ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ 15 ስደተኛታት ጥሒሎም፡ 100 ድሒኖም

ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ሰእሊ 2018

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ሰእሊ 2018

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ 15 ስደተኛታት ከምዝጠሓሉን ብውሑዱ 100 ካልኦት ከምዝድሓኑን ተገሊጹ።

መብዛሕትኦም ካብቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ካብ ሃገራት ካሜሮን፡ሱዳንን ማሊን ምዃኖም’ውን ኤኤፍፒ ጠቂሱ።

ኣይኦኤም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ’ውን እቶም ብህይወት ዝድሓኑ ስደተኛታት ብቑሪ ከርዲዶም ከምዝጸንሑ ገሊጹ።

ብዓርቢ፡ ኣብ ሊብያ ዝርከብ ኣይኦኤም ልዕሊ 150 ስደተኛታት ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ከምዝተመለሱ ገሊጹ ነይሩ።

ኣይኦኤም ኣብ መግለጺኡ ኣብ ውሽጢ እዚ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት፡ ብውሕዱ 3700 ህጻናትን ደቂ ኣንስትዩን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ባሕሪ ናብ ሊብያ ከምዝተመለሱ ብመግላጽ ኣብ ውሽጢ ሊብያ ዝግበረሎም ዘሎ ኣተሓሕዛ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናኸፈአ ይምጽእ ምህላዉ ሓቢሩ።

ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገረ ሊብያ፡ ድሕሪ ውድቀት መራሒ እታ ሃገር ነበር ሙዓመር ጋዳፊ ኣብ ኵናት ሓድሕድ ስለዝተሸመመት ምሉእ ምቁጽጻር ዘለዎ መንግስቲ ክትተክል ኣይክኣለትን።

ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ መንግስቲ ኣልቦ ቦታታት ኸኣ ብዙሓት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ነቲ ንማእከላይ ባሕሪ ሰጊርካ ዝግበር ጉዕዞ ስደት ከም ቀንዲ መሰጋገሪት እዮም ዝጥቀሙላ።