እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣል ሲሲ፡ መጠን ማይ ግብጺ እንተጎዲሉ ‘ዝኸፈአ ከባብያዊ ቅልቅላው’ ክፍጠር እዩ ኢሉ
ብምኽንያት እቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዓብዪ ግድብ፡ ሃገሩ ኣብ እትረኽቦ መጠን ማይ ጽልዋ ዝፈጥር እንተኾይኑ፡ ‘‘ዝኸፍአ ከባብያዊ ጸገም’’ ክፍጠር እዩ ክብል ፕረዚደንት ግብጺ ኣጠንቂቑ፡፡
ፕረዚደንት ዓብዱል ፈታሕ ኣል ሲሲ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ‘‘ደጊመ ከምዝገልጾ፡ ማንም ካብ ግብጺ ንጣብ ማይ ክወስድ ኣይኽእልን፤ እዚ እንተኾይኑ ድማ ኣብዚ ዞባ ሓደገኛ ዘይምርግጋእ ክፍጠር እዩ’’ ክብል ተዛሪቡ፡፡
ብተወሳኺ "ንዝኾነ ኣካል ከፈራርሕ ኢለ ኣይኮንኩን፤ ኩሉሻብ ዘረባና ምኽንያታውን ሚዛናውን እዩ" ኢሉ፡፡
ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብቲ ብምኽንያት ዝተሸከለት መርከብ ተዓጽዩ ዝቐነየ መትረብ ስዊዝ ተረኺቡ ኣብ ዝገበሮ ዘረባ ነቲ መጠንቀቕታ ዝሃበ ኮይኑ፡ ሃገሩ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን እትገብሮ ልዝብ ክቕጽል ከምእትደልይ ገሊጹ፡፡
ኢትዮጵያ ብሓሙሽተ ቢልዮን ዶላር እትሃንጾ ዘላ መመንጨዊብሓይሊ ኤሌክትሪክ ግድብ ህዳሰ፡ ህንጸቱ ከባቢ ሰማንያ ምኢታዊት በጺሑ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ፡፡
ህንጸት እቲ ግድብ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ተደጋጋሚ ዘተ እኳ እንተገበራ፡ ኣብ ስምምዕ ግን ክበጽሓ ኣይከኣላን፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ፡ ቀዳማይ ደረጃ ምምላእ ማይ ከምዘካየደት ዝሓበረት ኢትዮጵያ፡ ሎምዘበን እውን ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ ከምእተካይድ ገሊጻ ኣላ፡፡
ሃገራት ግብጽን ሱዳንን፡ ኣብ ስምምዕ ከይተበጽሐ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ማይ ክትመልኦ የብላን ዝብል ቅዋመን ብተደጋጋሚ ዘስመዓ ኮይነን፡ ኢትዮጵያ ግና እቲ ዘተ እናተሳለጠ ማይ ክመልእ እየ ዝብል ቅዋም እዩ ዘለዋ፡፡
እቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብተደጋጋሚ ክቋረጽ ዝጸንሐ ዘተ፡ ብዙሓት ሃገራት ብሸምጋልነት ዝተሳተፉሉ እንተኾን፡ ኣብዚ እዋን ብሕብረት ኣፍሪቃ እዩ ተታሒዙ ዘሎ፡፡
ኣብ ቀረባ፡ ሱዳንን ግብጽን ዓለምለኻዊ ኣሸማገልቲ ይተሓወሱ ብምባለን እቲ ዘተ ተቛሪጹ ነይሩ፤ ኢትዮጵያ ግና እቲ ጉዳይ ናይ ሰለስቲአን ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ስለዝኾነ ካልእ ኣካል ክሕወስ ኣድላዪ ኣይኮነን ዝብል ቅዋም ኣለዋ፡፡
ኢትዮጵያ ቅድሚ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ምክያዳ፡ ንኹሉ ዘማእክልን ዝገዝእን ሕጋዊ ስምምዕ ክፍጸም ኣለዎ ዝብል ሕቶ ሱዳንን ግብጽን እውን ኣይተቐበለቶን፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ቀረባ ኣብ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ‘‘ማይ ምምላእ ብዝምልከት፡ ድሕሪ ዘተ ንግበሮ እንተኢልና በቢዓመቱ 1 ቢልዮን ዶላር ክንከስር ኢና’’ ብምባል እቲ ማይ ምምላእ ክድንጉይ ከምዘይክእል ተዛሪቡ፡፡
ሚኒስተር ማይ፣ መስኖን ጻዓትን ኢትዮጵያ ስለሺ በቀለ (ዶ/ር ኢንጂነር) እውን ብመሳሳሊ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ብዝኾነ ኩነታት ከምዘይናዋሕን፡ ናብኡ ዘብጽሕ ኣሰራርሓን ምኽንያትን ከምዘየለን ገሊጹ ነይሩ፡፡
ኢትዮጵያ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ብውሽጣዊ ዓቕማ ምህናጽ ዝጀመረቶ ግድብ ህዳሰ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ኮይኑ፡ ካብ ሓሙሽተ ሽሕ ሜጋ ዋት ንላዕሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ኣለዎ፡፡
ካብ ዝቕጽል ዓመት ጀሚሩ ድማ ብኽፋል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምፍልፋል ክጅምር ምዃኑ እዩ ዝግለጽ፡፡