እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ልኡል ፍሊፕ፡ ቢቢሲ ንሞት ልኡል ፍሊፕ ብዝሃቦ ሸፈነ ሚኢቲ ሽሕ ጥርዓናት በጺሕዎ
ድሕሪ ሞት መስፍን ኤደንብራ ልኡል ፍሊፕ፡ ቢቢሲ ዝሃቦ ሸፈነ ክሳብ ሕጂ 100 ሽሕ ጥርዓናት ከም ዝተቐበለ ጋዜጣ ዘ ሳን ጸብጺቡ።
ብዓርቢ፡ ልኡል ፍሊፕ ኣብ መበል 99 ዓመቶም ሞይቶም ዝብል ዜና ምስ ተሰምዐ፡ ቢቢሲ ኩሎም ፕሮግራማቱ ኣጥፊኡን ቀይሩን'ዩ።
ኢስት ኢንደርስን ማስተር ሼፍን ዝተባህሉ ፕሮግራማት ቢቢሲ፡ ብዜና ዕረፍቲ እቶም ልኡል ክትክኡ እንከለው፡ ከም ቢቢሲ-4 ዝበሉ ፕሮግራማቱ'ውን ጠቕሊሎም ካብ ፈነወ ወጻኢ ኮይኖም።
ቢቢሲ ግን "ነቶም ልኡል ብዝሃብኩዎ ሸፈነ ሕቡን'የ። ንሃገርና ወሳኒት ኣብ ዝኾነት ዕለት ዘበርከትኩዎ ግደ ከኣ ዝምስገን'ዩ" ኢሉ።
ይኹን'ምበር ክንደይ ዝኣክል ጥርዓናት ቀሪቦምሉ ኣብ ዝብል ዝሃቦ ርኢይቶ የለን። ብዝሒ እቶም ዝቐረቡሉ ጥርዓናት ሓሙስ ኣብ ዜና ከም ዝቐርብ ግን ሓቢሩ።
ቢቢሲ ብሸፈነ ዜና ሞት እቶም ልኡል 100 ሽሕ ጥርዓናት ምትእንጋዱ ግን፡ ኣብ ታሪኽ ቢቢሲ እቲ ዝለዓለ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ብ2005 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጄሪ ስፕሪንገር ዘ ኦፔራ ዝተባህለ ፕሮግራም ቢቢሲ 63 ሽሕ ጥርዓናት ት ክቐርብሉ እንከለው፡ ብ2008 ድማ ረስል ብራንድ ዝተባህለ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ንተዋሳኢ ኣንድሪው ሳችስ ከሰናብድ ብዝገበሮ ናይ ሓሶት ጻውዒት ቴሌፎን 42 ሽሕ ጥርዓናት ተቐቢሉ።
ቢቢሲ፡ ሞት እቶም ልኡል ንምጽብጻብ ብዝብል ፕሮግራማቱ ምቅያሩን ምስራዙን ቑጽሪ ተኸታተልቱ ክንኪ ገይሩ'ዩ።
ንኣብነት፡ ዓርቢ ምሸት ዝቐርብ ኣይቲቪ ዝተባህለ ፕሮግራም በምቅያሩን፡ ምስ ዝሓለፈ ሰሙን ብምንጽጻር ቑጽሪ ተኸታተልቲ እቲ ምድላው ብ60 ሚኢታዊት ከም ዝጎደለ ሰንዳት ይሕብሩ።
ተኸታተልቲ ቢቢሲ ዋን ብ6 ሚኢታዊት፣ ቢቢሲ ቱ ድማ ብ2/3 ጎዲሉ።