እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቤተ መንግስቲ ቁጽሪ 10፡ ህይወት ዘየስተማቐረ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ መን እዩ ?
እዛ ቀዳመ-ሰንበት እዚኣ፡ ዓባይ ብሪጣንያ መበል 300 ዓመት ተራን ኣገልግሎትን ቀዳማይ ሚኒስተራ ከተብዕል እያ ።
ብ3 ሚያዝያ 1721፡ ሰር ሮበርት ዋልፖል ናይ መጀመርታ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ቀዳማይ ምኒስተር ኮይኑ ተሸይሙ። ካብ ሽዑ ንነጀው ከኣ ክሳብ ሕጂ 54 ቀዳሞት ምኒስተራት ንታሪኽን ጉዕዞን እታ ሃገር መሪሖሞን ይመርሑዎ ኣለውን።
መብዛሕትኦም ቀዳሞት ሚንስተራት፡ ስልጣኖም ብዘይ ሕጉስ መገዲ እዮም ዝገድፉዎ። ገሊኦም ፓርቲታቶም ብምርጫ ምስተሳዕራ ተደፊኦም ገሊኦም ከኣ ብስእነት ጥዕና ስርሖም ይገድፉ።
ቶኒ ብሌር፡ "እቲ ሓላፍነት ኣዝዩ ከቢድ ስለ ዝዀነ፡ ብስራሕ ቀዳማይ ምኒስተር ሕጉስ ዝነበርኩ ኣይመስለንን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"መዓልታዊ ብከቢድ ወጥርን ቁጽጽርን እናተመርመርካ ውሳነታት ተሕልፍ። እቲ ስጊንጢርነቱ ምስ ውሑድ ዓቕምኻ ህቡብ ኬንካ ትጅምር፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ብዙሕ ክእለት ምስደለብካን ምስተሞኮርካን፡ ምስ ልዑል ዓቕምኻ ግን እናተጸላእካ ትውድእ" ኢሉ ቶኒ ብሌር።
ሓደ ንዓሰርተ ዓመት መንግስቲ ዝመርሐ፡ ናይ ስልጣን ሸውሃት ዝነበሮ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅሬታን ጣዕሳን ከምዝህልዎ ዝጥርጥሩ ኣዝዮም ውሑዳት ሰባት ጥራይ እዮም።
ቶኒ ብሌር፡ እቲ ቅድሚ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ዓቃባዊ መንግስቲ ሰር ጆን ሜጆር፡ ብውሑድ ድምጸ ብልጫ ተሳዒሩ ኣብ 1997 ከም ዘብቀዐ ይዝክር።
"እንተደኣ ጸብለልታ (ማጆሪቲ) ዘይብልካ ወይ ድምጺ እንተውሒዱካ ንግዜኻ የልምሶ እዩ። ዓብላሊ ድምጺ ብልጫ ዘለዎ ቀዳማይ ምኒስተር ክገብሮ ዘይግደድ፡ ድምጺ ኣባላት ባይቶ ንክትእክብ ክሳብ ለይቲ ትጸንሕ። ብዛዕባ እቶም ንፖሊሲኻ ዝቃወሙ ገለ ክፋላት ናይ ሰልፊኻ ክትጭነቕ ኣየድልየካን እዩ። ርግጽ እዩ ብኣኽብሮት ክትሰምዖን ከተረድኦም ኣለካ። ግን ከኣ ውሑዳን ስለዝኾኑ፡ ጽልዋ ክፈጥሩ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ ብድምጺ ምስዓሮም ዘይተርፍ እዩ።"
ሰር ጆን፡ ምስ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ሰሙናዊ ኣኼባ ይደዓዓስን ይጸናናዕን ነበረ። እቲ ኣኼባ ኣዝዩ ብሕቱው ስለዝነበረ ክልቲኦም ሰልፍታትት ንሓድሕዶም ምሉእ ብምሉእ ብግልጺ ይዘራረቡ ነይሮም።
ኣብ ፖለቲካ፡ ብዘይካ እቶም ኣዝዮም ዝቀራረቡ ሰባት፡ ከምኡ ምግባር ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ስለዚ፡ ቀዳማይ ሚኒስተርን ንግስነት ብሪጣንያን ክራኸቡን ክዝትዩን ምኽኣሎም፡ ዓብዪ ኣስተዋጽኦ እዩ ነይሩ" ይብል ብሌር።
