ናታን ባጋለይ ዝተብሃለ ኣውስትራልያዊ ኣትሌት 152 ሚልዮን ዶላር ዝትመን ሓሽሽ ከእቱ ተረኪቡ

ኣውስትራልያዊ ኣትሌትን ሓዉን 152 ሚልዮን ዶላር ዝትመን ሓሺሽ ናብ ኣውስትራልያ ከእትዉ ስለዝተረኸቡ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

እቲ ብንእሽተይ ጃልባ ዝግበር ናይ ምቅዛፍ ውድድር ንኣውስትራልያ ወኪሉ ኣብ ኦሎምፒክ ተወዳዲሩ ክልተ ብሩር መዳልያ ዝረኸበ ናታን ባጋለይን ድሩ ባጋለይ ዝተብህለ ሓዉን ኣብዚ ወርሒ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ክልቲኦም ኣሕዋት ገበነኛታት ከምዘይኮኑ'ዮም ዝካትዑ ዘለዉ።

ደሩን ካልእ ሓደ ሰብን፡ ሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ኣውስትራልያን ብዝተሳተፍዎ ስርሒት'ዮም ኣብ 2018 ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ናታን ባጋለይ ኸኣ ነታ ንሶም ሓሺሽ ከእትውላ ዝሓዝዋ ጃልባ ስለዝገዝኣሎም እዩ ኣካል ናይቲ ገበን ኮይኑ ዘሎ።

ድሩን እቲ ካልኣዩ ኣንቶኒ ድራፕር ዝተብሃለ ውለቀሰብን ካብ ገማግም ኣውስትራልያ ብጃልባ ናይ 11 ሰዓታት ጉዕዞ ብምክያድ እዮም ኣብ ሰነ 2018 ነታ ካብ ወጻኢ ነቲ ሓሽሽ ሒዛ ዝመጽአት መርከብ ረኺቦም ነቲ ሓሽሽ ተቐቢሎም።

እንተኾነ፡ ነቲ ሓሺሽ ካብታ ናይ ወጻኢ መርከብ ተቐቢሎም ናብ ኣውስትራልያ ከእትውዋ ኣብ ዝፈተንሉ ብነፋሪትን ሓይሊ ኣየርን ናይ ሓይሊ ባሕሪ መርከብን ምክትታል ይግበረሎም ስለዝነበረ ክተሓዙ ክኢሎም።

ካብ ነፋሪት ዝተሰኣለ ስእሊ ዱሩ ጥማራት ሓሽሽ ናብ ባሕሪ እናደርበየ ድራፐር ኸኣ ካብታ ትስዕቦም ዝነበረት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣውስትራልያ እናሃደመ እንከሎ የርኢ።

ኣብ መወዳእታ ግን ብናይኵንስላንድ ፖሊስ ተታሒዞም።

ዱሩ፡ ትምባኾም'ምብር ሓሺሽ ክቅበል ኢሉ ከምዘይሓሰበ ብምሕባር እቲ ምስኡ ዝነበረ ድራፕረ ዝተብሃለ ውለቀ ሰብ ጨውዩ ናብታ ሓሽሽ ዝተቐበሉላ መርከብ ከምዝወሰዶ ቃሉ ሂቡ ኣሎ።

"ኣነ ዝብለካ እንተዘይጌርካ ንስድራኽ ከጥፍኦም'የ" ኢሉ ድራፕር ከምዘፈራረሖ'ውን ዱሩ ሓቢሩ።

ድራፕረ ብወገኑ፡ ድሩ ነታ ጃልባ ክመርሓሉ ኢሉ ስራሕ ከምዝቖጸሮ እዩ ዝሕብር።

ኣኽባሪ ሕጊ ብወገኑ እቲ ኣብ 2004 ኣብ ኣቴንስ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ክልተ ብሩር መዳልያ ንኣውስትራልያ ዘግዘመ ናታን ባጋላይ ነታ ጃልባ ከምዝዓደጋን ናይ ሳተላይት ቴሎፎንን ናይ ጉዕዞ ባሕሪ መሐበሪ (ናቪጌሽን ሲስተም) ከምዘግጠመላ ገሊጹ።

ናታን ብወገኑ፡ እታ ጃልባ ዱሩ ሓዉ ብዝሃቦ ገንዘብ ከምዝገዝኣን እታ ጃልባ ዓሳ ነባሪ ዝርኣየላ 'ቢዝነስ' ክሰርሑላ ከምዝገዝእዋ ማዕከን ዜና ኤቢሲ ንቃል ናታን ብምጥቃስ ኣቃሊሓ።

ብዘይካ እዚ ናታን ባጋላይ ናይታ ጃልባ ቁጽሪ መዝገብ ክድምስስ ከምዝፈተነ ኣኽባሪ ሕጊ መርትዖ ከምዘለዎ'ውን ገሊጹ ኣሎ።

እዞም ክልተ ኣሕዋት (ናታንን ድሩን) ብምዝውዋር ዕጸፋርስ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኮኑን ዝኽሰሱ ዘለዉ።

ቅድሚ ሕጂ'ውን ምስ ሓደ ሓሽሽ ዘፍሪ ጉጅለ ርክብ ኣለኩም ተባሂሎም ነይሮም እዮም፡ ኣብ 2009'ውን ምስ ምዝውዋር ሓሽሽ ዝተኣሳሰር ክሲ ቀሪብሎም ነይሩ እዩ።

ብመሰረት ማዕከን ዜና ኤቢሲ ዘቃለሖ ዜና እዞም ክልተ ኣሕዋት ገበነኛታት ኮይኖም እንተተረኺቦም ንሕልፈት ክእሰሩ ይክእሉ እዮም።