ልኡኽ ሚያንማር ኣብ ብሪጣንያ፡ እቲ ኤምባሲ ኣብ ‘ቁጽጽር ወተሃደራዊ ኣታሸ ምእታው’ ሓቢሩ

ኣምባሳደር ሚያንማር ኣብ ለንደን ኪያው ዝዋር ሚን፡ ናብ ኤምባሲኡ ከይኣቱ ከም ዝተኸልከለ ገሊጹ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ወተሃደራዊ በዓልሞያን ዲፕሎማትን (ኣታሸ)፡ ሰራሕተኛታት እቲ ኤምባሲ ካብቲ ህንጻ ክወጹ ከም ዝሓተቶምን ፡ ደጊም ወኪል እታ ሃገር ከም ዘይኮነ ከም ዝነገሮን ተዛሪቡ።

ሰራዊት ሚያንማር 1 ለካቲት ብዕልዋ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ንሰሙናት ዝቐጸለ ተቓውሞን እናሓየለ ዝኸይድ ዘሎ ጎንነጽን ተወሊዑ እዩ።

ኣምባሳደር ኪያው ዝዋር ሚን፡ እታ ካብ መዝነታ ብዕልዋ ዝተኣለየት ኣን ሳን ሱቺ ካብ ማእሰርቲ ክትፍታሕ ጸዊዑ ነይሩ።

ንደሞክራሲ ዝድግፉ ሰልፈኛታት፡ ስልጣን ብምርጫ ንዝተዓወተት ኣን ሳን ሱቺን ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስን ክምለስን ብምጥላብ ኣብ ዝገበርዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ ዛጊት ብርክት ዝበሉ ቆልዑ ዝርከብዎም ልዕሊ 500 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።

ኪያው ዝዋር ሚን ነቲ ናይ ረቡዕ ፍጻመ “ኣብ ማእከል ለንደን ዝተፈጸመ ዕልዋ” ክብል ከም ዝገለጾ፡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ። ንሱ ወሲኹ “ከምዚ ዓይነት ዕልዋ ኣይክፍጸምን” እዩ ኢሉ።

እቲ ኣምባሳደር፡ ኣብ ኣፍደገ እቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ ሚያንማር ምስ ፖሊስ እናተዘራረበ ዘርእይ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ።

ፖሊስ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ኤምባሲ ናብቲ ቀጽሪ ተመሊሶም ከይኣትዉ ከም ዝኸልከልዎምን፡ ሰልፈኛታት ኣብ ከባቢ እቲ ኤምባሲ ከም ዝተኣኻኸቡን ይግለጽ።

ኣምባሳደር ኪያው ዝዋር ሚን ኣብ ወርሒ መጋቢት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኣን ሳን ሱቺ ክትፍታሕ ክጽውዕ እንከሎ፡ ሚያንማር “ተመቓቒላ” ከም ዘላን፡ ሓደጋ ኲናት ሓድሕድ ክገጥማ ከም ዝኽእልን ተዛሪቡ።

ርእይትኡ “ክድዓት ሃገሩ” ከም ዘይኮነ ዝሓበረ እቲ ኣምባሳደር፡ “ማእከላዊ” መርገጺ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፡ ዶሚኒክ ራብ፡ “ንትብዓትን ጅግንነትን” እቲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ዝነበረ ኣምባሳደር ንኢዱ።

ሮይተርስ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ዲፕሎማሰኛታት ብምጥቃስ፡ ምክትል ኣምባሳደር ቺት ዊን ንመዝነት ጸሓፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ከም ዝተረከበ ሓቢሩ።

ኣፈኛ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “ዲፕሎማስያዊ ኣሰራርሓ ብምኽታል፡ ኣብ ጉዳይ ኣምባሳደር ሚያንማር ኣብ ሎንደን፡ መብርሂ ሓቲቱ” ከም ዘሎ ገሊጹ።

ሰራዊት ሚያንማር፡ ኣብ ፈለማ ለካቲት ዕልዋ ብምክያድ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ ይርከብ።

ነዚ ስዒቡ ብኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ዝተሳተፉሉ ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ተላዒሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እታ ብምርጫ ተዓዊታ ዝነበረት ኣን ሳን ሱቺ፡ ጥሕሰት ስቱር ሕጊ ዘመነ-መግዛእቲ ዝብል ክሲ ክቐርበላ እንከሎ፡ ክሳብ 14 ዓመት ከእስር ከም ዝኽእል ይግለጽ።