ድሕሪ ሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ኦሮምያ ከባቢ ኣርሲ እንታይ’ዩ ተፈጢሩ?

ሙዚቀኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ 22 ሰነ 2012 ዓ.ም አማስዩ፡ መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ምስተቐትለ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ከተማታት ኦሮምያን ተቓውሞታት ተልዒሎም።

ብሰንኪ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባትን ንብረት ጉድኣት በጺሑ።

ብፍላይ ኣብ ዞባ ኣርሲ ብዝተፈጥረ ጎንጺ፡ 23 ሰባት እንትሞቱ ብርክት ዝበለ ንብረት ከምዝዓነወ፡ ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ፡ ኣቶ ጀማል ኣልዩ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብታ ዞባ ካብ ዘለው 28 ወረዳታት ኣብ ሓሙሽቲአን እቲ ጸገም ከምዘተርአየ እቲ ኣማሓዳሪ ይዛረብ። ካብቶም ዝሞቱ ሰባት፡ ሓደ ሚሊሻን ሓደ ፖሊስን ይርከብዎም።

እቲ ኣማሓዳሪ፡ እቲ ጎንጺ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ከምዘይነበረ እንተተዛረበ'ኳ፡ ግዳያት ግን፡ ብሰንኪ እምነቶምን መንነቶምን ከምዝተጠቕዑ እዮም ዝዛረቡ።

ቢቢሲ፡ ናይቶም ምንጭታት ስም ምእንተ ውሕስነቶም ንዘይምጽራሕ ወሲኑ ኣሎ።

ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰለስተ ኣባላት ስድራ

ኣብ ዞባ ኣርሲ፡ ቀርሳ ሙኔሳ ኣብ ዝተብሃለት ከባቢ፡ ሓደ ወዲ፡ ወዲ ሓፍትንኡ፣ ወዱን ሓማቱን ከምዝሰኣነ ይዛረብ። ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝርከባ ቁሸታት፡ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሐ ወሲኹ ይዛረብ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ፡ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ዝተቐተለሉ ዕለተ ሰኑይ ምሸት እዩ።

"ገጾም ሸፊኖም እዮም ነይሮም። በሪ ኣንኳሕዂሖም፡ ነቲ ዝደልይዎ ሰብ ብስም እናጸውዑ ይወስዱ ነይሮም" ብምባል ጎዞሞ፣ ካራን ብረትን ዝሓዙ ከምዝርከብዎም እቶም ነበርቲ ይዛረቡ።

ኣብቲ ከባቢ ሰለስተ ሰባት ብጎጆሞን ብጥይትን ከምዝተቐትሉ ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ክልተ ድማ ከቢድ ጉድኣት በጺሕዎም ኣብ ሆስፒታል ኣትዮም ከምዝርከቡ ይዛረቡ።

ነቶም ክልተ፡ ሞይቶም ኢሎም ከምዝገደፍዎም እዮም ዝዛረቡ። ብጽባሒትኡ፡ ፖሊስ ናብቲ ከባቢ ተንቀሳቒሱ ዘረጋገዐ እንተኾነ'ኳ፡ እቲ ጎንጺ ተመሊሱ ከምዝቐጸለ እዮም ዝዛረቡ።

ነበርቲ ሙኔሳ፡ ገብርኤል ናብ ዝበሃል ከባቢ ሃዲሞም ከምዝነበሩን፡ ንብረቶም ከምዝተዘመተን ገዛውቶም ድማ ከምዝተባርዐን ይዛረቡ።

ኣብ እዋን ቀብሪ ከይተረፈ መጥቃዕቲ በጺሑና -ይብሉ።

እንተኾነ ድሕሪ ዕለተ ቀዳም፡ ኣብቲ ከባቢ ፖሊስ ብስሩዕ ስለዝተመደበሉ እቶም ገዛውቶም ገዲፎም ሃዲሞም ዝነበሩ'ውን በቲ ምምሕዳር ክምለሱ ይግበሩ ከምዘለዉ እዮም ዝገልጹ።

