እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ግብጺ፡ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ናብ ጎንጺ ከምርሕ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ
ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ፡ እቲ ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ ብሰላማዊ መገዲ መዕለቢ እንተዘይተረኺቡሉ ናብ ጎንጺ ከምርሕ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ንሱ፡ እቲ ኣብ መንጎ ግብጺ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ኪንሻሳ ዝተኻየደ ዘተ ብዘይ ዝኾነ ፍረ ድሕሪ ምብታኑ ነቲ መግለጺ ከም ዝሃበ ሮተርስ ጸብጺቡ።
ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን፡ ኣብ ጉዳይ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ስሉሳዊ ዘተ ኣካይደን ምንባረን ይፍለጥ።
ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፡ ሱዳንን ግብጽን ኣብቲ ጉዳይ ተወሃሂደን ይሰርሓ ከም ዘለዋ ድሕሪ ምግላጽ፡ ''ምትሕብባርን ስምምዕን ካብ ካልእ ንላዕሊ ኣገደስቲ ምዃነን'' ተዛሪቡ።
"ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ኣሕዋትና ክነግሮም ዝደሊ፡ ኩሎም ኣመራጺታት ክፉታት ስለ ዝኾኑ ንጣብ ማይ ናይ ግብጺ ዝትንከፈሉ ደረጃ ኣይንብጻሕ" ክብል ተዛሪቡ።
ሚኒስትር ማይን መስኖን ሱዳን ያሲር ዓባስ ብወገኑ፡ ሃገሩ መሰላ ንምክልኻል ኩሎም ኣማራጺታት ኣብ ጠረጴዛ'ዩ ዘሎ ክብል ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ሱና ተዛሪቡ።
ሚንስተር ማይ፣ መስኖን ኢነርጅን ኢትዮጵያ ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ብወገኑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ኣድላዪ ዘይኮነ ኲናት ምእታው ኣየድልን ኢሉ።
"ብሰንኪ ማይ ኲናት ክጅመር ኣይክእልን እዩ። ማይ ሎምን ጽባሕን ብቐጻሊ ክውሕዝ እዩ'' ክብል ተዛሪቡ።
ንሱ፡ ንሮተርስ ኣብ ልኣኾ መልእኽቲ ኢትዮጵያ ማይ ካልኦት ሃገራት ትጥቀም ኣላ ንዝብል ክሲ ነጺግዎ።
"ንሕና ካብ ግብጽን ሱዳንን ዝምጪ ማይ ኣይንጥቀምን ዘለና። እቲ እንጥቀሞ ማይ ናይ ኢትዮጵያ ኮይኑ ንጎረባብቲ ሃገራት ከይጎዳእና ንድልየታትን ረብሓን ህዝብና ንጥቀሞ ኣለና'' ኢሉ።
ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ግብጺ፡ ብምኽንያት እቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ፡ ሃገሩ ኣብ እትረኽቦ መጠን ማይ ጽልዋ ዝፈጥር እንተኾይኑ፡ ''ዝኸፍአ ከባብያዊ ጸገም'' ክፍጠር እዩ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
"ደጊመ ከም ዝገልጾ፡ ማንም ካብ ግብጺ ንጣብ ማይ ክወስድ ኣይኽእልን፤ እዚ እንተኾይኑ ድማ ኣብዚ ዞባ ሓደገኛ ዘይምርግጋእ ክፍጠር እዩ'' ክብል ተዛሪቡ፡፡
ህንጸት እቲ ግድብ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ተደጋጋሚ ዘተ እኳ እንተገበራ ኣብ ስምምዕ ግን ክበጽሓ ኣይከኣላን፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ፡ ቀዳማይ ደረጃ ምምላእ ማይ ከም ዘካየደት ዝሓበረት ኢትዮጵያ ሎምዘበን እውን ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ ከምእተካይድ ገሊጻ ኣላ፡፡
ግብጽን ሱዳንን፡ ኣብ ስምምዕ ከይተበጽሐ ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ማይ ክትመልኦ የብላን ዝብል ቅዋመን ብተደጋጋሚ ዘስመዓ ኮይነን፡ ኢትዮጵያ ግና እቲ ዘተ እናተሳለጠ ማይ ክመልእ እየ ዝብል መርገጺ እዩ ዘለዋ፡፡
እቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብተደጋጋሚ ክቋረጽ ዝጸንሐ ዘተ፡ ኣብዚ እዋን ሕብረት ኣፍሪቃ ይመርሖ ኣሎ።
ኣብ ቀረባ፡ ሱዳንን ግብጽን ከም ሕብረት ኤውሮጳ ኣመሪካ ከምኡ'ውን ሕቡራት ሃገራትን ዝበሉ ዓለምለኻዊ ኣሸማገልቲ ክሕወስዎ ኳ እንተጸውዓ፡ ኢትዮጵያ ግና እቲ ጉዳይ ናይ ሰለስቲአን ሃገራት ስለ ዝኾነ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ወጻእ ካልእ ኣካል ክሕወስ ኣድላዪ ኣይኮነን ዝብል መርገጺ ኣለዋ፡፡
ኣገዳስነት ግድብ ህዳሰ
ህንጸቱ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2011 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ዝጀመረ ኮይኑ፡ 4 ቢልዮን ዶላር ከም ዝሓትትትን ልዕሊ 6,000 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከመንጪ ከም ዝኽእልን ይእመን።
ክሳብ ሕጂ ድማ 75 ሚኢታዊት ህንጻት እቲ ግድብ ከም ዝተዛዘመ ይግለጽ።
እዚ ግድብ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ሓያል ወጥሪ ፈጢሩ ከም ዝርከብ ተንተንቲ ፖለቲካ ይሕብሩ።
ግብጺ፡ ኣስታት 90 ሚእታዊት ናይ ማይ ጠለባ ካብ ፈለግ ኒል እተማልእ ብምዃና፡ እቲ ፈለግ መሰረት ህላወኣ ከም ዝኾነ እያ እትገልጽ።
ግድብ ህዳሰ ምስ ተዛዘመ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ማያዊ ኤለክትሪክ ዘመንጩ ግድብ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ።
ኢትዮጵያ ንምታይ ዓብይ ግድብ ክትሃንጽ ደልያ?
እቲ ብቢልዮናት ብር ወጻኢ ዝህነጽ ዘሎ ግድብ ህዳሰ፡ ንዕብየትን ብልጽግናን ኢትዮጵያ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ይግለጽ።
እቲ ግድብ ተሃኒጹ ስርሑ ምስ ጀመረ፡ ኣስታት 6 ሽሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምምንጫዉ ዓቕሚ ክህልዎ'ዩ።
ብዙሕ ህዝባ፡ ከም ልቡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንዘይረኽበላ ኢትዮጵያ ኣገዳስነት እዚ ግድብ ዘወላውል ኣይኮነን።
ኢትዮጵያ፡ እቲ ግድብ ብሙሉእ ሓይሉ ጸዓት ከመንጩ ምስ ጀመረ፡ ንጎረባብቲ ሃገራት እውን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክትሸይጥ ትኽእል እያ።
ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኤርትራን ጂቡቲን ከኣ ካብቲ ግድብ ክረብሓ ይኽእላ።
ብኻልእ ወገን ድማ ኢትዮጵያ ካብቲ ግድብ እትረኽቦ ልዕሊ ዝኾነ ናይ ገንዘብ ረብሓ፡ ሉኣላውነት ከም ዝኾነ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።