ ኣኽበርቲ ጸጥታ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝፈላለ ከምዝነበረ እቲ ጸብጻብ የብርህ።

ኣብ ገለ ከባብታት፡ ሓይልታት ጸጥታ መጥቃዕትታት ንምክልኻልን ደው ንምባልን ከምዝሰርሑ ክግለጽ ከሎ፡ ኣብ ካልኦት ከባብታት ኸኣ ንዝመጸሎም ጻውዒት ሓገዝ መልሲ ኣይሃብሉን ተባሂሉ።

“ብላዕለዎት ኣይተኣዘዝናን፣ ናይ ውልቀ ሰባት ንብረት ሓልዉ ኣይተብሃልናን” ዝብል መልሲ ብምሃብ፡ ኣብ ገለ ከባብታት ፖሊስ መጥቃዕቲ እናረኣዩ ብስቕታ ሓሊፎምዎ ክብሉ፡ መሰኻኽር ዓይኒ “መንግስቲ ዘሎ ኣይመስልን ነይሩ” ብምባል ከምዝተዛረቡ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።

ኣጠቓቕማ ሓይሊ ኣባላት ፀጥታ

እቲ በብቦትኡ ዝተልዓለ ናዕብታት ንሓይልታት ጸጥታ በዳሂ ምንባሩ ዝገልጽ እቲ ጸብጻብ፡ እንተኾነ ኣብ ገለ ከባብታት ዝነበረ “ኣጠቓቕማ ሓይሊ ዓብዪ ሕቶ ዘልዕል እዩ” ኢሉ።

“ብኣባላት ጸጥታ ኣብ ርእሶም፣ ገንበሮም፣ ኣፍልቦምን ሕቖኦምን ብጥይት ተወቒዖም ዝተቐተሉ ሰባት” ከምዘለዉ ዝገልጽ እቲ ጸብጻብ፡ ካብቶም ግዳያት: ኣብ’ቲ ናዕቢ ዝኾነ ተሳትፎ ዘይነበሮም ሰባት፡ ኣብ መገድን ኣብ ኣፍ ደገ ገዝኦምን ከምዝተቐተሉ፡ ካብኣቶም ዓበይቲ ዓዲ፣ ህጻናትን ናይ ኣእምሮ ሕሙማትን ከምዝርከብዎም እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ገለ ኣብ’ቲ ናዕብታት ተሳትፎ ዝነበሮም ዕጥቂ ዝሓዙ፣ ጥይት ዝተኮሱን ቦምባ ዝደርበዩን ምንባሮምን፡ በዚ ድማ ኣባላት ጸጥታ ከምዝተቐትሉን ከምዝቖሰሉን ይገልጽ።

ነቲ ኣካላት ጸጥታ ዘብጽሕዎ ጉድኣት ተሓታትነት ንክህሉ ዝግበር ምጽራይ ብዛዕባ ምህላዉ “ክነረጋግጽ ኣይከኣልናን” ብምባል፡ ዝተወሰደ ስጉምቲ ዘመምህላዉ እቲ ኮሚሽን ይገልጽ።

ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ

ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ምስ ዝተልዓለ ናዕብታት ብዝተኣሳሰር፡ ፖለቲካዊ መራሕቲ ሓዊሱ ኣስታት 10 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ኣብ’ቲ እዋን ተኣሲሮም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።

ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 22 ሰነ 2012 ድሕሪ ምቕታሉ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ናይ ኦሮሚያ ቦታታትን ብዘጋጠመ ናዕቢ፡ ህይወት ብዙሓት ጠፊኡን፡ ብዙሕ ንብረት ዓንዩን ተዘሚቱን እዩ።

ድሕሪ’ዚ ናዕብታት ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ንሰሙናት ተቛሪጹ ነይሩ።

ብሙዚቃ ኦሮሞ ልዑል ተፈታውነት ዝረኸበ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ብፍላይ ኣብ ተዛረብቲ ቋንቋ ኦሮሞ ልዑል ቦታ ዝወሃቦ እዩ።

እቲ ስነጥበባዊ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገላን ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ መኪንኡ እንከሎ እዩ ተቐቲሉ።

ብቕትለቱ ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ዝተገለጸ ኾይኑ፡ ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ይረኣይ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ።