እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሞዛምቢክን ዲሞክራቲክ ኮንጎን ኣብ መዝገብ ሽበራ ኣስፊራ
ኣመሪካ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎን ሞዛምቢክን ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ተቓወምቲ: ኣሸበርቲ ጉጅለታት ወጻኢ ኢላ መዝጊባቶም፡፡
ኣብ ዲሞክራክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝንቀሳቐስ ‘ኣላይድ ዲሞክራቲክ ፎርስስ’ (ኤዲኤፍ) ን ኣብ ሞዛምቢክ ዝንቀሳቐስ ኣል-ሻባብ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣል ኣንሳር ኣል-ሱናን ደገፍቲ ዓለምለካዊ ጉጅለ ግብረ ሽበራ ኢስላሚክ እስቴት (ኣይኤስኣይኤስ) ከምዝኾኑ ኣመሪካ ገሊጻ።
መራሕቲ እቶም ዕጡቓት ብፍሉይ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ኣሸበርቲ ዝተመዝገቡ እንትኾን፡ ማዕቀብ ክግበረሎም እዩ።
ኩሎም ሃፍቲታት እቶም ኣሸበርቲ ተባሎም ዝተመዝገቡ ኣካላት ከይንቀሳቐሱ ከምዝእገዱ ዝሓበረ መግለጺ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ‘‘ብሓፈሻ ኣመሪካውያን ምስኣቶም ንግዳዊ ንጥፈታት ከካይዱ ኣይፍቀደሎምን’’ ኢሉ፡፡
ኤ ዲ ኤፍ ዝተባህለ ዓማጺ ጉጅለ ኣብቲ ብሃብቲ መዓድን ሃብታም ዝኾነ ምብራቓዊ ኮንጎ ካብ ዝንቀሳቐሱ ጉጅለታት ሓደ ኮይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ሰላም ንክሰፍን ምስ ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት መንግስትን ሕቡራት ሃገራትን ክጓነጽ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ መወዳእታ 2019 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ወታሃደራት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ወታሃደራዊ ወፍሪ ካብ ዝጅምር ናብዚ፡ እቲ ጉጅለ በኣማኢት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተለ እዩ ዝግለጽ፡፡
ኣብ ሞዛምቢክ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ጉጅለ ኣንሳር ኣል-ሱና ድማ ኣብታ ሃገር ንዝተፈጸሙ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ መጥቃዕቲታት ግብረ ሽበራ ተሓታቲ ኮይኑ፡ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ካብ ጥቅምቲ 2017 ጀሚሩ ልዕሊ 1300 ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተለ መግለጺ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሓቢሩ፡፡