እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ ሰራዊታ ኣብ ትግራይ 'ጃምላዊ ቅትለት' ፈጺሙ ንዝብል ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ነጺጋቶ
ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ቆልዑ 13 ዓመት ዝርከብዎም ብዙሓት ሲቪላውያን ሰባት ከምዝቐተለ ዝገልጽ ብጉጅለ ተጣባቒ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ዝወጸ ጸብጻብ "ግጉይ" እዩ ክትብል ኤርትራ ነጺጋቶ ።
ካልእ ንመሰል ሰባት ዝሕለቕ ትካል ኣምነስቲ ኢንርናሽናል'ውን: ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሲቪላውያን ሰባት ብወተሃደራት ኤርትራ ከምዝተቐተሉ ገሊጹ ነይሩ።
ይኹን እምበር፡ ኤርትራ ብወገና፡ እቲ ብሂማን ራይትስ ዎች ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻብ "ነቲ ብብዙሓት ተቐባልነት ዘይረኸበ ግጉይ ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝደጋግም'ዩ" ክትብል ነጺጋቶ'ላ።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገረብመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ክልቲኦም "ማናቱ" ተጣበቕቲ ጉጅለታት ኣብ ኤርትራ "ናይ ስርዓት ለውጢ" ንምምጻእ ክሰርሑ ዝጸንሑ'ዮም ክብል ከሲሱ።
ሂማን ራይትስ ዎች ወሲኹ፡ ኣብ ትግራይ ንዘተፈጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምጽራይ ተሓታትነት ዘስፍን ዘይሻራዊ ምርመራ ክግበር ጸዊዑ'ሎ።
ኣምነስቲ ነዚ ጸብጻብ ምስኣውጸአ፡ መንግስታዊ ትካል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቲ ቅትለታት "የጻርዮ ኣለኹ" ኢሉ ነይሩ።
ደብዳብ ብኣልማሚት
ሂዩማን ራይትስ ዎች ወሲኹ፡ ብ 19 ሕዳር ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብኣልማሚት ደብዳብ ብምፍጻሞም ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱን ከምዝተጎድኡን ገሊጹ።
ከተማ ኣክሱም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ምስኣተወት ድማ፡ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ሰላማዊ ሰባት ብጥይት ከምዝተቐተሉ፣ ንብረት ከምዝተዘመተን ከምዝዓነወን እቲ ትካል ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ።
ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ድማ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ከተማታት መቐለ፣ ሑመራን ዓዲግራትን ብኣልማሚት ከምዝተደብደባ፣ ኣብ ኣክሱምን ደንገለትን ድማ ጃምላዊ ቅትለታት ብሓይልታት ኤርትራ ከምዝተፈጸመ ጠቒሱ እዩ።
ሕዳር 28 ድማ፡ ሚሊሻታት ትግራይን ነበርቲ ኣክሱምን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ሕነ ንምፍዳይ መብዛሕተኦም ተባዕትዮ ዝኾኑ ቆልዑን ዓበይትን ነበርቲ ኣክሱም ከምዝተቐተሉ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ'ቲ ሎሚ ዘውጸኦ ጸብጻብ ገሊጹ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ኣብ ዝሃቦ ኣፈናዊ መብርሂ "ውሑዳት ነበርትን ዕጡቓት ህወሓትን መጥቃዕቲ ምስፈጸሙሎም፡ ወተሃደራት ኤርትራ ሕነ ንምፍዳይ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ቁጽሮም ዘይፍለጥ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ኣብ'ታ ከተማ ተቐቲሎም" ክብል ይገልጽ።
ሓላፊት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ላቲሻ ባደር "ወተሃደራት ኤርትራ፡ ንህይወት ሰላማውያን ሰባት ከይተገደሱ ኣብ ኣክሱም ጭካነ ዝተመልኦ ቅትለታት ፈጺሞም" ኢላ።
ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ኣትዩ ኣብ'ቲ ጎንጺ ተሳታፊ ምዃኑ ኣብ ዝተፈላለየ ጸብጻባት እኳ እንተተገለጸ፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ግን ነዞም ጸብጻባት ይነጽጉዎም።
ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ወተሃደራት ኤርትራ ምዃኖም ብኸመይ ይፍለጡ?
ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ከምዝብሎ፡ ካብ'ቲ መጥቃዕቲ ዝተረፉ ሰባት፡ ነቶም መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ዝግለጹ ወተሃደራት፡ ብቁጽሪ ሰሌዳ ተሽከርከርቶም፣ ብዝተፈለየ ክዳን ደንቦም፣ ብላህጀኦምን ብሽዳ ሳእኖምን ፈልዮም ከምዝፈልጥዎም ይገልጹ።
እቲ ትካል ነቲ ኣውጺእዎ ዘሎ ጸብጻብ ኣብ'ታ ከተማ ንዝርከቡ 28 ግዳያትን መሰኻኽር ዓይንን ብስልኪ ብምዝርራብ፣ ከምኡ ድማ ተንቀሳቐስቲ ስእልታት ብምጽራይ እዩ ኣሰናዲእዎ።
ሂዩማን ራይተስ ዎች ነቲ ርኽበታቱ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን እንተቕረቦ'ኳ መልሲ ግን ከምዘይረኸበ ገሊጹ'ሎ።
ቅድም ክብል ኣምነስቲ ኢንተናሽናል፡ ወታሃደራት ኤርትራ ኣብ ኣኽሱም ቅትለት ፈጺሞም ኢሉ ንዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ኤርትራ ከምዘይትቕበሎ ምግላጻ ይዝከር፡፡
ሚኒስትሪ ዜና የማነ ገብረ መስቀል፡ ነቲ ወታሃደራት ኤርትራ ቅትለት ከምዝፈጸሙ ዝገልጽ ጸብጻብ ብትዊተር ኣቢሉ ነጺግዎ እዩ፡፡
ሓላፊት ሂዩማን ራይትስ ዎች ላቲሻ ባደር ''ብሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝተፈጸሙ በደላት ፍትሒ ንምርካብ ነቲ ተግባር ምኹናን ጥራሕ እኹል ኣይኮነን'' ብምባል ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ካብ ኣባል ሃገራት ሕቡራት መንግስታት ትኹረትን ተግባርን ከምዝጠልብ ጠቒሳ፡፡
ትማሊ ሓሙስ ድማ ላዕለወይቲ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባችለት፡ ካብ ትግራይ ዝወጹ ዘለዉ ጸብጻባት፡ ኣብ'ቲ ጎንጺ ዝሳተፉ ዘለዉ ሓይሊታት ከበድቲ ጥሕሰታት ዓለማዊ ሕጊታት ከምዝጠሓሱ ዘርእዩ ከምዝኾኑ ገሊጻ፡፡
ብተወሳኺ እቶም ሓይሊታት ' ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣዊነትን ፈጺሞም ክኾኑ ከምዝኽእሉ'' ዝጠቐሰት ሚሸል ባችለት፡ ትካላ ነቶም ጥሕሰታትን ተፈጺሞም ዝተባህሉ ጾታዊ ዓመጻትን ክምርምር ፍቓድ ክወሃቦ ሓቲታ እያ፡፡
ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ ብወገኑ፡ ኣብ'ዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ትግራይ ተፈጺሞም ዝተባህሉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን መቕተልትን ብዝምልከት መንግስቲ ምስ ፌደራል ፖሊስ፣ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ፣ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰልን ጊዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ኮይኑ ምርመራ ከምዝገብር ተዛሪቡ፡፡
ብመሰረት ውጽኢት እቲ ምርመራ ኣብቲ ገበን ዝተሳተፉ ኣካላት ከምዝሕተቱ ዝገለጸ ኣምባሳደር ዲና፡ ኣብ ከይዲ እቲ ምርመራ 'ሓገዝ ዘድሊ እንተዳኣኾይኑ' መንግስቲ ደጋዊ ኣካላት ክዕድም ከምዝኽእል ተዛሪቡ ነይሩ፡፡
ኣመዓባብላ እቲ ጎንጺ
እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነበረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።
ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።
ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስመጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።