ብ10 ሳንቲም ዝሽየጥ ዝነበረ ኮሚድያዊ መጽሄት ልዕሊ 3 ሚልዮን ዶላር የውጽእ

ንሱፐርማን ንፈለማ እዋን ዘላለየ መጽሄት ክብረወሰን ብዝሰበረ ዋጋ (3.25 ሚልዮን ዶላር) ተሸይጡ።

በዚ ድማ እቲ ኣብ 1938 ዝተሓትመ ብ10 ሳንቲም ዝሽየጥ ዝነበረ መስሓቕ መጽሄት ዝኸበረ ኮሚድያዊ መጽሄት ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ኮሚድያዊ መጽሄት ነቲ ካብ ንቡር ሰብ ዝለዓለ ሓይሊ ንዘለዎ ገጸ ባህርይ (ሱፐርማን) ንፈለማ እዋን ዘላለየ ምንባሩ ተገሊጹ።

ካብ 100 ዘይበዝሕ ቅዳሓት እቲ መጽሄት ክርከብ ከም ዝኽእል ይንገር።

እዚ ናብ ዕዳጋ ዝቐረበ 'ኣክሽን ኮሚክ' ቁጽሪ 1 ዝብል ቅዳሕ፡ ምስ ካልኦት ናይ 1930ታት መጽሄታት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዝተረኽበ፡ መርበብ ጨረታ ኮሚክ ኮኔክት ሓቢሩ።

እቲ ቅዳሕ፡ ሱፐርማን ብኸመይ ካብ ካልእ ፕላነት ከም ዝመጽአ ዘዘንቱ እዩ።

ኣብ 1938 ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ቅዳሓት እቲ መጽሄት ተሓቲሞም ምንባሮም ወናኒ ኮሚክ ኮኔክት ተዛሪቡ።

እቲ ነቲ መጽሄት ንሰለስተ ዓመታት ሒዝዎ ዝጸንሐ ሸያጢ፡ ሓደ ሚልዮን ዶላር መኽሰብ ክረክብ እንከሎ፡ እቲ መንነቱ ዘይተገለጸ ዓዳጊ ኣብቲ ዓውዲ "ሓድሽ ኣውፋሪ" ምዃኑ መግለጺ ኮሚክ ኮኔክት ይሕብር።

ኣብ 2014 ካልእ ቅዳሕ እቲ መጽሄት ኣብ መርበብ ዕዳጋ ኢቤይ ብ3.2 ሚልዮን ዶላር ተሸይጡ'ዩ።