ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ 15 ስደተኛታት ጥሒሎም፡ 100 ድሒኖም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ 15 ስደተኛታት ከምዝጠሓሉን ብውሑዱ 100 ካልኦት ከምዝድሓኑን ተገሊጹ።
መብዛሕትኦም ካብቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ካብ ሃገራት ካሜሮን፡ሱዳንን ማሊን ምዃኖም’ውን ኤኤፍፒ ጠቂሱ።
ኣይኦኤም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ’ውን እቶም ብህይወት ዝድሓኑ ስደተኛታት ብቑሪ ከርዲዶም ከምዝጸንሑ ገሊጹ።
ብዓርቢ፡ ኣብ ሊብያ ዝርከብ ኣይኦኤም ልዕሊ 150 ስደተኛታት ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ከምዝተመለሱ ገሊጹ ነይሩ።
ኣይኦኤም ኣብ መግለጺኡ ኣብ ውሽጢ እዚ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት፡ ብውሕዱ 3700 ህጻናትን ደቂ ኣንስትዩን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ባሕሪ ናብ ሊብያ ከምዝተመለሱ ብመግላጽ ኣብ ውሽጢ ሊብያ ዝግበረሎም ዘሎ ኣተሓሕዛ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናኸፈአ ይምጽእ ምህላዉ ሓቢሩ።
ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገረ ሊብያ፡ ድሕሪ ውድቀት መራሒ እታ ሃገር ነበር ሙዓመር ጋዳፊ ኣብ ኵናት ሓድሕድ ስለዝተሸመመት ምሉእ ምቁጽጻር ዘለዎ መንግስቲ ክትተክል ኣይክኣለትን።
ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ መንግስቲ ኣልቦ ቦታታት ኸኣ ብዙሓት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ነቲ ንማእከላይ ባሕሪ ሰጊርካ ዝግበር ጉዕዞ ስደት ከም ቀንዲ መሰጋገሪት እዮም ዝጥቀሙላ።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







