ኮቪድ-19፡ ቫይረስ ጉንፋዕ ብኸመይ ንኮሮናቫይረስ ይስዕሮ?

ኣፋን ኣፍንጭኣን ሓቲማ እተሀንጥስ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጉንፋዕ ዘስዕቡ ቫይረሳት፡ ንናይ ኮሮናቫይረስ ቫይረሳት ካብ ውሽጢ ሰብነትና ከውጽኡዎም ከም ዝኽእሉ ተመራመርቲ ይገልጹ።

ገለ ቫይረሳት ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ጉድኣት ንምብጻሕ ከም ዝነሓንሑ ሰብ ሞያ እዚ ዓውዲ ይዛረቡ።

ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ግላስጎው ከም ዝብሉዎ ድማ፡ ጉንፋዕ ዘምጽእ ሪኖቫይረስ ዝተባህለ ቫይረስ፡ ንኮሮናቫይረስ ይስዕሮ'ዩ።

ኮሮናቫይረስ ግን ብስፍሓት ይዝርጋሕ ብምህላዉ ሪኖቫይረስ ንኮቪድ'ውን ክቃለሶ ከም ዝኽእል እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ።

ኣብ ውሽጢ ኣፍንጫኹም፣ ጉሮሮኹም ወይ'ውን ሳንቡእኹም ዘለው ዋህዮታት (ሰላት) ብስርዓት ከም ዝተደርደሩ ኣባይቲ ቑጸሩዎም እሞ፡ እቲ ቫይረስ ሓደ ግዜ ናብ ውሽጢ ምስ ኣተወ በሪ ከፊቱ ካልኦት ቫይረሳት ክትዉ ይገብር ወይ'ውን ነቲ በሪ ዓጽዩ ንብሕቱ ምንባር ይጅምር።

ኢንፍሉዌንዛ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ንርእሶም ዝፈትዉ ቫይረሳት'ዩ።

እዚ ቫይረስ እዚ መብዛሕትኡ ግዘ ንብሕቱ'ዩ ኣብ ውሽጢ ኣካላትና ጉድኣት ዘብጽሕ። ፈጺሙ ካልእ ቫይረስ ኣየልግብን።

ከም ኣዴኖቫይረስ ዝበሉ ጽግዕተኛታት ግን ካልኦት ቫይረሳት ምጥፋእ ይፈትው።

ሳርስ-ኮቭ-2 ዝተባህለ ቫይረስ ኮቪድ ዘምጽእ ቫይረስ'ዩ። እዚ ምስ ካልኦት ቫይረሳት ተሓዋዊሱ ክነብር ይኽእል።

እምብኣር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣካላዊ ርሕቀት ንተመራመርቲ ሓደ ዓብዪ ዕዮ ገዛ ኮይኑዎም ዘሎ ጉዳይ'ዩ።

ብምኽንያት ኣካላዊ ርሕቀት ከም ጉንፋዕ ዝበሉ ቫይረሳት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎኦም ተገዲቡ ይርከብ።

እቶም ተመራመርቲ፡ ኮሮናቫይረስን ሪኖቫይረስን ኣብ ሓደ ገይሮም ብሓባር ክጸንሑ ይኽእሉ'ዶ ዝብል ንምፍላጥ መጽናዕቲ ገይሮም'ዮም።

መተሓላለፊ ቱቦ ወዲ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክልቲኦም ኣብ ሓደ ክተሓዋወሱ እንከለው፡ እቲ ጉንፋዕ ዘምጽእ ቫይረስ ይስዓር።

ሪኖቫይረስ ካብ ኮሮናቫይረስ 24 ሰዓታት ቐዲሙ እንተኣትዩ ግን ኮሮናቫይረስ ፈጺሙ ኣይጽግዖን።

ኮሮናቫይረስ ቀዲሙ ኣትዩ ሪኖቫይረስ 24 ሰዓታት ድሒሩ እንተኣትዩ ድማ ንኮሮናቫይረስ ከውጽኦ ይኽእል።

ኣብ 2009 [ኤውሮጳ] ዝተራእየ ለበዳ ስዋይን ፍሉ ኣብ ኤውሮጳ ዝርግሕኡ ክንኪ ዝገበረ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዝተራእየ ሪኖቫይረስ ከም ዝኾነ ይግመት።

ካልኦት ተመራመርቲ ድማ ሪኖቫይረስ፡ ዝተጠቕዑ ዋህዮታት ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ንክዓቢ ይገብር ይብሉ። እዚ ድማ ኮሮናቫይረስ ንከይመሓላለፍ ይገብር።

እንተኾነ፡ ኮሮናቫይረስ ናይ ክረምቲ ኣዋርሕ ምስ ሓለፈን ናይ ምክልኻል ዓቕምኻ ምስ ተዳኸመን ተመሊሱ ክመጽእ ይኽእል።

ኮሮናቫይረስ፡ ገና ዝርግሐኡ ክቕጽል ከም ዝኽእል ይግመት። ካልኦት ብምኽንያት እዚ ለበዳ ጠፊኦም ዝነበሩ ቫይረሳት'ውን ምምጽኦም ኣይተርፍን።

በዚ ምኽንያት ተመራመርቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም ኣገዳሲ'ዩ ይብሉ።

ኮሮና