ቅልውላው ትግራይ፡ 'መንግስቲ ኤርትራ፡ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ዘሎ ሰራዊቱ ክስሕብ ተሰማሚዑ'

ኣብ ኣስመራ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ዘሎ ሰራዊቱ ክስሕብ ከምዝተሰማምዐ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ "ካብ ሕጂ ጀሚሩ ነቲ ናይ ዶብ ከባብታት ናይ ምሕላው ስራሕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክርከቦ እዩ" ኢሉ።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ እዚ ዝሃቦ ርኢይቶ የለን።

ኣብይ ኣሕመድ ንኣባላት ወከልቲ ህዝቢ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ ሰራዊት ሕወሓት መጥቃዕቲ ከይመጽኦም ብምስጋእ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዝወጽእ መግለጺ "ኤርትራን ኢትዮያን ክልተኣዊ ርክባተንን ቁጠባዊ ምትሕብባረንን ከምዝቅጽላ" ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ሓበሬታ ኤርትራ ኣብ ድረ ገጹ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ድማ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ዑደቱ ወዲኡ ከም ዝተመለሰ ብምግላጽ፡ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዓሚቕ ዘተ ከም ዘካየዱን ኣብ ቐጻሊ'ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝራኸቡን ኣአንፊቱ።

ኣብ ዘተ እቶም መራሕቲ "ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝነበሩ ጎስጓሳት ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ብዕምቆት ተዳህሲሶም'ዮም" ይብል እቲ መግለጺ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት "ናይ ስራሕ ምብጻሕ" ንምፍጻም፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናብ ኤርትራ ከም ዝኣተወ ይዝከር።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ቤተመንግስቲ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን፡ ብዛዕባ "ክልታኣዊ፡ ከምኡ'ውን ዞባዊ ምዕባለታት" ከምዝተዘራረቡ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ጠቒሱ።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ድሕሪ'ቲ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ጎንጺ ንፈለማ እዋን እዮም ብወግዒ ዝራኸቡ ዘለው።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ፡ ንሚኒስተር ምክልኻል ዶ/ር ቀኒያ ያዴታን፡ ሚኒስተር ምህዞን ቴክኖሎጂን ዶ/ር ኣብራሃም በላይን ዝሓቖፈ'ዩ።

መንግስቲ ፌደራል ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ከም ዘብጽሑ ብምግላጽ ኣብ ትግራይ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ምስ ጀመረ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ተሳትፎ ኣለዎም ተባሂሉ ብተደጋጋሚ ክልዓል ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

መንግስታት ክልቲአን ሃገራት ነዚ ክነጽግዎ እኳ እንተጸንሑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ኣመልኪቱ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝርከቡ ቦታታት ተቐጻጺሩ ከም ዝርከብ ንፈለማ እዋን ተኣሚኑ ነይሩ።

ኣብ ትግራይ ወተሃደራት ኤርትራ ዝፈጸምዎ ግህሰት እንተሃልዩ ስጉምቲ ክውሰድ'ዩ ብምባል፡ መንግስቲ ኤርትራ'ውን ከምዝኹንኖን፡ ግፍዒ ዝፈጸሙ ወታሃደራት እንተልዮም ክሕተቱ ምዃኖም ቃል ከምዝኣተወሉን ተዛሪቡ።

ክልቲአን ሃገራት ንምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ይኹን፡ ሓይልታቶም ፈጺሞሞም ዝብሃሉ ግፍዕታት ክነጽግዎ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ድሒሩ ኣብ ዘውጽኦ ኣፈናዊ ጸብጻብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፡ ከተማ ኣክሱም ልዕሊ 100 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉን እዚ ድማ 'ገበን ኲናት' ክኸውን ከም ዝኽእልን ገሊጹ'ሎ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፡ ብዛዕባ'ቲ ጸብጻብ ሎሚ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ እቲ ብሃገራዊ ኮሚሽን ሰባዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝወጸ ኣፈናዊ ጸብጻብ "ስኑዕ ዛንታ'ዩ" ክብል ነጺግዎ።

እቲ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ኣክሱም ተፈጺሙ ተባሂሉ ዝወጽእ ዘሎ ጸብጻባት "ግጉይ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ "እቲ ዕላማ ንጹር'ዩ፡ ሰኒዕካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጠቐነ ብምድርዳር ነቲ ዝፈረሰ ጉጅለ ህወሓት ሂወት ንምዝራእ'ዩ" ድማ ኢሉ።

መንግስቲ ኣመሪካን ሕቡራት ሃገራትን፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ክሓቱ ምጽንሖም ዝዝከር እዩ።

ኣመዓባብላ ናይቲ ኵናት

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።

ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለዘይተቐበሎ ከምዝወጽእ ኣነጺሩ። ኣብ ክፍላ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ። በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ።

ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።

እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገመንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከምዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።

እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ።

ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።

ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።

ብወገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ እናኸረረ ዝመጸ ምትፍናንን ወጥሪን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕን ሰፊሕን ኲናት ኣምሪሑ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።