ዴራ

ኣብ ኣርሲ ከተማ ዴራ ድማ፡ ሓደ ኣብቲ ዕለት ካብ ኣዳማ ዝመጽአ መንእሰይ ወዶም ከምዝተቐትሎም ዝዛረቡ ግዳይ፡ ካልእ ወዶም ድማ መስበርትን መቑሰልትን ከምዝበጽሖ ይዛረቡ።

ኣብቲ ናይ ሃጫሉ ቅትለት ዝተሰምዐሉ መዓልቲ፡ ረብሻ ተልዒሉ ከምዝነበረን፡ ንብረቶም ከምዝተዘመተን፡ ገዛውቶም ከምዝተባርዐን ይዛረቡ።

ብሐፈሻ፡ ልዕሊ 300 ገዛውቲ ከምዝተቓጸሉን፡ ልዕሊ 50 ዝኾኑ ሰባት ኣብ ቤተ ክርስትያን ተሓቢኦም ከምዝርከቡን ይዛረቡ።

ኣብዛ ንእሽቶ ከተማ ዴራ፡ ሓይልታት ጸጥታ እንተሃለዉ'ኳ ካብቲ ምምሕዳር ኣወንታዊ ምላሽ ከምዘይረኸቡ ይዛረቡ።

እቲ ጎንጺ ሃይማኖታዊ መልክዕ ዝሓዘ ከምዝነበረ ድማ ይዛረቡ። ኣብያተ ምግቢ፣ እንዳመጥሓን፣ ሆቴላትን እንዳስጋን ዝኣመሰሉ ከምዝተባርዑ'ውን ይገልጹ።

ኣርሲ ነገሌ

ቢቢሲ ዘዘራረባ፡ ኣብ ኣርሲ ነገሌ መንበሪ ገዛን እንዳ ንግድን ዝነበራ ኣደ ክልተ ቖልዑ ጓኣነስተይቲ፡ ስብኣያ ከምዝተቐትለን ንብረታ ከምዝተዘመተን ትዛረብ።

ኣብቲ ቁሸት፡ ዓሰርተ መደቀሲ ክፍሊታት ዘለዎ ግሮሰሪ ነይርዋ። ገዛኣ ድማ፡ ኣብቲ ጥቕኡ ከምዝኾነ እትዛረብ እዛ ሰበይቲ፡ "ቅድሚ ሕዚ'ውን ዝፍክሩልና ሰባት ነይሮም" ትብል።

እቲ ረብሻ ምስተሰምዐ ገዘኦም ዓጽዮም ኮፍ ኢሎም እንተነበሩ'ኳ፡ "ሆ ኢሎም መጺኦም በሪ ደርጒሖም ኣጥቂዖምና" ትብል።

ስብኣያን ክልተ ሰራሕተኛታታን ተቐቲሎምዋ። ካልእ "ስለምንታይ ከምኡ ትገብሩ?" ኢሉ ዝሓተተ ጎረበት ድማ ከምዝተቐትለ ትዛረብ።

"ህይወተይ ኣብቲ ከባቢ ብዝርከቡ ኣካላት ጸጥታ እያ ተሪፋ" ትብል። ስብኣያ ብዘስካሕኽሕ ኩነታት ከምዝተቐትለ፡ ድማ ብወረ እያ ሰሚዓ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣብ እንዳ ሰባት ኣዕቑባ ከምዘላ እትዛረብ እዛ ግዳይ፡ ሕዚ'ውን ምፍርራሓት ከምዘሎን ደቃ ገዲፋ ናብ እትኸዶ ከምዝጨነቓን ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ወዲ 11 ዓመት ህጻን ከይተረፈ፡ ከምዝተቐትለ እዮም እቶም ነበርቲ ዝዛረቡ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ኣርሲ ኣቶ ጀማል፡ ኣብቲ ከባቢ ዝበጽሐ ጉድኣትን፡ ዝዓነወ ንብረትን ዘጻሪ ኮሚቴ ከምዘቖመ ንቢቢሲ ገሊጹ።