ብኣተሓሕዛ ማሕበረሰብ ዊገር ዝተኸሰት ቻይና፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ባይቶ ብሪጣንያ እገዳታት ኣንቢራ

ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ማሕበረሰብ ዊገር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺማ ብዝብል ብሃገራት ምዕራብ እገዳታት ዝግበረላ ዘሎ ቻይና፡ ንሳ ድማ ብግደኣ ንሓሙሽተ ኣባላት ባይቶ ዝርከብዎም ትሸዓተ ዜጋታት ብሪጣንያ እገዳታት ኣንቢራትሎም።

ቻይና ነዞም ዜጋታት ዩናይትድ ኪንግደም እገዳታት ዘንበረትሎም፡ ኣብ ልዕሊ ቻይና "ሓሶትን ዝተጋገየ ሓበሬታን" ዘርጊሖም ብዝብል እዩ።

ብሰኑይ፡ መንግስቲ ብሪጣንያ ንቻይና ኣብ ልዕሊ ሙስሊም ማሕበረሰብ ዊገር ግህሰታት ትፍጽም ኣላ ብዝብል ከሲሱ ስጉምትታት ድሕሪ ምውሳዱ እዩ ቻይና ነዚ እገዳታት ኣንቢራ ዘላ።

ሰር ሌይን ደንከን ስሚዝ፡ ሓደ ካብቶም ብቻይና እገዳ ዝተነበረሎም ብሪጣናውያን ፖለቲከኛታት እዩ።

ንሱ፡ ነቲ ብቻይና ዝተነበረሉ እገዳ "ከም ክብሪ ሽልማት ኒሻን" ከምዝርእዮ ተዛሪቡ።

ቻይና ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ዊገር ግህሰታት ትፍጽም እያ ብዝብል ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት፣ ብሪጣንያ፣ ኣመሪካን ካናዳን ዝተዋደደ እገዳታት እዩ ዝግበረላ ዘሎ።

ንሳ'ውን ኣብ ልዕሊ ሰብመዚ ናይዘን ሃገራት እገዳታት ብምግባር ግብረመልሲ ትህበሉ ኣላ።

ቻይና፡ንኣባላት ማሕበረሰብ ዊገር ኣብ ዢንጂያንግ ዝበሃል ግዝኣት ኣብ ዝተፈላለዩ መዳጎኒታት ከምእትኣስሮም ይግለጽ።

ኣብቶም መዳጎኒታት ድማ፡ ስቅያት፣ ግዱድ ሽቕለትን ጾታዊ መጥቃዕትን ከምዝወርዶም ዝገልጹ ጸብጻባት ኣለዉ።

ቻይና ነዚ ክስታት ኣይትቕበሎን፡ እቶም ዝተብሃሉ መዳጎኒታት፡ ኣንጻር ግበረ ሽበራ "ትምህርቲ ዝወሃበሎም ማእከላት እዮም" ትብል።

እቶም ሕዚ ብቻይና እገዳታት ተነቢሩሎም ዘለዉ ብሪጣናውያን፤ ናብ ቻይና፣ ሆንግ ኮንግን ማካዉን ክኣትዉ ኣይፍቀደሎምን።

ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ ቻይና ዘለዎም ሃብቲን ንብረትን ዝድስክል ኮይኑ፡ ቻይናውያን ውልቀሰባትን ትካላትን ድማ ምስዞም ብሪጣናውያን ዝኾነ ናይ ንግዲ ርክብ ክገብሩ ኣይፍቀዶምን።

ቻይና ብምንታይ እያ ትኽሰስ ዘላ?

ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ማሕበረሰብ ዊገር ኣብ ግዝኣት ዢንጂያንግ ኣብ ዝርከቡ መዳጎኒታት ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ይግመት።

እታ ግዝኣት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይ'ታ ሃገር እትርከብ ኮይና፡ ኣብ ቻይና እታ ዝዓበየት ግዝኣት እያ።

ከም ትቤት፡ ብውሱን መልክዑ ምሕደራዊ ናጽነት ዘለዋ እያ፡ እዚ ግን ብደረጃ ክልሰ-ሓሳብ እዩ።

ብተግባር ግን፡ ካብ ማእከላይ መንግስቲ ሓያሎ ጽዕንቶ እዩ ዝግበረላ።

ኣብ'ታ ግዝኣት ዝነብሩ ማሕበረሰብ ዊገር፡ ናይ ባዕሎም ቋንቋ እዮም ዝዛረቡ። ቋንቆኦም ምስ ናይ ቱርኪ ይመሳሰል።

እቶም ህዝቢ ብመቦቆልን ብባህልን'ውን ንርእሶም ምስ ሃገራት ማእከላይ ኤስያ እዮም ዘዛምዱ።

መንግስቲ ቻይና፡ ንደቂ ኣንስትዮ ማሕበረሰብ ዊገር ኣገዲዱ ከምዘምክንን ንቆልዑ ድማ ካብ ስድረኦም እናፈለየ ከምዝወስድን ክኽሰስ ጸኒሑ እዩ።

ቢቢሲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝገበሮ ምርመራ፡ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ኣብ ልዕሊ እሱራት ጾታዊ ዓመጽ፣ ጾታዊ መጥቃዕን ስቅያትን ከምዝፍጸም የርእይ።