እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከተማ ነቀምት ናብ ሆቴል ብዝተደርበየ ናይ ኢድ ቦምባ ህይወት ሰብ ጠፊኡ
ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ እትርከብ ከተማ ነቀምት ብ2 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ናብ ሓደ ሆቴል ብዝተደርበየ ናይ ኢድ ቦምባ ህይወት ሓንቲ ውልቀሰብ ክጠፍእ እንከሎ ዓሰርተ ሰባት ኣካላዊ መጉዳእቲ በጺሑዎም።
እቲ ቦምባ ኣብቲ ሆቴል ናብ ዝነበሩ ሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተደርበየ'ውን ተገሊጹ።
ኣዛዚ ሬጅመንት ፍሉይ ሓይሊ ነቀምት ኮማንደር ግርማ ኣብዲሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ካብ ሞንጎ እቶም ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባት እቶም ኣርባዕተ ኣባላት ጸጥታ ከም ዝኾኑን እቶም ሽዱሽተ ከኣ 'ሰለማውያን ሰባት' ምዃኖም ገሊጹ።
እቲ ኮማንደር እቲ መጥቃዕቲ ብ2 ሚያዝያ ከምዝተፈጸመን እቲ ሆቴል ብውልቀሰብ ዝውነን ምዃኑን ገሊጹ።
ብምስዓብ "እቶም ሓይልታት ጸጥታ ናይ ስቪል ክዳን ተኸዲኖም ኣገልግሎት እቲ ሆቴል ይረኽቡ ነይሮም። በቲ መጥቃዕቲ ዓሰርተ ሰብ'ዩ ጉድኣት በጺሑዎ" ኢሉ።
በቲ መጥቃዕቲ ህይወታ ዝሓለፈ ውልቀሰብ ኣብቲ ሆቴል ዝነበረት ስቪል ምዃና'ውን ኣረጋጊጹ።
እዚ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ'ዮም ፈጺሞምዎ ዝብል ኮማንደር ግርማ፡ "ካልእ ዝጥርጠር ኣካል የለን፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኦነግ ሸኔ ጸላኢ ህዝቢ ኦሮሞ'ዩ። እዚ ርግጸኛ ኮይነ ዝዛረቦ'ዩ። ቅድሚ ሕጂ ቦምባ ብምድርባይ፣ ጥይት ብምትኳስ ሰብ ዝቐትሉ ዝነበሩ ንሳቶም'ዮም" ይብል።
ምስዚ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ድማ ብርክት ዝበሉ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዝውዓሉ እቲ ኣዛዚ ሓቢሩ።
"ካብ ቀዳም ምሸት ጀሚሩ ብዙሓት ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣእቲና ኢና። ተታሒዞም ዝወጽኡ'ውን ኣለው፤ ገና እንደልዮም ሰባት'ውን ኣለው" ኢሉ።
መንግስትን ኣካላት ጸጥታን ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ንዝፍጸሙ መጥቃዕታት ተሓታቲ ዝገብሩዎ ኦነግ ሸኔ፡ ንርእሱ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ኮይኑ ኣብቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዝበጽሕ መጥቃዕታት ሽሙ ብተደጋጋሚ ይለዓል።
ኣብ ቀረባ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ብዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ብዙሓት ሰባት ምሟቶም ይዝከር።