እዚ ሕጂ ዘሎ መንግስቲኸ? ቦሪስ ጆንሰን በቲ ልሙድ ባህሪኡ ብነብሰ ተኣማንነት፡ " ቍጽሪ 10 ( ቤት ጽሕፈት ብሪጣንያ) ኣብ ዝሓለፈ ኣማኢት ዓመታት፡ ብዜደንቕ መገዲ ናብ'ዚ ሕጂ ዓብዩዎ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ዓብዩ ኣሎ" ኢሉ።
"እዚ እትርእዮ ዘለኻ ናይ መበል 18 ክ/ ዘመን ግሩም ህንጻ ቤተ መንግስቲ፡ ሕጂ ፍሉይ ማእከል ቊጠባ ጉጅለ-7 ዘደንቕ ትካል ኮይኑ ኣሎ "ይብል ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ብኮቪድ ንስክላ ህይወቱ ስኢኒሉ ዝነበረ፡ ታሪኽ ህንጻ ቤተ መንግስትን ፍቕሪ ስርሑን ይነግር።
ቀዳማይ ምኒስተር ጆንሰን ኣብ ቍጽሪ 10 [ቤተ መንግስቲ ብሪጣንያ] "ብዓበይቲ ክፍልታት ናይታ ሃገር" ከም ዝደገፍ እኳ እንተገለጸ፡ ብዙሓት ቀዳሞት ምኒስተራት ግን ብፍላይ ኣብ ክፍሊ ትሬዥሪ ሕጽረታት ትካላዊ ዓቕሚ ከምዘሎ ይስመዖም።
ዴቪድ ካመሮን፦ "ብዙሕ ሰብ፡ ቍጽሪ 10 [ቤተ መንግስቲ ብሪጣንያ] ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ብምዃኑ ሓያል ኦፊስ ኮይኑ እዩ ዝሰመዖ። ብሓቂ ክረአ እንከሎ ግን ምስ ካልኦት ዓበይቲ ምኒስትሪታት እታ ሃገር ክነጻጸር እንከሎ፡ እቲ ኦፊስ ብብዙሕ ነገራቱ ክደላደልን ክሕይልን ይግበኦ" ክብል ነጊሩና።
"ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ መንግስቲ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ክትሓስብን ነቲ ዝገብሮ ተግባራት ደው ንከተብል ነዊሕ ግዜ እዩ ዘድልየካ ኢለ ክዋዘ ይዝከረኒ።"
ቀዳማይ ምኒስተር ነበር ዴቪድ ካመሮን፡ ነቲ ዕለታዊ ዝኽሪ ንኽጽሕፍ እውን ትንፋስ ዘይህብ ስራሕ ቤተ መንግስቲ ብምዝክር፡ "ብዙሕ ግዜ መታን ንብሕተይ ክኸውን [ናብቲ ክሽነ] ብምኻድ ንመሰሐይ ሳንድዊች ክገብር እእለ ነይረ። ምኽንያቱ፡ ኣብቲ ትንፋስ ዘይህብ ጽዑቕ ስራህ ነዛ ንበይንኻ ክትከውንን ክትሓስብን ከተስተንፍስን ቍሩብ ግዜ የድልየካ እዩ። እቲ ንክምሳሕ ግልል ዝብለሉ እዋን ከኣ ንዓይ ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ እዋን እዩ ነይሩ " ይብል ።
ንብዙሓት መራሕቲ [ቀዳማይ ምኒስተራት] ቤተ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ (ቍጽሪ 10)፡ ኣብ ኦፊስ ምጽናሕ ናይ ስልጣን ሕቶ ጥራሕ ኣይነበረን። ንገሊኦም ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ እዩ ነይሩ።
ኣብ 1812 ንቀዳማይ ምኒስተር ስፐንሰር ፐርሰቫል ፈተነ ቕትለት ኣጋጢሙዎ። ከምታ ዘይትጸዓድ ሰበይቲ (ኣይረን ለይዲ) ማርገሬት ታቸር ኣብ 1984፡ ጆን ሜጀር እውን ኣብ 1991 ዒላማታት ሪፓብሊክ ሰራዊት ኣይርሽ ኮይኖም ነይሮም።
ከም ኣንቶኒ ኤድንን ሃሮልድን ማክሚላንን ዝኣመሰሉ ከኣ ደኺሞምን ሓሚሞምን ተኣልዮም። ዴቪድ ሎይድ ጆርጅ እውንኣብ መስከረም 1918፡ ቅድሚ እቲ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዘብቅዓሉ ሒደት ሳምንቲ ብስፓኒሽ ፍሉ ብሰዓል ንስክላ ሞይቱ ነይሩ። ሞራል ህዝቢ ንኸይትንከፍ ግን ምሕማሙ ካብ ህዝቢ ተሓቢኡ ።
ድሕሪ ሓደ ዘመን ግን ፡ ቦሪስ ጆንሰን ብሕማም ኮቪድ-19 ምስተታሕዘ፡ ሓደገኛነት እቲ ሕማም ንህዝቢ ንምሕባር ብከቢድ ከምዝሓመመ ንመላእ ዓለም ተነጊሩ።