ሚያንማር: መዕለቢ ዝሰኣነ ህዝባዊ ናዕቢ ሂወት ህጻናት ይቐዝፍ

ኣብ ሚያንማር ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ዝካየድ ንደሓር፡ ብውሑዱ 43 ህፃናት ከምዝተቐተሉ፡ ትካል ህፃናት ሕቡራት ሃገራት - ዩኒሴፍ ኣፍሊጡ።

እታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ እትርከብ ሚያንማር፡ ወዲ 7 ዓመት ህፃን እንከይተረፈ ግዳይ ዝኾነላ ኣብ “ዘባህርር ኩነታት” ትርከብ ሃገር ከምዝኾነት እቲ ትካል ገሊፁ።

ሓደ ተቖፃፃሪ ጉጅለ እቲ ከባቢ ከምዝበሎ፡ ብሓፈሻ ቁፅሪ መወትቲ 536 ከምዝበፅሐ ሓቢሩ።

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሚያንማር’ውን፡ ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምትታት ክሳብ ዝቐፀሉ፡ እቲ ኩነታት ናብ ደማዊ ህልቂት ከምርሕ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ኣብ ሞንጎ ሰራዊት እታ ሃገርን ሚልሻታት ውሑዳት ዓሌትን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ዝዓረገሉ እዩ፡ ሕቡራት ሃገራት ነዚ መጠንቀቕታ ሂቡ ዘሎ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ሚያንማር ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ብኣንግ ሳን ሱቺ ዝምራሕ ውድብ ሃገራዊ ሕብረት ንዴሞክራሲ (NLD) ድሕሪ ምዕዋቱ ሰራዊት እታ ሃገር ወተሃደራዊ ዕልዋ ምክያዱ፡ ነዚ ኣብታ ሃገር ንክልተ ወርሒ ዝቐፀለ ናዕቢ ቀንዲ ጠንቂ ኮይኑ ይርከብ።

ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ድማ፡ ንስጉምቲ ሰራዊት እታ ሃገር ብምቅዋም ናብ ጎደናታት ወፂኦም። እቲ ሰራዊት ኣብ ፈለማ ማይ ብምንፃግ ንሰልፈኛታት ክብትን ፈቲኑ።

እንተኾነ፡ ድሕሪ ሰሙን እቲ ሰራዊት ግብረመልሱ ክብ ብምባል፡ ንሰልፈኛታት ብበትሪ ክወቅዕን ብቐጥታ ናብ ሰልፈኛታት ክትኩስን ተራእዩ።

እቲ ናዕቢ ካብ ዝጅመር ንድሓር፡ ብቀዳም ዝነበረ ጎንፂ ዝሓሰመ እንትኾን፡ ልዕሊ 100 ሰባት ተቐቲሎም።

ወተሃደራት ሃንደበት ኣብ መገዲ ንዝረኸብዎም ሰባት ከምዝቐተሉን ገሊኦም ድማ ኣብ ገዝኦም ከለዉ ግዳያት ቅትለት ከምዝኾንኑ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊፆም።

ማይ ትሁ ሱማያ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ጓል ሸውዓተ ዓመት ሓፍታ ክሂን ሚዮ ናብ ኣቡኣ እንክትከድ ከምዝተቐተለት ንቢቢሲ ገሊፃ።

“ነቲ ማዕፆ ሰይሮም ምስ ኣተዉ፡ ኣብቲ ገዛ ካልኦት ሰባት እንተልዮም ንኣቦይ ሓቲተሞ። የለን ምስበሎም፡ ንዕኡ ብሓሰት ብምኽሳስ ነቲ ገዛ ክፍትሹ ጀሚሮም። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዩ፡ ክሂን ምዮ ናብ ኣቡኣ እናኸደት፡ ተኲሶም ቀቲሎማ” ኢላ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ማንዳላይ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ካልእ ወዲ 14 ዓመት ሰገን (ኮተቴ) ኣብ ገዝኡ እንከሎ፤ ኣብ ያንጎን ከኣ ኣብ ፅርግያ ዝፃወት ዝነበረ ካልእ ወዲ 13 ዓመት ብወተሃደራት እታ ሃገር ከምዝተቐተሉ ተገሊፁ።

ወዲ ሓደ ዓመት ህፃን ብዝተተኮሰ ጥይት ኣብ ዓይኑ ከምዝተወቕዐ ዝሓበረ ትካል ህፃናት ሕቡራት ሃገራት፡ ቁፅሪ ብጥይት ዝተጎድኡ ህፃናት ክዛይድ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ህፃናት ይፈርሑ፣ ይሓርቁን ይሻቐሉን ብምህላዎም፡ እቲ ናዕቢ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ህፃናት ፅልዋ ከምዘሕደረ እቲ ትካል ሓቢሩ።

ዩኒሴፍ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ “ሚያንማር ንህፃናት ውሕስቲ ከምዘይኮነት ብሩህ ኮይኑ ኣሎ” ኢሉ።

ብብርኪ ዓለም ሓያል ተቓውሞ የጋጥሞ ዘሎ እዚ ኣብ ሚያንማር ዝተወልዐ ናዕቢ፡ ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ መራሕቲ እዚ ዕልዋን ምስ ሰራዊት እታ ሃገር ርክብ ኣብ ዘለዎም ትካላትን ማዕቐብ ምንባረን ይፍለጥ።