ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ምስ ሰበስልጣን ግብጺ ብዛዕባ ኩነታት ኢትዮጵያ ተዘራሪቡ

ብሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ርእሰከተማ ካይሮ ምስ ሰበ ስልጣን ግብጺ ተራኺቡ።

ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን፡ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ከም ዝተዘራረቡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ብትዊተር ሓቢሩ።

ብዛዕባ ክልትኣዊ ዝምድናታቶም'ውን ከም ዝተላዘቡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ተዛሪቡ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት'ውን ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ምስ ሰበስልጣን ሱዳን ብምርኻብ ኣብ ተመሳሰልቲ ዛዕባታት ተዘራሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ 9 ኣብ ትግራይ ዝጸንሑ ግብጻውያን ብሰላም ወጺኦም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣተዉ ኣምባሳደር ግብጺ ኣብ ኢትዮጵያ ብትዊተር ሓቢሩ።

እቶም ግብጻውያን ብኸመይ ከም ዝወጹ'ኳ ብንጹር እንተዘይገለጸ፡ ኣብ ጽሕፉ ንሕቡራት ሃገራት ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን፡ ሰብ መዚ ኢትዮጵያን ዘለዎ ምስጋና ገሊጹ'ሎ።

ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት፡ ካብን ናብን እቲ ክልል ዝግበር ምንቅስቓስ ተቛሪጹ ይርከብ።

መንግስቲ ፈደራልን ሰብመዚ እቲ ክልልን ኣብቲ ክልል ህጹጽ እዋን ኣዊጆም ምህላዎም ይዝከር።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፡ ንፈለማ ግዜ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ንሱ፡ ነቲ ህወሓት ዝገብሮ ዘሎ ዝበሎ "ተግባራት" ምቅላሕ ትርጉም የብሉን ክብል ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣስመራ ናይ ሚሳይላት መጥቃዕቲ ኣካይዶም ነይሮም።

ህወሓት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዶብ መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈተ'ኳ እንተተዛረቡ፡ ሰበስልጣን ኤርትራ ግን ክነጽግዎ ጸኒሖም ኣለዉ።