ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2024 ንፕረዚደንትነት ከምዝወዳደር ኣአንፊቱ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ሰንበት ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ኣኼባ ፖሎቲካዊ ተበግሶ ዓቃባውያን መደረ ኣብ ዘስምዓሉ፡ ድምጺ ሪፓብሊካውያን መታን ከይከፋፈል ሓዲሽ ፖሎቲካዊ ሰልፊ ናይ ምምስራት ውጥን ከምዘይብሉ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ስልጣን ፕረዚደንትነት ካብ ዝርከብ ንመጀመርታ ግዜ መደረ ዘስምዐ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2024 ንፕረዚደንትነት ከምዝወዳደር ኣብ መደርኡ ኣአንፊቱ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ንፕሪደንት ጆ ባይደን ብተሪር ብምንቃፍ፡ ነቲ ጆ ባይደን ዝኽተሎ ሃገራዊ ፖሊሲ ንኣመሪካ "ካብ ቅድሚት ናብ ድሕሪት ዝመልስ’ዩ” ኢልዎ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣኼባ ፖሎቲካዊ ተበግሶ ዓቓባውያን (Conservative Political Action Conference (CPAC)) ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣብ ልዕሊ ሰልፊ ሪፓብሊካን ጸቅጥን ጽልዋን ናይ ምፍጣርር ድሌት ከምዘልዎ ዘርኢ እዩ ዝበልዎ ኣይተስኣኑን።

ኣብ'ቲ ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ዝሳተፉ ዘለዉ መብዛሕትኦም፡ ዕሉላት ደገፍቲ ትራምፕ እዮም።

ኣብ'ቲ ኣኼባ ኣባል ላዕላዋይ ሓጋጊ ባይቶ ቴክሳስ ቴድ ክሩዝን ወዱ ንዶናልድ ትራምፕ ትራምፕ ጁኔርን ይሳተፉ ኣለዉ።

ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ልዕሊ ህንጻ ካፒቶል መጥቃዕቲ ንኽካየድ ጎሳጉስካ ብዝብል ምኽንያት ገጻት ማሕበራዊ ሚድያታቱ ተዓጽዩ፡ ፌስቡክን ትዊተርን ክጥቀም ኣይተፈቐደሉን ዘሎ።

ዶናልድ ትራምፕ ካብ ስልጣን ወሪዱ ካብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝወጽእ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከባ ሰፊሕ መንበሪ ቤቱ እዩ ዝቕመጥ ዘሎ።

ዶናልድ ትራምፕ ካልእከ እንታይ ኢሉ?

ወዲ 74 ዓመት ዶናልድ ትራምፕ፡ ናብቲ ኣኼባ ዝካየደሉ ዝነበረ ሆቴል ኣብ ዝኣተወሉ፡ እቶም ዝበዝሑ ዓጒጎም ዝጽበይዎ ዝነበሩ ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባን ደገፍቱን፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣይገበሩን ነይሮም።

ንሱ መደረ ከስምዕ ኣብ ዝጀመረሉ “ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ደው ኢለ ዘለኹ፡ ነቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ብሓባር ኮይንና ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ገና ኣብ ምዝዛም ከምዘይበጸሐ ክእውጅ ኢለ እየ” ኢሉ።

ንሱ ብምስዓብ “ሎሚ ኣብዚ ተኣኪብናሉ ዘለና ምኽንያት ኣብ ዝመጽእ እዋን ንገብሮ ፖሎቲካዊ ምንቅስቓሳትና፡ መጻኢ ሰልፍናን መጻኢ ሃገርናን ንኽንዝቲ እዩ" ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ሓዲሽ ፖሎቲካዊ ሰልፊ ናይ ምምስራት ጥሙሕ ከምዘይብሉን ካልእ ፖሎቲካዊ ሰልፊ ምምስራት ንድምጺ ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝገማምዕ ምዃኑን ብምጥቃስ “ሰልፊ ሪፓብሊካን ኣለና፡ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ክንሓበርን ክንሕይልን ይግብኣና” ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተገበረ ኣፈናዊ ዳህሳስ፡ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ሰልፊ ሪፓብሊካን ወጺኡ ሓዲሽ ፖሎቲካዊ ሰልፊ ምስ ዝምስርት 46 ሚኢታዊት ካብ ደገፍቱ ድምጾም ክህብዎ ከምዝኽእሉ እዩ ኣብ መደምደምታ በጺሑ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መደርኡ፡ ሕጂ’ውን ዋላ እኳ መርትዖታት ኣየቐምጥ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ምጥፍፋእ ከምዝነበሮ ብምጥቃስ ኣብ 2024 ዳግማይ ናይ ምውድዳር ውጥን ከምዘለዎ ኣአንፊቱ።