ኣብ ኢትዮጵያ ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ ሎሚ ክወሃብ ጀሚሩ

ናይ 2012 ዓ.ም መዛዘሚ ካልኣይ ብርኪ ፈተና 12 ክፍሊ፡ ካብ ሎሚ 29 ለካቲት 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ክወሃብ ተጀሚሩ።

ብሰንኪ ኮቪድ-19 ናብ’ዚ ዓመት ዝተሰጋገረ ናይ 2012 ዓ.ም ሃገራዊ ፈተና፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ 2 መጋቢት 2013 ዓ.ም እዩ ከወሃብ ተባሂሉ።

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ተምሃሮ ኣብ ውሽጢ’ቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲታት ከምዝወስዱ፡ ሚኒስተር ትምህርቲ ከምዘፍለጠ ዝዝከር እዩ።

እቶም ተፈተንቲ ፈተነኦም ዝወስድሎም ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፡ ዩኒቪርሲታት መቐለ፣ ኣክሱም፣ ዓዲግራትን ራያን ከምዝኾኑ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ኣብቲ ክልል ብዘሎ ስግኣት ጸጥታን ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ትምህርቲ ዕንወት ስለዝበጽሐን፤ እቶም ተምሃሮ ኣብ ዝቐርቦም ዩኒቨርስቲታት ክወስዱ እዩ ተወሲኑ።

ምክትል ሓላፊት ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ፡ ኢንጂነር ኣስቴር ይትባረክ ከምዝበለቶ፡ ናይ ምፍታንን ዘይምፍታንን ናይ’ቶም ተምሃሮን ወለዶምን ምርጫ ምዃኑ ወሲኻ ተዛሪባ።

ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ክወስዱ ዘይተመቸዎም ተምሃሮ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ክፍተኑ ከምዝኽእሉ ሓቢራ።

ሚኒስትር ትምህርቲ፡ እቲ ብኦንላይን ክወሃብ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ናይ 2012 ሃገርለኸ መልቀቒ ፈተና፡ ብወረቐት ከምዝወሃብ ቅድም ክብል ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ሚኒስትር ትምህርቲ ጌታሁን መኩርያ [ፒ ኤች ዲ] ብኦንላይን ክወሃብ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ሃገርለኸ ፈተና፡ ብሰንኪ ኮሮና እቶም መፈተኒ ታብሌታት ናብ ዓዲ ክኣትዉ ከምዘይከኣሉ ገሊጹ ነይሩ።

ቅድም ክብል ግን፡ ሚኒስትር ትምህርቲ፡ ነቲ ፈተና ብኦንላይን ንምሃብ ክዳሎ ምጽንሑ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ሚኒስትር ትምህርቲ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ናብ 2012 ዓ.ም ናይ 12 ክፍሊ መልቀቒ ፈተና ናብ ወርሒ ታሕሳስ ዘዛወረ ኮይኑ፡ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ንካልኣይ ግዘ ናብ ወርሒ 29 የካቲት 2013 ዓ.ም ምንውሑ ዝዝከር እዩ።