መዝገበ ቃላት ኢጣልያ፡ 'ሰበይቲ' ንዝብል ቃል ዝሃቦ ትርጉም ክቕይር ተሓቲቱ

ኣስታት 100 ፍሉጣት ሰባት፡ ትሪካኒ ዝተባህለ መዝገበ ቃላት ኢጣልያ፡ ‘‘ሰበይቲ’’ ንዝብል ቃል ዝሃቦ ፍታሕ ክቕይር ብደብዳበ ሓቲቶም።

እቶም ተቓወምቲ፡ ‘‘ሰበይቲ’’ ንዝብል ቃል ኣብቲ መዝገበ ቃላት ተመሳሳሊ ፍታሕ ተባሂሎም ዝቐረቡ ከም ‘‘ፑታና’’ (ፋይቶት፡ ብዝሙት እትናበር) ዝኣመሰሉ ኣነወርቲ ቃላት ካብቲ ዝርዝር ክእለዩ እዮም ዝጠልቡ።

‘‘ንደቂ ኣንስትዮ ዘጓንይን ዘነኣእስን እዩ’’ ዝብል ሓሳብ ድማ ከም መካትዒ ዘቕረብዎ እዩ።

ናይ ኦንላይን መዝገበ ቃላት ዝኾነ ትሪካኒ ኣብዚ ዛዕባ መልሲ ዘይሃበ ኮይኑ፡ ቅድም ክብል ግን ኣካይድኡ ልክዕ ከምዝኾነ ገሊጹ ነይሩ።

ፖለቲከኛን ተሟጓቲት ስነ ጾታን ኢማ ባታግልያ፣ ፖለቲከኛ ላውራ ቦልድሪኒ፣ ምክትል ዳይረክተር ባንኪ ጥልያን ኣለሳንድራ ፐረዘሊን ገለ ካተን ጎስጎስቲ እየን።

ቅድም ክብል መዝገበ ቃላት ኦክስፎርድ፡ ሰበይቲ ንዝብል ቃል ዝሃቦም ‘‘ቢንት’’ን ‘‘በርድ’’ን ዝብሉ ፍታሓት፡ ኣሻሓት ሰባት ብዝኣከብዎ ፊርማ ከወጽኡ ከምዝገበረ ዝዝከር እዩ።

ካብተን ጎስጎስቲ ሓንቲ ዝኾነት ማርያ ጂዮቫናርዲ፡ ትሪካኒ ዘቕጦም ፍታሓት ካብ ናይ ክስፎርድ ዝገደዱ ከምዝኾኑ ብምሕባር ፋይቶታት ንምግላጽ 30 ቃላት ከምዝሰፈሩ ኣመልኪታ።

ብኣንጻሩ ‘‘ሰብኣይ’’ ዝብል ቃል ግን ‘‘ቢዝነስማን’’ (ነጋዳይ) ምስ ዝኣመሰሉ ኣወንታዊ ቃላት ክተኣሳሰር ከምዝተገበረ ተዛሪባ።

ኣብቲ ደብዳበ ድማ ‘‘ቋንቋ ክውንነት ይቐርጽ እዩ፤ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝረኣያሉን ዝተሓዛሉን መገዲ እውን ጸቕጢ ኣለዎ’’ ኢላ።

ብተወሳኺ እቲ ዝግበር ለውጢ መዓልታዊ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ምጉናይ ደው ዘብሎ እኳ እንተዘይኮነ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብኣግባቡ ኣብ ምግላጽን ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘለወን ተራ ኣብ ምጉላህን ከምዝሕግዝ ማርያ ጂዮቫናርዲ ገሊጻ።