ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ መስፍን ኤዲንብራ ኣይክርከብን’ዩ

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ቀዳም ዝካየድ ስነ ስርዓት ቀብሪ መስፍን ኤዲንብራ ልኡል ፍሊፕ ከምዘይርከብ ተፈሊጡ'ሎ።

እቲ ቀደማይ ሚኒስተር ሕጋጋት ኮሮናቫይረስ ንምኽባር ኢሉ ኣብቲ ቀብሪ ከምዘይሳተፍ'ዩ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝተውሃበ ሓበሬታ ዝጠቅስ።

ኣብቲ ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ግዮርጊስ ንኽካየድ መደብ ወጺእሉ ዘሎ ስነ ስርዓት ቀብሪ ልኡል ፍሊፕ፡ ሰላሳ ሰባት ጥራይ ዝሳተፉ ኮይኖም፡ ደቁ፣ ደቂ ደቁን ሓዊስካ ኣዝዮም ናይ ቀረባ ስድርኡ ዝኾኑ ጥራይ ከምዝሳተፉ ተገሊጹ።

እቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ብቴሌቭዥን ብቀጥታ ከምዝመሓለለፍ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ከምቲ ናይ ንጉሳውያን ሃገራዊ ጉዳይ ዘይኮነስ ከምቲ ንቡር ጽምብላዊ ስርዓተ ቀብሪ ከምዝኸውን ይግለጽ።

ካብቲ ናይ እንዳ ንጉሳውያን ስድራ ዝተውሃበ መግለጺ ብሰንኪ ሕጋጋት ኮሮናቫይረስ ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ 30 ሰባት ጥራይ ክሳተፉ ዝተፈቕደሎም ኮይኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ጆንሰን፡ ካልኦት ናይ ቀረባ ስድራ ምእንቲ ክሳተፉ ኢሉ ብድላዩ ኣብቲ ቀብቲ ከምዘይሳተፍ ብወግዒ ተፈሊጡ'

ካብቶም ኣብዚ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዝሳተፉ ኣባላት ንጉሳውያን ቤተሰብ መስፍን ሱሴክስ ልኡል ሃሪ ካብ ዝነብረሉ ካሊፎርንያ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክጉዓዝ እዩ። ነብሰጾር ዝኾነት በዓልቲ ቤቱ ግን ብምኽንያት ካብ ሓካይም ብዝተውሃባ ምዕዶ ኣብቲ ስርዓተ ቀብሪ ኣይክትሳተፍን እያ።

ኣብ መበል 99 ዓመቱ ካብዚ ዓለም ብሞት ናይ ዝተፈለየ መስፍን ኤድብራ ልኡል ፍሊፕ ስነ ስርዓት መዝኽሩ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ካቲድራለ ካንተርቡሪ ክካየድ ምዃኑ ተሓቢሩ። ሎ።