እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ታንዛንያ ናይ ፈለማ ቦይንግ 787-8 ድሪምላይነር ዓዲጋ
መንግስቲ ታንዛንያ መቐጸልታ ናየቲ ንመንገዲ ኣየር ታንዛንያ ንምዕባይ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታት፡ ፈላሚት ቦይንግ 787-8 ድሪምላይነር ዓዲጉ።
ኣብ ጽምብል ምቕባል እታ ነፋሪት፡ ኣብ ቁጠባዊት ርእሰ ከተማ 'ታ ሃገር ዝተረኽበ ፕረሲደንት ጆን ማጉፉሊ ታንዛንያ፡ ኣብ ጽላት መጉዓዝያ ኣየር ክትጻወት ኣንቂዳቶ ዘላ ዓቢይ ተራ ዘርእይ ምዃኑ ሓቢሩ።
"ኣበዛ ናይ ሎሚ ዓለም፡ ናይ በረራ ኣገልግሎት ዘየድልያ ሃገር የላን" ድሕሪ ምባል፤ እዚ ንታንዛንያዉያን ኣብ መላእ ዓለም፡ ኣብ ዝገብርዎ ቢዝነስ ሓጋዚ ከምዝኸዉን ገሊጹ።
እዛ 262 ሰባት ክተሳፍር እትኽእል ነፋሪት፤ ስም ናይቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ እምባ፡ ኪሊማንጃሮ ተዋሂብዋ ኣሎ።
ኣብ መስከረም ናብ ህንዳዊት ከተማ ሙምባይ፡ ጎንዞ ቻይና ከምኡዉን ናብ ባንኮክ ታይላንድ በረራ ክትጅምር ኢያ።
መንግስቲ ነቲ እናተዳኸመ ዝኸይድ ዘሎ ሃገራዊ መንገዲ ኣየር ንምብርባር ብዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ እዚያ መበል ራብዓይቲ ነፋሪት ኢያ ትዕደግ ዘላ።