ፕረዚደንት ታንዛንያ ን229 ተምሃሮ ዘጥነሱ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቀይዲ ዘይምእታዎም ተቘጢዑ

ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን ማግፉሉ፡ 229 ደቂ-ኣንስትዮ ተምሃሮ ዘጥነሱ ደቂ ተባዕትዮ ዝኾነ ስጉምቲ ሰለዘይተወሰዶም ኣዝዩ ከም ዝተቘጠዐ ሓቢሩ።

''መንግሰቲ ነጻ ትምህርቲ ይህብ፡ እዞም ሰብኡት ድማ ነዘን ኣዋልድ ኣብ ምጥናስ ተዋፊሮም። ስለምንታይ እዩ ኣብ ልዕሊ እዞም ደቂ ተባዕትዮ ዝኾነ ስጒምቲ ዘይተወስደሎም'' ክብል ኣብቲ ዞባ ዑደት ክገብር እንከሎ ሓቲቱ።

እዘን ዝጠነሳ ተምሃሮ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ዞባ ሩዋካ እየን ዝመሃራ።

እቲ ፕረዚደንት ነተን ተምሃሮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንዝቐረበለን ጸታዊ ምፍትታን ክነጽጋን፤ ትምህርተን ክከታተላን ኣዘኻኺርወን።

''ዝኾነ ወዲ ተባዕታይ ጽቡቓት ኢኽን ኢሎም እንተፈቲኖምኽን፡ ኬድኩም ንኣዴታትና ንገርወን በለኦም። ሓያላት ካብ ምዃን ኣይትፍረሓ። ንስኽን ናይ ጽባሕ መራሕቲ ሃገር ኢኽን፤ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ትምህርትኸን ኣተኲርክን ስርሓ'' ክብል ምዒድወን።

''ኣብዚ ዞባ ኣጋጢሙ ዘሎ ብዝሒ ዝጠነሳ ተምሃሮ፡ ብጣዕሚ ዘሰንብድ እዩ። እዞም ን229 ኣዋልድ ዘጥነሱ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትው ትጽቢት ነይሩኒ። እንተኾነ ግን ዝተወስደ ስጉምቲ የለን'' ብምባል ቁጥዑኡ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ንኣማሓደርቲ እቲ ዞባን መራሕቲ ሃይማኖትን ስርሖም ክገብሩ ብዘይምኽኣሎም ድማ ወቒሱ።

ኣብ 2017፡ ፕረዚደንት ጆን ማግፉሉ፡ ዝወለዳ ደቂ-ኣንስትዮ ንቤትትምህርቲ ክምለሳ ክፍቀደለን የብሉን ብምባሉ ብዙሕ ነቐፌታት በጺሕዎ ነይሩ እዩ።