ሩስያ፡ ታሪኻዊ ፋብሪካ ብባርዕ ሓዊ ዓንዩ

ኣብ ሩስያ ከተማ ሰይንት ፒተርስበርግ ኣብ ዝርከብ ሓደ ታሪኻዊ ፋብሪካ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓደ ሰራሕተኛ ኣጥፋእቲ ሓዊ ክመውት እንከሎ ክልተ ከኣ ብኸቢድ ቆሲሎም።

እቲ ባርዕ ብሰኑይ ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት 12:30 ቀትሪ'ዩ ጀሚሩ።

በቲ ዝነበረ ብርቱዕ ንፋስ ተሓጊዙ ከኣ ኣብ ሽዱሽተ ደርብታት ታሪኻዊ ፋብሪካ ነቭስካያ ማኑፋኩትራ ክልሕም ግዜ ኣይወሰደሉን።

ካብቲ ፋብሪካ ዝወጽእ ዝነበረ ትክን ባርዕን ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ከተማ ሰይንት ፔተርስበርግ ኮይንካ ይረአ ነይሩ።

እቲ ኣብ 1841 ዝተመስረተ ፋብሪካ ዓለባ ነቭስካያ ማኑፋኩትራ፡ ከተማ ሰይንት ፔተርስበርግ ካብ ትልለየሎም ታሪኻዊ ህንጻ ኮይኑ ብጥንታውነቱ ከኣ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ።

እቲ ሓደጋ ባርዕ ምስ ጀመረ 40 ሰራሕተኛታት ካብ ውሽጢ እቲ ፋብሪካ ብሓገዝ ኣጥፋእቲ ሓዊ ከም ዝወጽኡን፡ ድሕሪ ምውጽኦም ድማ ናሕሲ ናይቲ ፋብሪካ በቲ ባርዕ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተሃሞኸን ሚኒስተር ሓደጋታት ሩስያ ገሊጹ።

እቲ ሚኒሰትር ብምስዓብ ነቲ ኣብቲ ፋብሪካ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ንምጥፋእ 300 ሰራሕተኛታት ኣጥፋእቲ ሓዊ ከም ዝተሳተፉ ገሊጹ።

ኣብታ ኣብ ሩስያ ብዕብየታ ካልኣይቲ ዝኾነት ከተማ ሰይንት ፔተርስበርግ ተዶኵኑ ዝርከብ ፋብሪካ ዓለባ ነቭስካያ ማኑፋኩትራ፡ ካብ ዝተተኸለሉ 1841 ጀሚሩ ክሳብ ምውዳቕ ሕብረት ሶቬት ብመንግስቲ እዩ ዝመሓደር ነይሩ።

ኣብ 1992 ግን መንግስቲ ሩስያ ብዘተኣታተዎ ሓዲሽ ሕጊ ሓደ ውልቀ ሰብ ገዚኡ ክሰርሓሉ ጸኒሑ።

እቲ ዓቢ ህንጻ እቲ ዝበዝሐ ክፋሉ ከም ፋብሪካ ዓለባ ዘገልግል ኮይኑ ገለ ክፋሉ ኸኣ ቤት ጽሕፈት ኮይኑ ንከገልግል ተኻርዩ ምንባሩ ኤኤፍፒ ይሕብር።

እቲ ፋብሪካ ኣብ 2001 ኣብ መዝገብ ጥንታውያን ሓድግታት ከተማ ሰይንት ፒተርበርግ ተመዝጊቡ እታ ከተማ ካብ ትንየተሎም ታሪኻውያን ህንጻታት እዩ።

ፖሊስ ሩስያ ጠንቂ እቲ ባርዕ ንምፍላጥ መርመራ ጀሚሮም ምህላዎም ገሊጾም።