እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝጸንሑ 97 ግብጻውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዝተፈትሑ ተገሊጹ
ኣስታት 100 ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ግብጻውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዝተፈትሑ ማዕከናት ዜና ግብጺ ሓቢረን።
እቶም ትማሊ ሰንበት ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ምዃኖም እቶም ጸብጻባት ጠቒሶም። ጠንቂ ማእሰርቶም ኣብ ማያት ኤርትራ ክገፉ ብምርካቦም'ዩ ተባሂሉ።
ይኹን እምበር፡ ኤርትራ ብዛዕባ ማእሰርቶም ይኹን ምፍትሖም ዝሃበቶ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።
ኣል-ኣሕራም ዝተባህለት ሓውሲ-መንግስታዊት ጋዜጣ ኣብ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ፡ "ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኣስታት 100 ግብጻውያን ገፈፍቲ ዓሳ፡ ብሰንበት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም" ክብል፡ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ብምጥቃስ ሓቢሩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሳምሕ ሽኩሪ ምስ ኤርትራዊ መዘናኡ ዑስማን ሳልሕ ብቴለፎን ምርኻቡን፡ ንምፍትሖም ንኣዋርሕ ዝወሰደ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ክካየድ ምጽንሑ'ውን ጠቒሱ።
'ኢጂፕት ኢንድፐንደንት' ዝተባህለ ናይ መርበብ ማዕከን ዜና ብወገኑ፡ እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ሰለስተ ጀላቡ ብምዃን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ክሊ ማያት ኤርትራ ክገፉ ከምዝተታሕዙ ገሊጹ።
"ስድራቤታት እቶም ገፈፍቲ ዓሳ፡ ንምፍትሖም ሓደ ህዝባዊ ሽማገለ ብምቛም፡ ንኩሎም ዝምልከቶም ሰብመዚ ረኺቦሞም" ክብል'ውን ንሓደ ጠበቓ ብምጥቃስ ጸብጺቡ።
ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ግብጺ ኣብቲ ንምፍትሖም ዝተገብረ ጻዕርታት ተራ ከምዝነበሮ'ውን እቶም ማዕከናት ዜና ሓቢሮም።
ገፈፍቲ ዓሳ ግብጺ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ካብ ክሊ ማያት ሃገሮም ወጻኢ ክገፉ ተረኺቦም ክእሰሩ እዚ ናይ ፈለማ እዋን ኣይኮነን።