እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ታንዛንያ፡ ህዝቢ ታንዛንያ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ጾምን ጸሎተን ክገብሩ ጸዊዑ
ፕረዚደንት ታንዛንያ፡ ኣብ ቀብሪ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ መግለጺ፡ ንለደባ ኮሮናቫይረስ ንምስዓር ህዝቢ ታንዛንያ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ክገብሩ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ንሱ፡ ታንዛንያ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከምዝሰዓረቶ ብምሕባር፡ ኣብዚ ዓመት'ውን ነቲ ለበዳ ዳግማይ ከምእትስዕሮ ገሊጹ።
እዚ ወሪዱ ዘሎ ሽግር ድማ ''ካብ ኣምላኽ ዝመጻኣ ፈተና'' ክኸውን ከምዝኽእልን፡ ታንዛንያውያን ክስንብዱ ከምዘይብሎምን ኣተሓሳሲቡ።
ምክትል ፕረዚደንት ጆን ኪጃዚ ሕክምናዊ ክንክል ክግበሩ እንከሎ ብዘይተፈልጠ ሕማም ከምዝሞተ ይፍለጥ።
ፕረዚደንት ማጉፉሊ፡ "እዚ ካልእ ፈተና ካብ ኣምላኽ ዝወረደና ክኸውን ይኽእል'ዩ: ግን ምስ ኣምለኽ ዄንና ክንስዕሮ ኢና። ነንሕድሕና ኣብ ራዕዲ ክነእቱ የብልናን፡ ምኽንያቱ ኩሉ ክሓልፍ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ በደል ጌርና ክንከውን ንኽእል ወይ ይፍትነና ይህሉ፡ ምስ ኣምላኽና ደው ንበል''
''ኹሉኹም ታንዛንያውያን፡ ካብ ሎሚ ጀሚርና ንሰለሰተ መዓልቲ ጸሎትን ጸሞን ንግበር። ሃይማኖታዊ መራሕቲ ብቐጻሊ ጸሎት ክንገብር ኣተባብዑና። ኣምላኽ ነዛ ሃገር ኣይርሕርሓን'ዩ'' ኢሉ።
መንግስቲ ታንዛንያ፡ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣእቲይዎ ከምዝነበረ ክገልጽ ጸኒሑ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ምክትል ፕረዚደንት ዛንዚባር ሴፍ ሻሪፍ ሓማድ ኮሮናቫይረስ ከምዝሞተ ይፍለጥ።
ታንዛንያ፡ ንሓደገኛነት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብቐጻሊ ክትሰትር ብምፍታና ክትክሰስ ጸኒሓ።
መንግስቲ እታ ሃገር፡ ሰባት ናይ ምክልኻል ዓቕሞሞ ክሕይሉ ባህላዊ ፈውስታት ክወስዱ ክምዕድ ጸኒሑ። እንተኾነ፡ እዞም ባህላዊ ይኹኑ ኤርባዊ ፈውሲ ካብ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝከላኸሉ ዝኾነ መርትዖ የለን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር፡ ጅንጅብል፣ ሽጉርቲ፣ ለሚንን ጉዕን ብሓባር ጥሒንካ ምስታይ መድሃኒት'ዩ ዝብል ብተግባር ዝተደገፈ ግን ድማ ብሳይንስ ዘይተረጋገጸ ጉዳይ ንህዝቢ ኣቓሊሓ።
ንኣዋርሕ መንግስቲ ታንዛኒያ፡ እታ ሃገር ካብ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናጻ ከም ዝኾነትን ክታበት ንምዕዳግ መደብ ከም ዘይብላን ክገልጽ ጸኒሑ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሓቀኛ ምስሊ ዝርግሐ እቲ ለበዳ ምፍላጥ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ሎ። ብዛዕባ እዚ ቫይረስ ዓው ኢሎም ድምጾም ዘስምዑ ሰባት'ው ኣዝዮም ውሑዳት ከምዝኾኑ ይግለጽ።