ሰዓዳ ጀማል፡ ኣብ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ኢትዮጵያ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ዝለዓለ ውጽኢት ዘመዝገበት ተምሃሪት

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘነበ ትምህርቲ 2012 ዓ/ም፡ ልዕሊ 350 ሽሕ ተምሃሮ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ከምዝወሰዱ፡ ካብ ኤጀንሲ ሃገራዊ ምዘናን ፈተናን ትምህርቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

ኣብቲ ሃገራዊ ፈተና፡ ተምሃራይ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ዮሴፍ ዝኾነ ብሩክ ባልካቸው፡ እቲ ዝለዓለ ውጽኢት 669 ዘመዝገበ እዩ። ካልኣይ ዝወጸ ናይ ኤክዜል ኣዳማ ተምሃራይ ናኦል በለጠ ድማ 665 ኣምጺኡ።

ከም ሓበሬታ እቲ ኤጀንሲ፡ ካብ ቀዳማይ ክሳብ መበል 14 ዝለዓለ ደረጃ ዝረኸቡ ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ እዮም።

ኣብቲ ተርታ ዝለዓለ መበል 15 ደረጃ ዝረኸበትን ካብ ደቂ ኣንስትዮ ዝለዓለ ውጽኢት ዘመዝገበትን ድማ ሰዓዳ ጀማል እያ። ቀጺላ ድማ ተምሃሪት ቤት ትምህርቲ ክሩዝ ቤዛዊት ብርሃነ ከምዝኾነት መረዳእታ እቲ ኤጀንሲ መልክት።

ሰዓዳ ጀማል መን እያ?

ንቤተሰባ ቀዳመይቲ ቆልዓ ከምዝኾነት እትገልጽ ሰዓዳ ጀማል፡ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ስልጤ ከተማ ወራቤ ተወሊዳ ከምዝዓበየት ትዛረብ።

"ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ኣልቀለም ኣብ ዝበሃል ቤት ትምህረቲ እየ ተማሂረ፤ ንፍዕቲ ተምሃሪት ነይረ" ትብል።

ካብ 5ይ ክሳብ 8ይ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ወራቤ፣ ካብ 9ይ ክሳብ 12 ኣብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ሃይረንዚ ትምህርታ ዝቐጸለት ሰዓዳ፡ ብዓውዲ ተፈጥሮ ሳይንስ ተማሂራ ዝለዓለ ውጽኢት ረኺባ።

ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርታ ተሸላሚት ከምዝነበረት እትገልጽ ሰዓዳ፡ ኣብ ሃገራዊ ፈተና 10ይ ክፍሊ 4 ነጥቢ ረኺባ ዝተፈላለዩ ሽልማታት ተበርኪቶምላ እዮም። ንኣሕዋታ ጽቡቕ መርኣያ ከምዝኾነትን፡ 11 ክፍሊ ዝመሃር ሓዋ ኣሰራ ይስዕብ ከምዘሎን እውን ትገልጽ።

ውጽኢት ፈተና ምስ ሰምዐት ዝነበራ ስምዒት

ሰዓዳ ኣብቲ ሎምዘበን ዝተውሃበ ፈተና 12 ክፍሊ ጽቡቕ ውጽኢት ከምዝረኸበት እምበር፡ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ዝለዓለ ውጽኢት ዝረኸበት ንሳ ምዃና ኣይፈለጠትን ነይራ፤ ካብ ቢቢሲ እያ ሰሚዓቶ።

ነቲ ብስራት ካብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ምስ ሰምዐቶ ምእማን ኣይከኣለትን ነይራ። ሰሓቕ ብዝዓብለሎ ታሕጓስ ተዓጂባ " ገና ካባኺ እየ ዝሰምዖ ዘለኹ፤ ብጣዕሚ እየ ተሓጒሰ" ኢላ።

ሰዓዳ፡ ኣብ ዝርዝር እቶም ዝለዓለ ውጽኢት ዘመዝገቡ ተምሃሮ መበል 15 እትርከብ ኮይና፡ ቅድሚኣ ዘለዉ 14 ተምሃሮ፡ ተባዕትዮ እዮም። 650 ድማ ዘመዝገበቶ ውጽኢት እዩ።

"ልዑል ውጽኢት ከምጽእ ከምዝኽእል ተጸብየ ነይረ፤ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ቀዳማይቲ ዝኸውን ግን ኣይመሰለንን" ብምባል ዝተሰመዓ ሓጎስ ገሊጻ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክወሃብ ዝነበሮ ፈተና 12 ክፍሊ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ተናዊሑ እዩ ነይሩ።

ጸኒሑ ድማ እቲ ፈተና ብታብሌት ክወሃብ እዩ ተባሂሉ ተደናጉዩ፤ ኣብ መወዳእታ ብውረቐት ክፍተኑ ተወሲኑ። እቲ ፈተና ብደረጃ ሃገር ን350 ሽሕ ተምሃሮ እዩ ተዋሂቡ።

ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽዮም ዝነበሩ ኮይኖም፡ መምህራኖም ብቴሌግራም ሓገዝቲ ጽሑፋት ይልእኹሎም ከምዝነበሩ ሰዓዳ ትገልጽ።

"ናይቲ ፈተና ብተደጋጋሚ ምንዋሕ ከቢድን ተስፋ ዘቑርጽን ነይሩ። ነቲ ዳሕራይ ዝረኽቦ ውጽኢት እናሓሰብኩ ንባዕለይ የዳሉ ነይረ" ትብል ሰዓዳ።

ውጽኢት እቲ ፈተና ኣብ ዝረኣየትሉ እዋን ምስ ዓባያ ከምዝነበረት እትገልጽ ሰዓዳ፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኸበቶ ውጽኢት ፈለማ ንዓባያ፡ ጸኒሓ ድማ ንወለዳን ንኣዕርኽታን ከምዝነገረቶም ተዛሪባ።

ወለዳ ካብ ምሕጓሶም ብተወሳኺ ድማ "ካብዚ ዝበለጸ ኢና እንጽበ" ከምዝበልዋ ትዝክር።

ሰዓዳ ኣብ ገዛ ናይ ስራሕ ጻዕቒ ከምዘይብላ እያ እትገልጽ፤ ስድራኣ ድማ ዝሓሸ ውጽኢት ክትረክብ የበረታትዕዋን ባይታ መቻችዉላን።

ኣብ ክፍሊ ዝወሃብ ትምህርቲ ብኣግባቡ ምክትታላ፡ ፈተና ምስቀረበ ከይኮነስ ብኣጋ ምንባባ ጽቡቕ ውጽኢት ክትረክብ ሓጊዙዋ እዩ።

"ፈተና ምስኣኸለ ምንባብ፡ ብኣግባቡ ከይተረዳእካ ናብ ፈተና ምእታው ስለዘስዕብ ኣይመርጾን" ትብል።

" ፈተና ሃለወ ኣይሃለወ የንብብ፤ ንክፈልጥ ድማ እየ ዘንብብ።"

ትምህርቲ ሕክምና ክትመሃር ድልየት ከምዘለዋ እትገልጽ ሰዓዳ፡ ብጽቡቕ ውጽኢት ተመሪቓ ማሕበረሰባን ሃገራን ናይ ምግልጋል ሕልሚ ከምዘለዋ ትዛረብ።