ኮቪድ፡ ብራዚል ብኮቪድ ዝሰዓበ መዓልታዊ ዝለዓለ ቁጽሪ ሞት ተመዝግብ ኣላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብራዚል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ብረቡዕ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝልዓለ መጠነ ሞት ኣመዝጊባ።
ሚኒሰትሪ ጥዕና እታ ሃገር ብረቡዕ ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 1910 ሞት ከምዝተመዝገበ ብምሕባር፡ እቲ ቁጽሪ ኣብታ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ክምዝገብ ናይ መጀመርታ ተርእዮ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ዝልዓለ ቁጽሪ ሞት፡ ተመራመርቲ ኣብ ብራዚል ተራእዩ ዘሎ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ብቅልጡፍ ዝላባዕን ሓደገኛ’ዩ ኢሎም ኣብ ዝገልጽሉ ዘለዉ እዩ ዝምዝገብ ዘሎ።
ብራዚል ብሓፈሻ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ሰባት ክሞትዋ እንከለዉ፡ ብብዝሒ ሞት ንኣመሪካ ተኸቲላ ካብ ዓለም ኣብ ካልኣይ ደረጃ እያ ተሰሪዓ ዘላ።
ኣብ ብራዚል ኩነታት ኮሮናቫይረስ ከመይ እዩ ዘሎ?
ኣብታ ሃገር ክሳብ ሕጂ 10.5 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ፡ በዚ መሰረት ብራዚል ብብዝሒ መልከፍቲ ንኣመሪካን ህንድን ተኸቲላ ካብ ዓለም ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።

ምንጪ ስእሊ, ብራዚል ብኮቪድ ዝሰዓበ መዓልታዊ ዝለዓለ ቁጽሪ ሞት ተመዝግብ ኣላ
ኮሮናቫይረስ ናብ ብራዚል ከምስኣተወ ምስ ተረጋገጸ ክሳብ ወርሒ ሓምለ 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ ብሓንሳብ እዩ ናብ ዝልዓለ ብራኸ ደይቡ፡ ኣብቲ ወርሒ እቲ ኣብ ብራዚል መዓልታዊ ልዕሊ 70000 ሓዲሽ መልከፍትን ልዕሊ 1500 ሞትን ይምዝገብ ነይሩ።
እቲ መጠን መልከፍትን ሞትን ክሳብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር እኳ ነክዩ እንተነበረ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስለዝጀመረ ኣብታ ሃገር ካብ ወርሒ ጥሪ 2021 ጀሚሩ መጠን መልከፍትን ሞትን መዓልታዊ እዩ ዝውስኽ ዘሎ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ኮይኖም መጽናዕቶም ዘካይዱ ዘለዉ ካብ ዩኒቨርሰረቲ ሳኢ ፓውሎ ዝተዋጽኡ ተመራመርቲ፡ እቲ ወሰኽ መልከፍትን ሞትን ጠይቁ እቲ ኣብ ብራዚል ዝተራኣየ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ክኸውን ከምዝኽእል እዮም ዝግምቱ።
ማኑስ ፡ ኣብ ዞባ ኣማዞን ናይ ብራዚል ትርከብ ከተማ ኮይና በቲ ቀዳማይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብኸቢድ ካብ ዝተሃስያ ከተማታት ብራዚል እያ።
ሓደ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዝተገበረ መጽናዕቲ ከምዘሕብሮ፡ ኣብቲ እዋን ካብ ነበርቲ እታ ከተማ እቶም 75 ሚኢታዊት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከምዝነበሩ የነጽር።
እታ ከተማ ዋላ እኳ በዚ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ’ውን ትተሃሰ፡ ብተዛማዲ ግን ኣብ ዝሓሸ ኩነታት እያ ዘላ።
ተመራመርቲ ካብዚ ብምብጋስ ነቲ ቀዳማይ ማዕብል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝሓለፍዎ ሰባት በቲ ካልኣይ ማዕበል ብዙሕ ከምዘይተሃሰዩ እዮም ዝድምድሙ።
እቲ ኣብ ብራዚል ዝተረኸበ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ እንታይ እዩ ዝብሃል?
እቲ ኣብ ብራዚል ዝተረኸበ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ፒ-1 ዝብል ስም ዝተውሃቦ ኮይኑ ኣብ ወርሒ ጥሪ ካብ ከተማ ማኑስ ናብ ጃፓን ኣብ ዝተጉዓዘ ሰብ እዩ ተረኺቡ።
ካብዚ ብምብጋስ እቲ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ ብራዚል ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ከምዝነበረ ግምታት ኣለዎም።
እቲ ኣብ ከተማ ማኑስ ዝረአ ዝነበረ ቅልጡፍን ብዙሕን መልከፍቲ’ውን እዚ ሓዲሽ ኮሮናቫይረስ ዘስዓቦ ክኸውን ከምዝኽል ጥርጣረታት ኣሎ፡ እዚ ሓቂ እንተኾይኑ ኸኣ እቲ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ካብ ወርሒ ሓምለ 2020 ኣብ ብራዚል ነይሩ እዩ ማለት እዩ።
ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ ብዘሎ ኣፈናዊ መጽናይቲ ፒ-1 ካብቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ ኮሮናቫይረስ ብዕጽፊ ናይ ምልባዕ ባህሪ ከምዘለዎ’ዩ ዘርኢ።
ጉዳይ ክታበትከ ኣብ ብራዚል ከመይ ኣሎ?
ብራዚል ኣብ ላቲን ኣመሪካ እታ ዝበዝሐ መልከፍቲ ዘመዝገበት ሃገር እያ፡ ዘይከምቲ ኣብታ ሃገር ተመዝጊቡ ዘሎ መልከፍቲ ግን እታ ሃገር ኣብ ክታበት ድሒራ ምህላዋ እዩ ዝንገር።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ሳኦ ፓውሎ ኣብ 17 ጥሪ 2021 ሓንቲ ነርስ ናይ መጀመርታ ክታበት ተዋሂባ፡ እዚ ቺለ፡ ሜክሲኮን ኮስታሪካን ብዛዕባ ክታበት ጎስጓስ ምስ ጀመራ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን እዩ ዝኸውን ዘሎ።
እታ 211 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ብራዚል እቶም ኣብ ዶባት እታ ሃገር ዝርከቡ ሚልዮናት ዝኾኑ ህዝባ ንምኽታቦም ከሸግራ ከምዝኽእልን እታ ሃገር ካብ ደገ ዝጠለበቶ ክታበታት ይድንጉያ ምህላውን ኣብ ምክፍፋል እቲ ክታበት ኸኣ ውህደት ይጎድል ምህላዉ እዩ ዝንገር።
ብሓፈሻ ኣብ ብራዚል ክሳብ ሕጂ 7.1 ሚልዮን ሰባት ብውሕዱ ሓንሳብ ተኸቲቦም ኣለዉ፡ እዚ ኸኣ 3.4 ሚኢታዊት ካብ ብዝሒ ህዝቢ ብራዚል ጥራይ እዩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







