ኮቪድ-19፡ ኣብዚ ዓመት እቲ ብብዝሒ ኣብ ጉግል ዝተኣለሸ ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብዛ ብጽልዋታት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዐት ዓመት፡ ኣብ ኬንያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይጄሪያን ኮሮናቫይረስ ኣብ ጉግል ብብዝሒ ዝተኣለሸ ክኸውን ግድን'ዩ።
ኣብታ እዚ ለበዳ ከቢድ ማህሰይቲ ዘውረደላ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሰባት ብዛዕባ እቶም ዝተነበሩ መምርሒታት ዕጽዋ፣ ዜናታት ሲጋራን ኣልኮላዊ መስተን ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ጉግል ይእልሹ ነይሮም።
ኣብ ኬንያ፡ ምስቲ ለበዳ ብዝተኣሳሰር ኣልኮል ዘለዎ መጽረዪ ኢድ (ሳኒታይዘር) ከመይ ይስራሕ? ዓቕሚ ምክልኻል ሕማማት ብኸመይ ተዕቢ? ዝብሉ ይእለሹ ነይሮም።
ሓምሻይ ወለዶ (5ጂ) 'ኣብ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ እጃም ኣለዎ እዩ' ብዛዕባ ዝብል ዝምቡዕ ሓበሬታ፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ካብ ሞንጎ ብብዝሒ ሓበሬታ ክረኽብሉ ዝደለዩዎ'ዩ።
ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ መረጻ ኣመሪካ፣ ዝርዝር ሓበሬታ ጆ ባይደንን ምኽትሉ ካማላ ሃሪስን'ውን ኣብ ሰለስቲአን ሃገራት ትኹረት ዝሰሓበ ዛዕባ ነይሩ።
ብኻልእ ወገን ናይጄሪያውያን፡ ዜናታት ህቡባት ሰባት ክረኽቡ ይደልዩ ነይሮም።
ፕሪሚየር ሊግ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣብ ኬንያ እቲ ዝለዓለ ትኹረት ዝረኸበ ጉዳይ ኮይኑ፡ 'ፌም' ዝብል ሙዚቃ ኣፍሮ ቢት ዴቪዶ ኣብ ናይጄሪያ ብብዝሒ ኣብ ጉግል ተኣሊሹ።
ደቡብ ኣፍሪቃውያን ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፍሉጥ ዝኾነ ካብ ፍራምረ ዝስራሕ ኮክቴይል ማርቲን፡ ኣሰራርሕኡ ዝምልከት ንምፍላጥ ይእልሹ ነይሮም።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







