ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ነባር መራሕቲ ህወሓት፡ ‘ዝቐረበልና ክሲ ፖለቲካዊ እዩ’ ኢሎም

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ነባር መራሕቲ ህወሓት፡ እቲ ዝቐረበሎም ክሲ “ፖለቲካዊ እዩ” ኢሎም ከምዝኣምኑ ተገሊጹ።

እቶም እሱራት ነዚ ዝበሉ፡ ንኩነታት ኣተሓሕዘኦም ክዕዘብ፡ ናብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ምብጻሕ ንዝገበረ ዋና ኮሚሽነር ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዳንኤል በቀለን ካልኦት ላዕለዎት ሰብመዚ ናይ’ቲ ኮሚሽንን እዩ።

ሓደ ካብ መስረቲ ህወሓት ዝኾነ ኣቶ ስብሓት ነጋ፡ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኮይኑ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ ኣቶ ኣባይ ወልዱን ካልኦት ላዕለዎት መራሕቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ውድብ ህወሓትን ዝነበሩ ብሓይልታት ጸጥታ ፈደራል ተታሒዞም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይዝከር።

ዝቐረበሎም ክስታት ድማ ንህወሓት ብላዕለዋይነት ምምራሕ፣ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ብምፍጻም፣ ክሕደት ሃገር፣ ከምኡ ድማ ኣባላት ፖሊስን ምክልኻልን ምዕጋት ዝብል እዩ።

ንኣስታት 20 ዓመት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ዝሰርሐን ሓደ ካብ ቀዳሞት መስረቲ ህወሓትን ዝኾነ ኣቶ ስዩም መስፍን፡ መዘናኡ ዝኾነን ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ላዕለዋይ ሚኒስተር ዝነበረ ኣቶ ኣባይ ጸሃየን ዓይነስዉርን ስንኩልን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ኣቶ ኣስመላሽ ወልደስላሰን ብ13 ጥሪ ተቐቲሎም እዮም።

እቲ ኮሚሽን ከምዝበሎ፡ ብቀዳም ንኣብረሀም ተከስተ (ዶ/ር)፣ ኣምባሳደር አባይ ወልዱ፣ ኣይተ ስብሓት ነጋ፣ ኣምባሳደር አባዲ ዘሞ፣ ኣይተ ቴድሮስ ሓጎስ፣ ሰለሞን ኪዳኔ (ዶ/ር)፣ ኣዲስ ዓለም ባሌማ (ዶ/ር)፣ ወ/ሮ ኬሪያ ኢብራሂም፣ ወ/ሮ ሙሉ ገብረእግዚአብሔር፣ ወ/ሮ ቅዱሳን ነጋን ሓዊሱ ን 21 እሱራት ሓቲቱ።

“መብዛሕተኦም እሱራት እቲ ዝቐረበሎም ክሲ ፖለቲካዊ እዩ ኢሎም ከምዝኣምኑ፤ ዝተጠርጠርሉ ጉዳያት ድማ ንነበይኖም ዘይምቕራቡን ከይዲ ምርመራ ቅልጡፍ ዘይምንባሩን ገሊጾም ጥርዓናት ኣቕሪቦም” ኢሉ እቲ ኮሚሽን ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ።

እቲ መንግስታዊ ኮሚሽን፡ ሕዚ ዘለውሉ ኩነታት “ተቐባልነት ዘለዎ” እዩ ብምባል፡ እቶም እሱራት ምስ ስድረኦምን ጠበቓታቶምን ከምዝራኸቡን ሕክምና’ውን “ብዘሎ ዓቕሚ” ይረኽቡ ምህላዎም ከምዝኣምን ገሊጹ’ሎ።

እቶም እሱራት፡ ኣብ’ቲ ሕዚ ዘለውሉ ቤት ማእሰርቲ፡ “ዘይግቡእ ኣተሓሕዛ የለን” ከምዝበልዎም’ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

እንተኾነ፡ ኣብ ቀይዲ ኣብ ዝወዓልሉ እዋን “ጸርፊ፣ መውቃዕቲ፣ ምፍርራሓትን ተኹስን ከምዝነበረን መቑሰልቲ ከምዘጋጠሞምን” ገሊጾም እዮም ኢሉ።

ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምውዓሎም’ውን፡ ቤት ፍርዱ ከይቀረቡ ንነዊሕ እዋን ምጽነሖምን ናቶምን ናይ ስድረኦምን ናይ ባንኪ ሕሳብ ስለዝተዓጸወ፡ ስድረኦም ኣበ ጸገም ከምዝወደቑን ተዛሪቦም ይብል እቲ መግለጺ።

ብተወሳኺ ድማ “ናጻ ኮይንና ናይ ምርኣይ መሰልና ብዝዳፋእ መልክዑ፡ ኣብ ሚድያ መስርዕ ኣትሒዝካ ምቕራብን ምንኣስን ነይሩ” ዝብል ጥርዓን ከምዘቕረቡ ተጠቒሱ።

ኣብ ትግራይ ጎንጺ ምስተወለዐ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ፖለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ ህወሓት ትእዛዝ ማእሰርቲ ከምዘውጸአን ንገሊኦም ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለን ንገሊኦም ድማ ከምዝቐተለን ይፍለጥ።

ኣመዓባብላ እቲ ጎንጺ

እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነበረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።

ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።

ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስመጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።