ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ ሞይቱ

ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ ከምዝሞተ ምክትል ፕረዚደንት ሳምያ ሱሉሁ ኣፍሊጣ።

እቲ ድሃይ ኣጥፊኡ ዝቐነየ ወዲ 61 ዓመት ፕረዚደንት ብዝሓደሮ ሕማም ልቢ ኣብ ከተማ ዳሬሳላም ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ከምዝዓረፈ እታ ምክትል ፕረዚደንት ኣብ መንግስታዊ ተለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ጠቒሳ።

ኣብታ ሃገር ናይ 14 መዓልታት ሓዘን ተኣዊጁ'ሎ። ባንዴራ እታ ሃገር ኣብ ፍርቂ ዓንዲ ክትእሰር ምዃና'ውን ተዛሪባ።

ፕረዚደንት ጆን ፖምፐ ማጋፉሊ፡ መበል 5ይ ፕረዚደንት ሃገረ ታንዛንያ ምዃኑ ይፍለጥ።