ኣብ ሜክሲኮ ኣዘዋወርቲ ዕጸፋርስ ድሮን ብምጥቃም ናብ ፖሊስ ብዝደርበዩዎ ቦምባ ክልተ ቆሲሎም

ሓይልተት ጸጥታ ነቲ ናብ ኣጊሊላ ዝወስድ ጽርጊያ እንጽረዩ

ምንጪ ስእሊ, Michoacán State Security Department

መግለጺ ስእሊ, ናብ ከተማ ኣጊሊላ ዝወስድ ጽርጊያ በቲ ጉጁለ ኣዘዋዋሪ ዕጸፋርስ ተዓጽዩ እዩ

ኣብ ሜክሲኮ ጥርጡራት ገበነኛታት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት (ድሮን) ብምጥቃም ናብ ፖሊስ ተባራዒ ነገራት ድሕሪ ምድርባዮም ክልተ ፖሊስ ቆሲሎም።

ብድሕሪ እቲ ብሰሉስ ኣብ ምዕራብ ዞባ ሚኮካን ዝተፈጸመ ገበን፡ ዕሉል ጉጅለ ኣዘዋዋሪ ዕጸፋርስ ጃሊስኮ ኒው ጀነሬሽን ካርተል ክህልው ከም ዝኽእል ሰብ መዚ ይጥርጥሩ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክልተ ዝተዋደዳ ዕንዝራ[ድሮን] ኣብ መኪና ናይ ሓደ ኣባል እቲ ጉጅለ ምዃኑ ዝተጠርጠረ ሰብ ተረኺቡ ነይሩ።

እቶም ዕንዝራታት ኣብቲ ኣብ መንጎ እቲ ኣዘዋዋሪ ዕጸፋርስን ሓይልታተ ጸጥታን ዝግበር ኲናት ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉ ምዕቡላት ኣጽዋር ምዃኖም ይግመት።

ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝርዝር ሓበሬታ እኳ እንተዘይተዋህበ፡ እቲ ጉጅለ ክልተ ዕንዝራ ከም እተጠቀመ መራኸቢ ብዙሓን ጸብጺበን።

እተን ነቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ኣብ ጥቕሚ ዝወዓላ ዕንዝራታት ምስተን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ መኪና ዝተረኽባ ተመሳሰልቲ ምዃነን ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ዝተረኽባ ዕንዝራታት ካብ ጎማ ዝተሰርሐ ዝፍንጀር መትሓዚ ዝተገጥመን ኮይነን ተፈንጃሪ ክቢ ቅርጺ ዘለዎም ዓረር መሊአን ኔረን።

ክኢላታት ከም ዝሓበሩዎ እቶም ዕንዝራታት ብሩሕቕ ንምፍንጃር ዝተዋደዱ ኮይኖም ከቢድ ጉድኣት ከስዕቡ ይኽእሉ።

እቶም ብሰሉስ ዝቖሰሉ ኣባላት ፖሊስ፡ እቲ ናብ ከተማ ኣጉሊላ ዝወስድ መገዲ በቲ ኣዘዋዋሪ ዕጸፋርስ ድሕሪ ምዕጻው ከኽፍትዎ ናብቲ ከባቢ ዝተንቀሳቐሱ እዮም ነይሮም።

ኣብ መንጎ ጃሊስኮ ኒው ጀነሬሽን ካርተልን መቐናቕንቱ ዩናይትድ ካርተልን ነታ ከተማ ንምቁጽጻር ብዝግበር ቃልሲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ነበርቲ እታ ከተማ ሃዲሞም እዮም።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ሸሞንተ ዝተቆራረጸ ኣስከሬናት ኣብቲ ከባቢ ተረኺቡ እዩ።