ቅልውላው ትግራይ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩናት ንምግታእ ዲፕሎማስያዊ ኣማራፅታት ክጥቀም ፃውዒት ቀሪቡ

ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩናት ደው ንምባል ብዝከኣሎ ኩሉ ዲፕሎማስያዊ ኣማራፅታት ንክጥቀም ፀዊዑ።

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ኩናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ደው ንምባል ሓላፍነት ከምዘለዎ ባይቶ እታ ሃገር ገሊፁ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር “ሕጊ ንምኽባር” ብዝብል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣወጆ ኩናት ኣስታት ሽድሽተ ወርሒ ኣቑፂሩ ኣሎ።

ዋላ’ኳ መንግስቲ እታ ሃገር ንርእሰ ከተማ ትግራይ ምስተቖፃፀረ እቲ “ዘካይዶ ስርሒት” ከምዝዛዘመ እንተገለፀ፡ ሕዚ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ኩናት ይቕፅል ከምዘሎ ዝተፈላለዩ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ኣፍሊጦም እዮም።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኩናት 2 ነጥቢ 2 ሚልየን ሰባት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ኮይኖም፡ 4 ነጥቢ 2 ሚልየን ሰባት ድማ ህፁፅ ሓገዝ የድልዮም።

ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ካብ ሓይልታት መንግስቲ እታ ሃገር ብተወሳኺ፡ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ምስታፎም ይፍለጥ።

ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ እንታይ’ዩ ኢሉ?

ጠንቂ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብቲ ክልል ዘሎ ጎንፂ ከምዝኾነ እቲ ባይቶ ሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ ይካየድ ብዘሎ ውግእ ምኽንያት፡ ሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብ ንዝግበር ፃዕሪ ከምዘተዓናቐፎ እቲ ባይቶ ገሊፁ።

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ኩናት ንምግታእ ብዝከኣሎ ኩሉ ዲፕሎማስያዊ ኣማራፅታት ክጥቀም ድማ ፀዊዑ።

እቲ ባይቶ፡ እቲ ኩናት ደው ንክብል፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ሕቡራት መንግስታት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ኩናት ተሳተፍቲ ምስ ዝኾኑ ኣካላትን ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ክሰርሕ ይግባእ ኢሉ።

ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ ወግዓዊ ዝገበሮ ሪፖርት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝፍፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ፆታዊ መጥቃዕትን ከምዘሕዘኖ ብምግላፅ፤ እቲ ገበን ብምርማር ነዚ ዝፈፀሙ ኣካላት ተሓተትቲ ክኾኑ ይግባእ ኢሉ።

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ እቶም ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ብዘይሻራዊ ኣካል ክፃረን፡ ገበነኛታት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡን ክተሓባበር እቲ ባይቶ ኣገንዚቡ።

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዜጋታት ካብ ገበናት ኵናትን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ካብ ዝፍፀሙ ገበናትን ናይ ምሕላው ግቡእ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ንመንግስቲ እታ ሃገር ከገንዝብ ፀዊዑ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕነት ዜጋታታቱ ንምውሓስ ስጉምቲ ዘይወስድ ኮይኑ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ‘ጄኖሳይድ ኮኔክሽን’ መሰረት ብምግባር፡ ሓላፍነት ናይ ምውሳድ ግቡእ ከምዘለዎ ክፈልጥ ይግባእ ኢሉ።

እቲ ባይቶ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ብግቡእ ተመርሚሮም፡ ነዚ ተግባር ዝፈፀሙ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ንክሰርሕ ፀዊዑ።

ትካላት ረድኤት ኣብ ትግራይን ጎረባብቲ ክልላትን መዓልታዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ኣካላት ክበፅሓ፡ ዘይድሩት ምንቅስቓስ ክህልወን፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክሰርሕ’ውን ሓቲቱ።

ነዚ ድማ እቲ ኩናት ደው ኢሉ፡ ሰላማዊ መገዲ ንምንዳይ ብዲፕሎማስያዊ ፃዕርታት ምድጋፍ ከምዘድሊ እቲ ባይቶ ኣአንፊቱ።

እቲ ኣብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ኩናት ብዝቐፀለ ቁፅቲ፡ ኣብቲ ዞባ ንዝርከባ ሃገራት ከምዝፀልወን ዝገለፀ እቲ ሪፖርት፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ንተካይዶ ስራሕቲ ልምዓት’ውን ፅልዋ ከምዝህልዎ ገሊፁ።