እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ዴንማርክ ክታበት ኣስትራዜኔካ ምሃብ ምሉእ ንምሉእ ኣቋሪጻ
ፈላመይቲ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣስትራዜኔካ ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ረብሓ ከተውዕል ዝጀመረት ኤውሮጳዊት ሃገር ዴንማርክ፡ ኣብዚ እዋን ሙሉእ ንሙሉእ እቲ ክታበት ደው ኣቢላቶ።
እዚ ስጉምቲ፡ ንፕሮግራም ክታበት እታ ሃገር ንውሕ ንዝበሉ ሳምንታት ከደናጉዮ'ዩ ተባሂሉ ኣሎ።
ኤጀንሲ ምቁጽጻር ኣፋውስ ኤውሮጳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ክታበት ምርጋእ ደም ዘስዕብ እኳ እንተኾነ ብኮቪድ-19 ምምዋት ግን እቲ ዝለዓለ ሓደጋ እዩ ኢሉ ነይሩ።
ዴንማርክ ኣብ ወርሒ መጋቢት ክታበት ኣስትራዘኔካ ምጥቃም ክተሰጋግሮ እንከላ፡ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ ስዒበንኣ።
ኣብዚ እዋን ከኣ ውሑዳት ዕድመ ኣብ ግምት ዘእተወ ክታበት ክህባ ጀሚረን ኣለዋ።
ኣስትራ ዘኔካን ጆንሰን ኤንድ ጆንሰንን ክልቲኦም ሓሓሊፉ ዘጋጥም ምርጋእ ደም ዘምጽእ ጎናዊ ሳዕቤን ኣለዎም።
ክልቲኦም ክታበታት ከኣ 'ኣዴኖቫይራል ቬክተርስ' ብዝብሃል ተመሳሳሊ መገዲ ዝተሰርሑ'ዮም።
ሰብ መዚ ዴንማርክ ተወሳኺ መብርሂ ክሳብ ዝወሃብ ኩሉ 2.4 ሚሊዮን ክታበት ኣስትራዘኔካ ጠጠው ክብል'ዩ ኢሎም።
ድሮ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ቼክ ሪፐብሊክ ጃን ሃምሴክ ኣምባሳደር ሃገሩ ኣብ ዴንማርክ እቲ ዴንማርክ ዘይትጥቀሞ 2.4 ሚሊየን ክታበት ኣስትራዘኔካ ንክዕድጎ ጻዕሪ ክገብር መምርሒ ከም ዝሃቦ ኣፍሊጡ።
እቲ ክታበት ትጽቢት ካብ ዝተገብረሉ ንላዕሊ ምርጋእ ደም ከስዕብ ከም ዝኽእል መጽናዕታት ኣርእዮምና'ዮም ዝበሉ ሰብ መዚ ጥዕና ዴንማርክ፡ እዚ ከኣ ካብ 40 ሽሕ ሰባት ኣብ ሓደ ዝተራእየ'ዩ ኢሎም።
ኣብታ ሃገር ነቲ ክታበት ዝወሰዳ ጓል 60 ዓመት ሰበይቲ ምርጋእ ደም ኣጋጢሙወን ከም ዝሞታ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
ዳይሬክተር ጀነራል በዓል መዚ ጥዕና ዴንማር ሶሬን ብሮስቶርም "ከቢድ ውሳነ" እንተኾነ'ውን ሕጂ እቲ ለበዳ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ'ዩ፤ ብተወሳኺ ዴንማርክ ካልእ ክታበት ኣለዋ'ዩ ኢሉ።
"እቶም ድሕሪ ሕጂ ክታበት ክወስዱ ኣብ ግምት እነእትዎም ብኮሮናቫይረስ ኣዝዮም ዝሓመሙ ናይ ምዃን ተኽእሎ ዝተሓተ'ዩ" እውን ኢሉ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት ሓደ ሚሊየን ህዝቢ ዴንማርክ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝወሰደ ኮይኑ፡ እቶም 150 ሽሕ ኣስትራዜኔካ እዮም ወሲዶም።
ፒፋይዘር/ባዮንቴክን ሞዴርናን'ውን ኣብ ጥቕሚ ውዒሎም።
ድሕሪ ውሳነ ዴንማርክ፡ ፈረንሳ ኣስትራዜኔካ ኣገዳሲ ክታበት'ዩ ኢላ።
"እቲ ክታበት ውሑስን ግብራውን ስለ ዝኾነ ምጥቃም ኣገዳሲ'ዩ" ኢሉ ወሃቢ ቃል መንግስቲ እታ ሃገር።
እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ፈረንሳ ልዕሊ 55 ዓመት ንዝኾኑ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ክትህብ እያ ኢሉ። እታ ሃገር 200 ሽሕ ክታበት በጺሑዋ ኣሎ።
ቤልጅም'ውን ክታበት ምሃብ ከም እትቕጽል ክትገልጽ እንከላ፡ ግሪኽን ጥልያንን ግን ከም ዘይኸትባ ገሊጸን።
ክሳብ ሕጂ 27 ሚሊየን ህዝቢ ሕብረት ኤውሮጳ ሙሉእ ክታበት ወሲዱ ኣሎ።