እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያውያን፡ ትካል ገንዘብ ዓለም ንሃገሮም ልቓሕ ከይህባ ጎስጓስ የካይዱ ኣለዉ
ኬንያውያን፡ ትካል ገንዘብ ዓለም ንመንግስቲ ሃገሮም ልቓሕ ከይህብ ዝጠልብ ናይ ኢንተርነት ፊርማ የተኣኻኽቡ ኣለዉ፡፡
ኬንያውያን ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ኣሎ ዝበሉዎ ብልሽውና እዮም ነቲ ልቓሕ ከይወሃብ ዝሓቱ ዘለዉ፡፡
#ስቶፕሎኒንግኬንያ ዝብል ሃሽታግ ዘለዎ ቅጥዒ ኣብ ኢንተርነት ዝዘዋወር ዘሎ ኮይኑ፡ ኬንያ ንምንታይ ልቓሕ ከወሃባ ከምዘይግባእ ዝገልጹ ተወሰኸቲ ምኽንያታት ተጠቒሶም ኣለዉ፡፡
ትካል ገንዘብ ዓለም(ኣይኤምኤፍ)፡ ኬንያ ኮሮናቫይረስ ንዘብጸሐላ ቁጠባዊ ሃስያ ንምሕጋዝ፡ ናይ 257 ቢልዮን ሽልንግ ኬንያ (2.4 ቢልዮን ዶላር) ልቓሕ ምስ ኣጽደቐ እዩ እቲ ወፍሪ ተቓውሞ ተጀሚሩ፡፡
መንግስታዊ ዕዳ ኬንያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብልዕሊ ሓደ ትሪልዮን ሽልንግ ከምዝዓበየ ጋዜጣ ደይሊ ኔሽን ገሊጹ፡፡
እታ ሃገር ልቓሕ ከይትረክብ ዝጉስጉሱ ዘለዉ ኬንያውያን፡ ፕረዚደንት ኡህሩ ኬንያታ እታ ሃገር መዓልታዊ ብብልሽውና 2 ቢልዮን ሺልንግ ከምእትስእን ዝሃቦ መግለጺ እዮም ዝጠቕሱ ዘለዉ፡፡
ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘብ ኬንያ ኡኩር ያታኒ ግና፡ እቲ ልቓሕ ነቲ ኮሮናቫይረስ ዝሃሰዮ ቁጠባ ኬንያ ንምሕዋይ ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊጹ፡፡
እቲ ኣብ ኢንተርነት ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ተቓውሞ፡ መንግስቲ ኬንያ ቅድሚ ሕዚ ዝወሰዶ ልቓሕ ኣበይ ከምዘውዐሎ ትካል ገንዘብ ዓለም ክሓቶ ዝጽውዑ ኬንያውያን ተሓዊሶምዎ ቀጺሉ ኣሎ፡፡